ድሕሪ ሓደ ዓመት ምጉዳል ሓገዝ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምጉዳል ሓገዝ ዓባይ ብሪጣንያ   (CAFOD)

ድሕሪ ሓደ ዓመት ምጉዳል ሓገዝ ዓባይ ብሪጣንያ

ኣብ ካቶሊካዊ ትካል ልምዓት ወጻኢ ሃገራት (CAFOD) ሓላፊ ጉዳያት ሕግን ርክባትን፡ ምጉዳል ወፍሪ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ሓገዝ ዘድልዮም ማሕበረሰባት ዘስዕቦ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋ የጉልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 25 ለካቲት 2025 ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መራሔ መንግስቲ ኬር ስታርመር፡ ንሓይሊ ምክልኻል ዝውዕል ወጻኢታት ከም ዝወሰኽን ንረድኤት ዝውዕል ወጻኢታት ድማ ከም ዝነከየን ብወግዒ ካብ ዝገለጸሉ ዕለት ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ዚርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ወግዓዊ ትካል ልምዓት ወጻኢ ሃገራት (CAFOD)  ነቲ ውሳነ ዚዅንን መግለጺ ከም ዘውጸአ፡ ናይቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ትካል ረዴት ዋና ኣካያዲት ስራሕ ክርስቲን ኣለን እዚ ውሳነ እዚ "ኣብ ገለ ተኣፋፊ ቦታታት ንዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ንሞትን ብዙሓት ድማ መነባብሮኦም ክስእኑ ዝገብር እዩ” እንክብል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ክትሕብር እንኮላ፡ ናይቲ ትካል ጉዳያት ሕግን መራኸቢ ብዙሓንን ኒል ቶርንስ እውን ንወገኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት እዚ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መራሔ መንግስቲ መግለጺ ሓቂ ምዃኑ ኣጕሊሑ፡ እዚ ምንካይ ሃብቲ ገንዘብ እዚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ዘሕደሮ ኣሉታውን ነባርን ጽልዋ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ የብርህ።

ፍትሒ ሰላም የምጽእ

ቶርንስ እቲ መንግስቲ ናይ ዝወሰዶ ውሳኔ ምኽንያት ኣብ ዘይርጉእ ዓለም ንምክልኻል ዝያዳ ገንዘብ ክዋፈር ኣለዎ ዝብል ምዃኑ ከም ዘብረሀ ሓቢሩ፡ ይኹን እምበር ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ዝገለጽዎ ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእ እንሰርሓሉ መገዲ ፍትሒ ዘማከለ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣበይ ይንበር ካበይ ይምጻእ ብዘየገድስ ንኹሉ ዝያዳ ርጉእን ዘተኣማምንን ሃዋህው ምፍጣር ማለት እዩ። ሰላም ንሓይሊ ምክልኻል ወጻኢታት ክብ ብምባል ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ወፍሪ ብምግባር እዩ ዚፍጠር። ርግኣት ዝፈጥር ፍትሕን ማዕርነትን እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሕብረተ-ሰባት ሰላምን ስኒትን ይፈጥር።” ይኹን እምበር እቲ ረድኤት ንምቍራጽ ዚግበር ውሳነ ኣብ ዓለም ርግኣትን ሰላምን ምስ ምፍጣር ብኸመይ እዩ ዝተሓሓዝ? ቢሉ ሕቶ ብምቕራብ። ዓባይ ብሪጣኒያ ንሰብኣዊ ሓገዝ እትግበሮ ወፍሪ ብምንካያ ኣብ ገለ ድኻታት ከባቢታት ዓለም ብውሕዱ 2.9 ሚልዮን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነስ 12 ሚልዮን ሰባት ጽሩይ ማይን ጽሬትን ከይረኽቡ ዝገብር እውን እዩ” ይብል።

ኣስዒቡ ናይቲ ካቶሊካዊ ትካል ልምዓት ንወጻኢ ሃገራት ጉዳያት ሕግን መራኸቡ ብዙሃንን ሓላፊ ነይል ቶርንስ፡ ሓገዝን መሰረታዊ ድሌታትን ዘይምርካብ ዓመጽ ክለዓል ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ሰባት ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ረድኤት ዝተመርኮዘ እዩ፣ እቲ ረድኤት እንተደኣ ተቛሪጹ ግጭት ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየርን ወይ ካልእ ረቛሒታት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ከሰናኽል ወይ ክዓግት ዝክእል እዩ - ቢሉ -  እዚ ዅሉ ዘይምርግጋእ ይፈጥር። "ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘይምርግጋእ እንተ ፈጢርካ ብመሰረቱ ዓመጽ ኢኻ እትፈጥር ዘሎኻ። እዚ ዓመጻ እዚ ሰባት ካብታ ኣብ ዓመጽ ዘላ ሃገሮም ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደዱ ይግደዱ። እዚ ድማ ንገዛእ ርእሱ ዘይምርግጋእ እዩ ዝፈጥር” እንክብል ብምርግጋጽ፡ "ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ዓለም ዝያዳ ፍትሕን ትሑት ዘይማዕርነት እንተ’ሎ። ነዚ ዘይማዕርነትን ሱር ጠንቂ ድኽነትን ትቃለስ እንተ ኣሎኻ፡ ኣብ መላእ ዓለም ስኒትን ርግኣትን ኢኻ እትሓንጽ” እንክብል የጉልሕ።

ምጉዳል ሓገዝ ማለት ዝዓበየ ጾታዊ ዘይማዕርነት ምፍጣር ማለት እዩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተገብረ ምጉዳል ሓገዝ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝያዳ ከም እተሃሰያ ጸብጻብ ማዕረ ስጉምትታት 2030 ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ መንጎ 2019ን 2022ን፡ 40% ሃገራት ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ዝኾነ ምዕባለ ከምዘይገበራ ወይ ብጭቡጥ ንድሕሪት ከም ዝተመልሳን፡ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 1 ቢልዮን ደቂ ኣንስትዮ ጽልዋ ከም ዘሕድረ የረጋግጽ። "ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምጉዳል ሓገዝ፡ ኣገልግሎት ትምህቲ ክንክይን፡ ንትምህርቲ ዝኸውን ስልዒት ክቕንስ ከም ዝገብረን እዚ ድማ ብቐጥታ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብብርቱዕ ከም ዝጸለዎ ክምስክር እፈቱ” ይብል።

ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣትርከብ ሃገር

ናይ ካቶሊካዊ ትካል ልምዓት ወጻኢ ሃገራት (CAFOD) ጉዳያት ሕግን መራኸቢ ብዙሓንን ሓላፊ ቶርን እዚ ረድኤት ንኽንክይ ዝገብር ውሳነ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ግጭታት እውን ዘብእሶ ምዃኑ ኣጕሊሑ።

ብፍላይ ነታ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጥማ ዘላ ሱዳን ዝያዳ ቈላሕታ ብዘይ ምርካቡ ዝስምዖ ጓሂ ገሊጹ፡ እቲ ኣብታ ሃገር  "ነቲ ግጭት ደው ንምባል ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ጸቕጢ" ንምፍጣር ከምኡውን "ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ሕብዚ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕርብ ዝድርኽ ንረድኤት ዝውዕል ወጻኢታት ምንካይ ከይግበር ኣበርቲዑ ክዓዩ ኣለዎ” እንክብል ብኣጽንዖት የተሓሳስብ

ናብ መጻኢ ምጥማት

ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ገምጋም ድማ ናይ ዓዲ እንግሊዝን ወይለንስ ካቶሊካዊ ትካል ልምዓት ወጻኢ ሃገራት (CAFOD) ኣረኣእያኡ ከም ዝቐየረን - ምንካይ ንረድኤት ዝውዕል ወጻኢታት ኣብ ልዕሊ እቲ ረድኤት ክረክብ ዘለዎ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽዋል ንክቡር ስም ዓባይ ብሪጣንያ ዝጸልውን ጥራይ ዘይኰነስ "ነቲ ኽትበጽሖ እትጽዕሮ ዝነበረት ሸቶ እውን ዘሰናኽል እዩ . . . ይኹን እምበር 2026 ንዓዲ እንግሊዝ ነጥበ - መቐይሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ብሪጣንያ ኣብ ወርሒ ሕዳር መሪሕነት ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕለባላ ሃገርት ጉጅለ 20 ክትርከብ እያ፣ ኣብ ግንቦት ድማ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሽርክነት ከተአንግድ ምዃና ጉዳያት ሕግን መራኸቢ ቡዝሓንን ካቶሊካዊ ትካል ልምዓ ንወጻኢ ሃገራት ኣዘኻኺሩ ብሪጣንያ ኣብ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ዕዳ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኽትወስድ ከም እትኽእል ገሊጹ፡ ገሊኤን ሃገራት ዕዳ ንምኽፋል ኣብ ከቢድ ቃልሲ ስለ ዝርከባ" ዓዲ እንግሊዝ 90 ሚእታዊት ናይ ብሕቲ ኣለቃሕቲ ዕዳ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሕጊ ዝምራሕ ስጕምቲ እንተ ወሲዳ ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽምለሱን ዘኽእሎም ዘድሊ ሓገዝ ንኽረብኩ ዝድርኽ እዩ - ቢሉ - እዚ ኸኣ ጥዕናን ጽሬትን ማይን ብዝሓሸን ብዝበለጸን መገዲ ንኽርከቡ የኽእሎም። እዚ ስጕምቲ እዚ ንገለ ካብቲ ብሰንኪ ምቝራጽ ረድኤት ዝጠፍአ ምትእምማን እንደገና ንምህናጽ ክነቓቕሕ ከም ዝኽእል የስተብህል።

ኣብ መሪሕነት ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 20ን ኣብ ዋዕላ ዓለምለኻዊ ሽርክነትን ብሪጣንያ እቶም ዝተጉድኡ ሰባት እንታይ ከም ዘድልዮም ስለ ዝፈልጡ ድምጾም ክትሰምዕ ከም ዘለዋ ኣጽኒዑ ብምምልካት፡ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን "ናይ ገዛእ ርእሶም ዕድል መሃንድሳት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።"

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ካቶሊካውያን ረድኤት ነቲ ሃብታማት ሃገራት ንሓገዝ ዝሰልዖኦ ወጻኢታት ዝወሰደኦ ናይ ምንካይ ስጉምት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓባይ ብሪጣንያን ወይልስ ዝሃበኦ ምላሽ ከም ዝሃበን ልዕሊ 500 ሰበኻታትን ቁምስናታትን ማሕበረሰብ ብሪጣንያ ዕዳ ድኻታት ሃገራት ንምንካይን ንሓገዝ ዝውዕል ወፍሪ ገንዘብ ከይትንክይን ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ከም ዘካየዱን የካይዱ እውን ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ፡ ቶርንስ ከም ዝገለጾ እኹል ድምጺ እንተ ተዋሂቡ እቲ ውሳነ ኺስረዝ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ረድኤት ሃብቲ ገንዘብ ምውፋር እንደገና ተኵረት ኺግበረሉ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ነዊሕ እዋን ሰላምን ርግኣትን ዘምጽእ ከም ዝኸውን ርግጸይና እየ” ይብል።

26 Feb 2026, 16:16