CUBA-US-DIPLOMACY-OIL-FUEL-SHORTAGE CUBA-US-DIPLOMACY-OIL-FUEL-SHORTAGE  (AFP or licensors)

ጳጳሳ ሃገረ ኩባ፦ “ናብ ቀረብ ነዳዲ ኩባ ብምቍራጹ ሕንፍሽፍሽን ዓመጻን ኬጋጥም ይኽእል እዩ!”

እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡውን ድሕሪ እቲ ርእሰ ብሔር ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብተን ንኩባ ነዳዲ ዘቕርባ ሃገራት ዝገብሮ ወሰኽ ቀረጽ ከም ዝገብር ዘቕረቦ ናይ ምፍርራህ ፈጻሚ ትእዛዝ ኣመልኪቶም፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እታ ሃገር፣ ማሕበራዊ ስቓይ ክውስኽ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ፣ ዓሚቝ ተሓድሶን ዝርርብን ከምኡውን ሰብኣዊ ክብሪ ክኸብርን ብዘይ ምፍልላይን ዓመጻን ድማ ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ኩባ "ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዝኾኑ ኩባውያን" ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራውን ቍጠባውን ሰብኣውን ኵነታት እታ ሃገር ዘለዎም ዓሚቝ ሻቕሎት ገሊጾም። ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንቀረብ ጸዓት ሃገረ ኩባ ዝጸሉ ዝተገብረ ውሳነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ተወሳኺ ማሕበራዊ ውድቀት ከጋጥም ከም ዝኽእል የጠንቅቑ። "ኣብ መንጎ ቈልዑን ህጻናትን ሓደ ዓይነት ህዝብን ማሕበራዊ ሕንፍሽፍሽን ዓመጻን ኬጋጥም ከም ዝኽእል “ቅልውላው ሓደጋ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ" ክብሉ ጽሒፎም ይርከቡ፣ ዝዀነ ይኹን ሰናይ ድሌት ዘለዎ ኩባዊ በዚ ተስፋ እዚ ክሕጐስ ከም ዘይክእል ኣጕሊሖም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 31 ጥሪ 2026 ዝወጸ መልእኽቲ፣ እዞም ጳጳሳት ሃገረ ኩባ ነቲ ኣብ መላእ እታ ደሴት ዝስምዖም ዘሎ ሕዘን ገሊጾም ኣለዉ - "ስቓይ ካልኦት ብጥንቃቐን ብኣኽብሮትን ዝሰምዕ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ከም ዘይስምዖን፣ ከምዚ ቢሉ ክንቅጽል ከም ዘይንኽእልን እውን ገሊጾም።" እዚ ጻውዒት እዚ ንብምሉኡ ሕብረተሰብ ዝምልከት ምዃኑ እውን ኣጕሊሖም"፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቶም ንረብሓ እታ ሃገር ውሳነ ናይ ምግባር ዝለዓለ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ሳባት" ምዃኑ እውን ኣጕሊሖም ኢዮም።

እዞም ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ ሰነ ንዓመተ ኢዮቤል ኣመልኪቶም ኣብ ዘቐረብዎ ጻውዒት ብምጥቃስ፣ እቲ "ዜሳቕን ህጹጽን" ክውንነት ከም ዘይተመሓየሸ ኣንጸባሪቖም ይርከቡ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እቲ ዅነታት እናገደደ ብምኻዱ ጭንቀትን ተስፋ ቑርጸትን ድማ እናገደደ ይኸድ ኣሎ ይብሉ።

ናይ ወጻኢ ውጥረትን ማሕበራዊ ሓደጋን

"ኣብዚ ቐረባ እዋን ነዳዲ ናብታ ሃገር ክኣትወሉ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ተኽእሎ ከም ዘጥፍእ ዝገልጽ ዜና ብፍላይ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ተነቀፍቲ ኩነታት ዘለዉ ሰባት ናይ መጠንቀቕታ ደወል ኣለዓዒሉ ይርከብ ኣሎ" ክብሉ ጽሒፎም ኣለው። "ኣብ መንጎ ቈልዑን ሕጻናትን ሓደ ዓይነት ህዝብን ማሕበራዊ ሕንፍሽፍሽን ዓመጻን ዘኸትል ሓደጋ ክዉን ኮይኑ ኣሎ። ዝዀነ ይኹን በዓል ጽቡቕ ድላይ ዝኾነ ኩባዊ ነዚ ኣይቅበሎን ኢዩ" ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ሃገረ ኩባ ንሃገራዊ ድሕንነትን ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ኣመሪካ ዘስግእ ከም ዝዀነ ገይሩ ዘቕረቦ መግለጺ ምላሽ ንምሃብ ሃገራዊ ህጹጽ ግዜ ዝእውጅ ፈጻሚ ትእዛዝ ከቲሙ ይርከብ ኣሎ። እዚ ትእዛዝ እዚ መንግስቲ ኣመሪካ ነታ ደሴት ናይ ጸዓት ተኽእሎታታ ንምቍራጽን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሃቫና ጸቕጢ ንምውሳኽን፣ ካብ ዝዀነ ይኹን ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ናብ ኩባ ዝኣቱ ቀረብ ነዳዲ ወይ ፍርያት ነዳዲ ዘቕርባ ሃገራት ተወሳኺ ቀረጽ ከውጽእ ዝፈቅድ ድማ ኢዩ። ዋይት ሃውስ ኣብ መግለጺኦም ሰበ-ስልጣን ኩባ ምስተን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጻረራ ሃገራትን ጕጅለታትን ከም ዝተሓባበሩን፣ ዝተፈላለየ ሓደጋታት ከም ዘስዓቡን ኢዮም ዝኸስዎም ዘለዉ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ እዮም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኩባ፣ ጽኑዕን ጉስነታውን ጻውዒት ዜቕርቡ ዘለዉ። ሃገረ ኩባ ለውጢ የድልያ እዩ ይብሉ እዞም ጳጳሳት -  እዚ "እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት" እኳ እንተ ዀነ "ተወሳኺ ስቓይ ወይ መከራ" ሃገረ ኩባ ክትጻወሮ ኣይትኽእልን እያ ክብሉ ድማ ይጣበቑ። ብፍላይ ንድኻታትን ንኣረጋውያንን ንሕሙማትን ንቘልዑን ህጻናትን ካብ ሓድሽ ሓዘንን ጸገማትን ክቑጠቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ ። ነቲ ብ1998 ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብታ ደሴት ዝገበርዎ ምብጻሕ ብምዝካር ድማ፣ ተነጽሎ ንህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ከም ዝጸልዎምን ከቢድ ጾር ኣብቶም ድኹማት ወገናት ከም ዘኸትል እውን ኣጠንቂቖም።

ዘተን፣ ክብረትን ከምኡውን ሓባራዊ ረብሓን

እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ምስቲ ቐጻሊ ዝኾነ ኣስትምህሮት ቅድስቲ መንበር ብምስምማዕ ድማ፣ ግጭታት ብግዲ ዘይኰነስ ብዘተን ብዲፕሎማሲያዊ መንገድታትን ክፍታሕ ከም ዘለዎ የረጋግጹ። "ሰባት ብዘተ ንሓድሕዶም ይረዳድኡ ኢዮም" ክብሉ እውን ጸሓፉ፣ ብሰናይ ድሌት ኵሉ ሳዕ ናብ ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ዝመርሕ መገዲ ምርካብ ከም ዝከኣል እውን ይኣምኑ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ክብረትን ናጽነትን ኣብ ወጻኢ ብዘሎ ግጭታት ክምርኰስ ከም ዘይብሉ እውን ኣጕሊሖም ይርከቡ። ናይ ኣኽብሮትን ብዙሓውነትን ተሳትፎን ሃዋህው ንሓንቲ ሃገር ኣየዳኽምንን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣህጉራዊ ውጥረት ንምቅላል ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምስምማዕ "ዓለም ንኩባ ገዛእ ርእሳ ክትከፍት ኣለዋ" ከምኡ እውን "ኩባ ንገዛእ ርእሳን ንህዝባን — ንዅሎም ኩባውያን ብዘይ ምግልጋል ክትክፈት ኣለዋ" ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ቤተክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ተስፋ

እዞም ጳጳሳት ካቶሊካዊት ሃገረ ኩባ ኣስዒቦም፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ተልእኾ ምስ ህዝቢ ኩባ ብምጽላይ ወንጌል ንምስባኽ ከምኡውን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ንምግልጋል ከም እትቕጽል ደጊሞም የረጋግጹ። ብተወሳኺ'ውን ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ናይ ዘተን ምይይጥን ምትሕብባርን ቦታ ንምፍጣር ድሉዋት ምዃኖም ደጊሞም ገለጹ።

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መእተዊ ዘመነ ጵጵስናኦም "እዚኣ ሰዓት ፍቕሪ እያ" ብምባል እተዛረብዎ ቓላት ይዝክሩ። ንሃገረ ኩባ ንከተማልደላ ድማ ናብታ ኣደ ህዝቢ ኩባ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሓልዮታን ብሕድሪ ብምውፋይ ናይ መወዳእታ ምሕጽንታኦም ከምዚ ክብሉ ኣቕሪቦም፣ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ልቦናን ኪሰፍን ኵሎም ኣወዳትን ኣዋልድን እዛ ሃገር እዚኣ ድማ "ኣብዚ ብሰላምን ብኽብርን ብሕጉስ መንፈስን" ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

05 Feb 2026, 12:01