ድለ

ካርዲናል ኩፒች ብዛዕባ ውግእ ዝምልከት “ጻውዒት ሕልና” የቕርቡ ካርዲናል ኩፒች ብዛዕባ ውግእ ዝምልከት “ጻውዒት ሕልና” የቕርቡ 

ካርዲናል ኩፒች ብዛዕባ ውግእ ዝምልከት “ጻውዒት ሕልና” የቕርቡ

ሊቀ ጳጳሳት ርእሰ ሰበኻ ቺካጎ እቲ ዜሕዝን ፍጻመ ኲናት ከም ጸዋታ ቪዲዮ ተገይሩ ኣብ ዝቐረብሉ ዘሎ እዋን "ናይ ሕልና ጻውዒት” ብምቕራብ፡ ነቲ ኲናት ዘውርዶ ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ዕሽሽ ብዝበልና መጠን "ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣዝዩ ክቡር ውህበት ማለት ሰብእነትና ብዝያዳ ንስእን" እንክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ጻውዒት ንሕልና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ብለዝ ኲፒች ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ዋጋ ናይቲ ንኢራን ዘሳትፍ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ብዝምልከት መርበብ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ብሓቂ ዘስካሕክሕ እዩ እንክብሉ ጓሂኦም ይገልጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተፈጸመ ደብዳብ ብምጥቃስ ካርዲናል ብሌዝ ኩፒች ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ “ድሕሪ ናይ መዓልታት ደብዳብ ሚሳይላት ኣመሪካን እስራኤልን ልዕሊ 1000 ኢራናውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ዝደቀሱሉ እዋን ከም ዝተቐትሉን፡ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤተ መግንስቲ ወግዓዊ ኣድራሻ ብዛዕብ እቲ ኲናት ካብ ህቡባት ናይ ውግእን ባእስን ፊልምታት ዝተራእየ ትርኢታት ዝሓዘ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ. መጥቓዕቲ ብምትሕሓዝ ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዘርኢ ናይ ኣመሪካ መገዲ ፍትሒ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈነወ ናይ ምስማዐ ርእየት ምስሊ ብሓቂ ዘጉህይን ዘሕዝንን ምዃኑ ኣብሪሆም፡ "ናይ ብሓቂ ኲናትን ናይ ብሓቂ ስቓይን" ከም ናይ ቪዲዮ ጸዋታት ጌርካ ምቅራብ ዘሕምም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም ኣዴታትን ኣቦታትን ኣዋልድን ኣወዳትን እንኮላይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንከለዉ ከም እተቐትሉን ሽዱሽተ ወተሃደራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም እተቐትሉን እዚ ድማ በቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝፍነው ዘሎ ውግእ ከም ጸዋታታት ቪድዮ ኣምስሊካ ምቕራብ ክብሮም ይቕንጠን ኣሎ፡ ብዙሓት እውን ይመዛበሉን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝብታት ማእከላይ ምብራቕ እውን ኣብ ከቢድ ስንባደ ይርከቡ” እብክብሉ ካርዲናል ኲፒች ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ የመልክቱ።

ኣብ መንጎ ዓውደ ውግእን ቤት መዘናግዕን ዘሎ ርሕቀት

ኣብቲ መግለጺ ካርዲናል  ኲፒች ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ግጭት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ምቕራጽ መራኸቢ ብዙሓንን ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ምዕባለን ዘለዎ ግደ ኣስተብሂሎም፡ "ኣብ መንጎ ዓውዲ ኲናትን ኣብ መዘናግዕን ዘሎ ዘይራኸብ ርሕቀት ዳርጋ ዘየለ ይመስል። እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ስነ - ምግባራዊ ቅልውላው ካብቲ ውግእ ንላዕሊ ከምኡውን ንሕና ነቲ ውግእ ከም ተዓዘብቲ ስፖርት ወይ ናይ ስነ ስልታዊ ጸወታ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓና ይገብር ኣሎ፥ ጋዜጠይናታት እውን ከይተረፉ ነቲ ውግእ "ከም ጸዋታ ክሳብ ዝመስልን ዘቅርብ ዝኽተልዎ ኣገባብ "ንሰብኣውነት ሓቀይና ሰብ ዜጥፍእ ምርጫ እዩ። ነዚ ዓሚቝ ስነ - ምግባራዊ ውድቀት" እንክብሉ ብምግላጽ ኮኒኖም፡ ካብ ድንጋጸ ንላዕሊ ንመዘናግዕን መኽሰብን ቀዳምነት ክንህቦ እንኮለና ናይቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ሓዘን ኢና ዕሽሽ እንብል፡ እዚ ድማ ሰብኣውነት ንሞት ምፍራድ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንዋጋታት ኲናት ዘይምስምማዕ

ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣሜሪካ "ንመከራ ህዝቢ ኢራን ከም ድሕረ ባይታ ናይ ገዛእ ርእስና መዘናግዒ ገይሩ የቕርቦ ኣሎ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ በቲ ኣዕናዊ ብዝኾነ ወተሃደራዊ ሓይልታትና ክንሕጎስ እንኮለና ሰብኣውነትና ኢና ነጥፍእ . . . ዋጋ ናይ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እዚ ድማ ውሉፋት ውግእን ፍንጀራታትን ይገብር፡ ስምዒታትና ይቐትል። ነቲ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ውግእ ዕዉራት ብዝኾንና መጠን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣዝዩ ክቡር ህያብ፡ ማለት ሰብኣውነትና ኣብ ሓደጋ ነውድቕ። ህዝቢ ኣመሪካ ካብዚ ዝሓሸ ምዃኑ እፈልጥ እየ። እቲ ዝፍጸም ዘሎ መዘናግዒ ዘይኰነስ ውግእ ምዃኑ ኢራን ከኣ ካልኦት ንምዝንጋዕ መጋበርያ ጸወታት ቪዲዮ ከም ዘይኰነት ዝፈልጥ ሰናይ ኣእምሮ ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

09 Mar 2026, 15:17