ጳጳሳት ሜክሲኮ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ጻውዒት ሰላም የቕርቡ ጳጳሳት ሜክሲኮ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ጻውዒት ሰላም የቕርቡ 

ጳጳሳት ሜክሲኮ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ጻውዒት ሰላም የቕርቡ

ሓደ መክሲካዊ ናይ ንግድ ዕጸ ፋርስ ገበነይና ጉጅለ መራሒ ብናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ብዝፈጸሞ ስርሒት ድሕሪ ምቕታሉ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት መክሲኮ ዝተወደበ ናይ ዓመጽ ገበናት ከም እተባረዐን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጳጳሳት ሜክሲኮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዜጋታት ኣዚዩ ኣግዳሲ ዘይኮነ ዘየድሊ መገሻታት ከይገብሩ ኣጠንቅቂቖም፡ ክጥንቀቑን ኩነታት ከስተውዕሉን ክጽልዩን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ናይ መክሲኮ ጉባኤ ጳጳሳት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ኣይትሸበሩ ኣይትፍርሁ” (ዮሃ. 14፡ 27) ዝብል ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ጥቕሲ ኣማእኪሎም ነቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ንምፍታሕ፡ “ኣብ ሜክሲኮ ከም ነጋድያን ህዝቢ ኣምላኽ” ብዝብል ኣርእስቲ ጳጳሳት መክሲኮ ኣብቲ ብናይ ጉባኤ ጳጳሳት መክሲኮ ኣቦ መንበር ጳጳስ ራሞን ካስትሮ ካስትሮን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ሄክቶር ኤም ፔረዝ ቪላርያልን ኣብ ዝኸተምዎ መልእኽቶም፡ ንሰላም ጽዑቕ ጸሎት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋናዊ መዓት እዚ ዜጋታት ዘየድሊ መገሻታት ከይገብሩ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕድመ ንጥንቃቐን ጸሎትን

“ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ሃገርና ዝረአ ዘሎ ህሞታት ዓመጽ፡ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሓደ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝተፈጸመ ስርሒት ምኽንያት ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዓመጸይና ግብረ መልሲ፡ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ሃገር ከም ኣተባረዐን ኣብ ከቢድ ስክፍታ ንዝርከባ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ሃገርና ቀረባ ብምዃን፡ ጥንቃቔን ጸሎትን ክትገብሩ ንዕድመም . . . ብጒስነታውን ሕውነታውን መንፈስ ናይ ብሕቲ ኰነ ናይ ማሕበረሰብ ድሕንነት ስጕምትታት ከተደልድሉ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንደህንነትኩም ኣብ ቤትኩም ክትጸንሑ ከምኡውን ወትሩ መምርሒ በርግሳዊ ሰበ-ስልጣን ብምስዓብ ካብ ዘየድሊ ጕዕዞ ኽትቁጠቡ ንምሕጸነኩም። ነቲ ሃገርና ኣዝዩ ዘድልያ ሰላም እዚ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ቁምስናታት ኣብ ዝዓርግ ቅዳሴን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብን"  ጽዑቕ ጸሎት ክግበር ድማ ጻውዕቲ ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሜክሲኮ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ንስግስቲ ሰላም ነማዕቍብ

በዚ መንፈስ እዚ ጳጳሳት ሜክሲኮ ጸሎቶም "ናብ ጐይታ ታሪኽን መስፍን ሰላምን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምትእምማን ናይ ልመና ጸሎት ኪኸውን ድማ ተስፋኦም ገሊጾም። እንተዀነ ግን ዘራእቲ ዕርቅን ሕውነትን ንምዃን ቈራጽነት እውን ይጠልብ” ከም ዝበሉን ኣብ መወዳእታ፡ ጳጳሳት መክሲኮ ንመላእ ሃገሮም ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ንግስተ ሰላም ነማዕቍብ - ቢሎም - ብባርኖሳ ምእንቲ ኽትከድነና ንስድራቤትና ኸተዕቍብ መገድታት ፍትሕን ሰላምን ተስፋን ንምህናጽ ትሓግዘና፡ ጎይታ ብርታዐኡ መታን ክጽገወና ምእንታና ኣማልድልና፡ ነዚ ህሞት እዚ ብሓድነት ብምስትውዓልን ብምድግጋፍን እምነትን ክንነብሮ ጸልይና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ድሕሪ መቕተልቲ 'ኤል መንቾ (ሃደ ናይ ዕጸ ፋርስ ንግድ ገበነይና)” ዝተባርዐ ዓመጽ

ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ ሓይልታት ሜክሲኮ ነቲ ናይቲ ብርቱዕ ተባሂሉ ዝንገረሉ ኻሊስኮ ሓድሽ ወለዶ እተሰምየ ሓደ ኻብቶም ኣብታ ሃገር ኣዝዮም ዚፈርሁ ጉጅለ ገበነይናታት ንግድ ዕጸ ፋርንስ መራሒ ኤል መንቾ ብዝብል ሳጓ ዚፍለጥ ነሜሲዮ ሩበን ኦሴጌራ ሰርቫንቴስ ከም ዝቐተልዎ እንከመላኽት፡ እቲ ንሰበ - ስልጣን ሜክሲኮን ንምትሕብባር ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣገዳሲ ዓወት ተባሂሉ እተገልጸ መቕተልቲ ኤል መንቾ ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ሜክሲኮ መገድታት ብምዕጻውን ማካይን ብምቅጻልን ሓዊሱ በቲ ናይ ገበን ጉጅለ ዓመጽ ዝመልኦ ግብረ መልሲ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት እታ ሃገር የካይዱ ምህላዎም እውን ጸብጻብ ሮይተርስ የረጋግጽ።

24 Feb 2026, 15:48