ድለ

ኒኵለራዊ ኣጽዋር ኒኵለራዊ ኣጽዋር 

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕ. መ. ኣመሪካ ውዕል ‘ምንካይ ኣጽዋር' ምውድኡ ተቀባልነት የብሉን ይብሉ

እቲ ሓድሽ ስትራተጅያዊ ውዕል ምንካይ ኣጽዋር (New START) ቅድሚ ምውዳኡ፡ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ፡ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኤስ. ኮክሊ ነቶም መምርሒታት ዘውጽኡ ሰባት "ነቲ ሓዲሽ ምጅማር ዝተሰምየ ውዕል ንምዕቃብ ብትብዓት ቀጻሊ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ከካይዱ" ተማሕጺኖም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት -  ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾኑ፡ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኤስ. ኮክሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ግጭታት እንተላይ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ዘስዕቦ ሓደጋታት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝውዳእ ውዕል ‘ሓድሽ ምጅማር’ ብቀሊሉ ተቐባልነት ዘይብሉ ይገብሮ" ክብሉ ኣጠንቂቆም።

እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩስያን እተፈረመ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ውዕል ምቍጽጻር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝዀነ ሓድሽ ስትራተጅያዊ ውዕል ምንካይ ኣጽዋር (New START) ብ5 ለካቲት ቅድሚ ምውዳኡ፡ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ "ንኵሎም ኣመንትን፡ ንሰብ ጽቡቕ ድላይ ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ መጠን፡  ሓቀይናን፡ ለውጢ ዘምጽእን፡ ንነባሪ ሰላም ንምስዓብ፡ ትብዓት ከነማዕብል ምእንቲ ኣብ ጸሎት ክጽመዱ ጸዊዖም።"

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ጥሪ ንዲፕሎማሰይናታት ዝሃብዎ መግለጺ ብምዝካር ድማ፡ ቅዱስነቶም፡ ነቲ ውዕል ምሕዳስ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ "ነቲ ሓድሽ ምጅማር እተሰምየ ውዕል ምስዓብ ኣድላዪ እዩ" ዝበልዎን፡ ከምኡውን "ኣብዚ ጊዜ እዚ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ተሓጊዝካ ናብቲ ዝያዳ እተራቐቐ ሓድሽ ኣጽዋር ናይ ምፍራይ ቅድድም ናይ ምምላስ ሓደጋ ከይመጽእ" ኣጠንቒቆም።

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብተወሳኺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓፈሻ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 "ምሉእ ምጕዳል ኣጽዋር" ንኽህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝጠቐሱ ገሊጾም። እዚ ድማ "ኣብ መንጎ ሃገራት ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም፡ ማዕረ ኣጽዋር ኣብ ምሓዝ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓባራዊ ምትእምማን ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል"  ንዝብል ኣተሓሳስባ ንምርዓም ኢዩ።

ቀቅድሚ እዚ ክውንነት እዚ፡ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ፡ ነቶም መምርሒታትት ዘቝሙ ሰባት "ነቲ ሓዲሽ ምጅማር  ዝተሰምየ ውዕል ንምዕቃብ፡ ብትብዓት ቀጻሊ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ክገብሩ፡ ናብ ምንካይ ኣጽዋር ዝመርሕ መገድታት ከኣ ክኸፍቱ" ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ኣህጉራዊ ፖሊሲታት ዘይምስምማዕ ከቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ ንዲፕሎማስያዊ ዘተ ኣብ ዘይምዕባይ ግን፡ ከም መመኽነይታ ክውሰድ የብሉን፣” "ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ውጽኢታዊ ተሳትፎን ምይይጥን ንኽንገብር ኣበርቲዑ ክደፍኣና ኣለዎ" ክብሉ ኣስሚሮምሉ።"

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት፡ መስፍን ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ "ኣብ መላእ ዓለም ብመንፈስ ሕውነት ንሰላም ንምስዓብ ንልብናን ኣእምሮናን የብርሃልና" ኢሎም ብምጽላይ መልእኽቶም ዛዚሞም።

05 Feb 2026, 16:11