ድለ

ጳጳስ በራርዲ፡ 'በዚ ተባሪዑ ዘሎ ናይ ኲናት ማዕበል ከይንጽረግ ክንጽሊ ኣሎና!’ ጳጳስ በራርዲ፡ 'በዚ ተባሪዑ ዘሎ ናይ ኲናት ማዕበል ከይንጽረግ ክንጽሊ ኣሎና!’  (AFP or licensors)

ጳጳስ በራርዲ፡ 'በዚ ተባሪዑ ዘሎ ናይ ኲናት ማዕበል ከይንጽረግ ክንጽሊ ኣሎና!’

ኣብ መላእ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዓጽየን ኣብ ዝርከባሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብ ሰሜን ዓረብ ሓዋርያዊ ዓቃቢ መንበር ጳጳስ ኣልዶ በራርዲ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 1 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብቲ ዞባ ሰላም ክሰፍን ስለ ዘቕረብዎ ጻውዒት የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ሓውሲ ዴስት ዓረብ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ጳጳስ ኣልዶ በራርዲ ኣብ ባሕረይን ኣዋሊ ካብ ዝርከብ መንበሮም ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝተባርዐ ሓድሽ ኩናት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘለዎም ዓቢይ ስክፍታ ይገልጹ።

እስራኤልን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘበገሰኦ ሓድሽ ደብዳብ ስዒቡ እስላማዊት ረፓብሊካዊት ኢራን ብዝሃበቶ ግብረ መልሲ ንሓያሎ ሃገራት ወሽመጥን ኣብቲ ዞባ ንዝረክብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መዓስክራት ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጳጳስ በራርዲ ቀዳም ዕለት 28 ለካቲት እቲ እስራኤልን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሓባር ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈነወኦ መጥቃዕቲ ኣብ ዘበገሳሉ ዕለት ናይቲ ንኣርባዕተ ሃገራት ሓውሲ ደሴት ዓረብ ማለት ኩዌት፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ባሕሬንን ቀጠርን ዝሽፍን ኣብ መንበረ ዕቅብናኦም ንዘገልግሉ ካህናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ሰብ ውፉህ ህይወትን መግለጺ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳስ ኣልዶ በራርዲ እዚ እዋን እዚ “ኣዚዩ ስንኵፍን ዘይርጉጽን ዘመን” ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ኩሉ ሰብ ክዕቆብ፡ ኣብ ጸሎት ሓደ ክኾኑን፡ ከምኡ’ውን ናይ ከባብያዊ ምምሕዳራት ዝህብዎ ጸጥታን ደሕንነት መምርሒታት ክኽተሉ ንኹሎም ኣብ መንበረ ዕቅባናኦም ንዘገልግሉ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን የተሓሳስቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 1 መጋቢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ፍርቂ መዓልቲ መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንህልው ኩነታት ዓለም ብፍላይ እቲ ሓድሽ ዝተባርዐ ግጭት ክወገድ ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት፡ ብጹዕነቶም ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣማእኪሎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት [ጳጳስ በራርዲ] እቲ ኩነታት ብሓቂ ዝተሓላለኸ እውን ብምዃኑ፡ ብርግጽ ዕለት 1 መጋቢት ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምትእትታው ንጽበ ኔርና፡ እቲ ዞባ ድሮ ብሰንኪ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድርን ቁጠባዊ ትርጉሙን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክነሱ ሕጂ ድማ፡ በቲ ዘይተጸበናዮ እስራኤልን ኣመሪካን ብሓባር ዘበገሰኦ መጥቃዕቲ ፡ ኣዚዩ ናብ ዝገደደ ኩነታት ከብል ዝኽእል እዩ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኢራን ኣብ ሕምብርቲ ሕብረተሰባ ስለ ዝተሃርመት ብዘይ ልጓም መልሲ ክትህብ ትኽእል እያ ዝብል ግምት እዩ ዘሎና፡ እዚ ድማ ዝያዳ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ዘበግስ ከም ዝኸውንን “ንስኻ ትሃርመኒ፡ ኣነ ይሃርመካ፡ ንስኻ ትሃርመኒ፡ ኣነ የጥቅዓካ” ዝብል ስነ - መጐት ከቢቡና ኣሎ ይብሉ።

ሕቶ፡- ብዙሓት ከተማታት ወሽመጥ ዓረብ ብግብረ መልሲ ሕነ ንምፍዳይ ብሚሳይላት ተሃሪመን እየን። ኣብ ባሕሬን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ዘለኹሉ ከባቢ ህሉው ኩነታት ከመይ ኣሎ?

ተወንጫፊ ሚሳይላት ብልዕሊ ሕንጻ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ከም ዝሓለፈን፡ ገለ ሚሳይላት ድማ ብባሕሬን   ከም እተዓገተን፤ ኣብ ጎኒ ካቴድራል እውን ዝወደቐ ኣሎ። ካብቲ ህንጻ ብዙሕ ዘይርሕቕ ባርዕ ሓዊ እውን ከም ዘጋጠመን ብፍላይ ድማ እቲ ካቴድራል ሓዳሽ ብምዃኑ ብሓቂ ኣሰንቢዱና እዩ።

ካብ ዕለት 28 ለካቲት ጀሚሩ ሚሳይላት ይትኮስ ኣሎ፡ ስለዚ፡ ሽግር ከየጋጥም ድማ ኣብያተ ክርስቲያናት ክዕጸዋ ጌርና ኣሎና፡ እቲ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ብቐጥታ ንኣቢያተ ክርስቲያን ዒላማ ዝገበረ እውን እንተዘይኮነ ፍርስራስን ፍንጀራን ግን ህንጻታት ክጎድእ ስለ ዝክእል ልዕሊ ኩሉ ድማ ንሰባት ክጎድእ ይኽእል። ቶዂሲ ሚሳይላት ገና ይቕጽል ኣሎ: ስሩዕ ናይ ሕደጋ ደወል እውን ብቐጻሊ ይፍኖ ኣሎ: ስለዚ ድማ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ክኸውን ግንድ እዩ፡ ንድሕነትና ምኽንያት ኣይንወጽእን።

ካህናት ንሰላም ምሸት ሓቢሮም ቅዳሴ የብዕሉ፤ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ዝሓተትክዎ ኣገልግሎት እዩ፣ ኩሎም ካህናት ብሓባር ንሰላም ቅዳሴ ከብዕሉ። ብምስማዐ ርእየት እውን ንማናማን ኩዌትን ይመሓላለፍ ኣሎ፡ ምእመናን ክሳተፉ ይሓቱ ኣለዉ ንሕና ግን ነቲ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንድሕነቶም ንጥንቀቕ።

ንኣብነት ኣብ ቀጠር ቤተ ክርስቲያን ብሓይሊ ጸጥታ ተዓጽዩ እዩ እቲ ሃይማኖታዊ ቀጽሪ ብምልኡ ተዓጽዩ ኣሎ፡ ዝኣቱ ኮነ ዝወጽእ ሰብ የለን፡ ካብቲ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ብዙሕ ዘይርሕቕ ፍርስራስ እውን ይርኣ። ኩሉ ሰብ ይጽሊ ኣሎ፡ ነገራት ክሃድኡ ድማ ብተስፋ ንጽበ።

ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መራሕቲ ነቲ ዓመጻ "ዘይዕረ መዓሙቝ" ቅድሚ ምዃኑ ደው ንምባል ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ተዛሪቦም እዮም። ንስኹም ኣብኡ ስለ ዘለኹም ድማ እዚ ዘሎ ኩነታት ክሳዕ ክንድዚ ሓደገይና ድዩ?

እወ ኣዚዩ ሓደገይና እዩ። ከም እንፈልጦ ኣብዚ ኽፍሊ ዓለም ቅሬታታት ሱር ዝሰደደን ንዘመናት ዘሎን ስለ ዝዀነ። ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ዓመጻ ኺእከብ እንከሎ ድማ ክብረትን ርእሰ - ኣኽብሮትን ህዝብታት ክወቕዕ እንከሎ መጥቃዕትታት ከኣ ብዓመጻ ኺፍጸም እንከሎ እቲ ግብረ መልሲ እውን ብማዕረ ዓመጽ እዩ ዚፍጸም።

ብርግጽ ናብ ዓዘቕትን ማዕበልን ከእትወና እዩ፣ ናበይ ከብጽሓና ከም ዝኽእል ድማ ኣይንፈልጥን ኢና። ናብ ሓደ መዋጽኦ ዘይብሉ ሕነ ምፍዳይን ሓድሕዳዊ ዓመጽን ከጥሕለና ዘኽእል ስግኣት ኣሎ።

ሰላም ክምለስን በዚ ዓንኬል ዓመጽ እዚ ከይንጽረግን ክንጽሊ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍ ወገን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ኮይኑ ስለዝስምዖ ናብቲ ውግእ እንተኣትዩ፡ እቲ ዞባ ብሙሉኡ ናይ ምፍንጃር ሓደጋ እዩ ዘጋጥሞ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

02 Mar 2026, 16:32