ናይ ኵባ ጳጳሳት ናብ ሃገረ ቫቲካን ካካይድዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ ምብጽሕ ክሰጋገር ይሓቱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳት ኩባ ብዙሕ ዘይምርግጋእን ዘይርጉጽነትን ዘስዕብ፡ እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድም ክብል ተወሲኑ ዝነበረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክናዋሕ ከም ዝሓተቱን፡ እቲ ዕለት 12 ለካቲት ዝተዘርገሐ ናይ ኵባ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ የረጋግጽ። ስለዚ ነቲ ካብ ዕለት 16 ክሳዕ ዕለት 20 ለካቲት ኣብ ቫቲካን ከካይድዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ ዑደት ክሰጋገር ከም ዝሓተቱን እዚ ድማ "ምእንቲ ሃገርናን ህዝብናን ጸሎትና ንቕጽል ምስ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ዘሎና ፍቕርን ሕብረትን ድማ ነሐድስ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ፈጻሚ ትእዛዝ ትራምፕ
እዚ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትራፕ ንናይ ህገሩ ጸጥታን ድሕንነትን ዘመሓላለፎ ተፈጻሚ ትእዛዝ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ኣጋጢሙሉ ኣብ ዘለሉ ኣዋን፡ ኵባ ኣብ ጸጥታን ድሕንነትን ስግኣት እያ እንክብል ኣብተን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ናብ ሃቫና ነዳዲ ዘቕርባ ሃገራት ውሳነ ተወሳኺ ቀረጽ ክትግበር ዝከእኣል ምዃኑ ዘመሓላፎ ተመጻሚ ትእዛዝ ከቢድ ቅልውላው ጸዓት ክህሉ ከም ዝገበረን በዚ ምኽንያት ድማ ኣብታ ካሪቢያናዊት ደሴት ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ ክህሉ ከም ዝገበረን እዚ ኣብ ልዕሊ ናይ በረራ ጉዕዞ ከቢድ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።
መልእኽቲ ጳጳሳት ኩባ
ጳጳሳት ሃገረ ኵባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ብፍላይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀረብ ጸዓት እታ ሃገር ክትዓግት ድሕሪ ምውሳና፡ ተወሳኺ ማሕበራዊ ውድቀት ከስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ይፈጥር ምህላዉ ብኣጽንዖት ብምምልካት፡ ኣብ ኩባ ሕጂ ዘሎ ሓደጋ ማሕበራዊ ህውከትን ዓመጽን ናይ ምፍጣር ሓደጋ ዘለዎ ምዃኑ ብምምልካት፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ድኻታት፡ ኣረጋውያን፡ ሕሙማትን ህጻናትን "ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ከቢድ ጽልዋ ከም ዘለዎን ተወሳኺ ሞትን ስቓይን ክፈጥር ከም ዝኽእል እውን የተሓሳስቡ።
ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስቓይ ኵባውያን ከይውስኽ
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ለካቲት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእ ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ መንጎ ኩባን ኣመሪካን ወጥሪ እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ዝገልጽ ጸብጻባት ዝፈጥረሎም "ዓቢ ስክፍታ" ገሊጾም: "ንኹሎም ተሓተትቲ ቅንዕናን ኣድማዕን ዘተ ከስፍሑ፣ ካብ ዓመጽን ስቓይ ክቡር ህዝቢ ኩባ ክውስኽ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ዓይነት ስጉምትን ክቑጠቡ ኣብቲ ናይ ኵባ ጳጳስት መግለጺ ሓቢሮም ጻውዒት ድሕሪ ምቕራብ፡ በዓልቲ ኮብረ ቅድስቲ ማርያም ዘፍቕር ሓላዊት ቅድስቲ ሃገር ኵባ ንኹሎም ደቂ እታ መሬት ክትሕግዞምን ክትከላኸልን ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ምልክታ ናይቲ ምብጻሕ ad Limina
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጥራይ ዕለት 6 ለካቲት ጳጳሳት ሃገረ ኩባ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ክራኸቡ ምዃኖምን እዚ እውን ዝፈጥረሎም ሓጎስ ብምግላጽ ካብዚ ርክብ እዚ ድማ "ብእምነትን ተስፋን ደልዲሎም" ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ዘለዎም ርግጸይናነትታት ገሊጾም ከም ዝነበሩን፡ ንኹሎም ኩባውያን ቡራኬ ር.ሊ.ጳ. ክንሓትት ኢና፡ ናብ ኵባ ንኽበጽሑ ድማ ደጊማ ዕድመና ነረጋግጽ” እንክብሉ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ናይ ኵባ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የዘካኽር።