ጳጳሳት ፊሊፒንስ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝያዳ ሓያል ስጉምቲ ሃገረ ስብከት ይላቦ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካዊ ጳጳሳት ፊሊፒንስ ዕለት 1 ለካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣብ ዘኽበረሉ እዋን፡ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምፍታሕ ዝሓየለ መሓውር ቤተ ክርስቲያን ክህሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ኣሐዲሱ፡ እታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ምልመላ፣ ግዱድ ዕስክርና፣ ጾታዊ ምዝመዛ፣ ከምኡ’ውን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ብመርበባዊ መራኸቢታት ዝፍጸም ግህሰት፣ ብፍላይ ድማ ንህጻናት ዘሳትፍ፣ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ምዝመዛታት ትሳቐ ከምዘላ ኣጠንቂቑ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንብዙሓት ፊሊፒናውያን ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዝጸሉ “ከቢድን ቀጻልን ስክፍታ” ክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን ሰበስልጣን መንግስትን ዝያዳ ምትሕብባር ክግበር ኣተሓሳሲቦም።
እቲ መጽናዕቲ ካብ ዓለማዊ መርሓ ግብሪ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተረኽበ መረዳእታ ብምጥቃስ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዝበዝሓ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ ስዕቡ ድማ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ኣመልኪቱ። መብዛሕትኦም ተቓላዕቲ ካብ ከም ማኒላ ካብ ዝኣመሰላ ከተማታት ማእከላት ዝመጹ እዮም።
ስነ ኣሃዛዊ ሓደጋ
እቲ ኩነታት ምስ ምስፋሕ ንስነ ኣሃዛዊ መድረኻት እናገደደ መጺኡ፡ ነጋዶ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ናይ ስራሕ ዝኣመሰሉ ናይ ሓሶት መብጽዓታት ብምቕራብ፡ ኣብ መስመር መራኸቢታት ናይ መታለሊ ምልመላ መደባት የሳልጡ።
እቶም ጳጳሳት ድኽነት፣ ሕጽረት ትምህርቲ፣ ዕጥቃዊ ግጭታትን ተደጋጋሚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ተቓላዕነት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክውስኽ ዝገብር ቀንዲ ረቛሒታት ምዃኖም ኣመልኪቶም። እዚ ኩነታት እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ መርበብ መትረባት ብምምዝማዝ፡ ቁጠባዊ ምርግጋእ ዝደልዩ ሰባት ዝሃድኑ ምዃኖም ይሕብሩ።
“ምስግጋር ደቂ ሰባት ማሕበራዊ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምልዋጥ ልብን ስርዓታት ምልዋጥን ዝጽውዕ ዓሚቝ ግብረ ገባዊ ስክፍታ እዩ” ዝበሉ እቶም ጳጳሳት፣ ምዝመዛ ክቕጽል ዘኽእል መሓውራት ተቓላዕቲ ንምሕላውን ብድሆ ንምፍታሽን ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ሓላፍነት ኣስሚሮም፡ ንሃገራዊ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብናይ ቤተ ክርስቲያን ጸጋታትን ጉስነታዊ ተልእኾን ዝሰማማዕ ናይ ሰበኻታት ተበግሶታት ክድግፉ ድሌቶም ገሊጾም።
ስጉምት ሃገረ ስብከት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት
ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ፊሊፒንስ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጉስነት ስደተይናታትን ገያሾን ህዝብን ናይ ሰበኻ ፑርቶ ፕሪንሰሳ ጳጳስ ሶቅራጠስ መሲዮና ኣብ ዝሃብዎ ፍሉይ መግለጺ፡ ሃገረ ስብከታት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝቃወማ ሽማግለ ሃገረ ስብከት ክምስርታን ከሐይላን ጸዊዖም። እቶም ሽማግለታት ኣብ መላእ ሃገር ንዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተዋደደ ጉስነታውን ትካላውን ምላሽ ንምርግጋጽ ከም ዝሕግዙ ገሊጾም፡ ብመሰረት እቲ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣስታት 12 ሽማግለታት ሃገረ ስብከት ዝተመስረተ ኮይኑ መብዛሕቲኦም ኣብ ዞባ ሉዞን ዝርከቡ እዮም። ጳጳስ መሲዮና ብተወሳኺ ሰበኻታት ንቕሓት ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ መደባተን ጉስነት ከዋሃህዳ ኣተባቢዖም፡ “ናይ ንቕሓት፡ ትምህርትን ሓለዋን ቦታታት” ክኾና ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት
ጻውዒት ጳጳሳት ፊሊፒንስ ቅድሚ እቲ ዓመታዊ ዕለት 8 ለካቲት ዝኽበር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክብሪ ደቂ ሰባት ብኸቢድ ዝግህስ “መዓት” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ የዘኻኽሩ።