ድለ

ጳጳሳት ኮሎምብያ ኣብታ ሃገር ሰላምን ዕርቅን ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ ጳጳሳት ኮሎምብያ ኣብታ ሃገር ሰላምን ዕርቅን ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ 

ጳጳሳት ኮሎምብያ ኣብታ ሃገር ሰላምን ዕርቅን ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ

ጳጳሳት ኮሎምብያ ዘካየድዎ መበል 120 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገሮም ምልዋጥን ዘተን ክነግስ ብዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝዛዘሙን ብፍላይ ድማ ዜጋታት ኣብ ዝቕጽል ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ “ብምሉእ ናጽነትን ሕልናን፣ ብዘይ ምግባረ ብልሽውና” ናይ ምድማጽ መሰሎም ብምጥቃም ክሳተፉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ናይ ኮሎምቢያ ጉባኤ ጳጳሳት ዘውጸኦ መግለጺ ተወኪሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ኮሎምቢያ እቲ ንሓሙሽተ መዓልቲ ዘካየድዎን ዕለት 13 ለካቲት ዝተዛዘመ መበል 12 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉበኤ፡ ኮሎምብያ ንኣማላድነት ኣዴና ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርየም በዓልቲ ቺኲንኪራ፡ ጠበቓን ሓላዊትን ሃገረ ኮሎምቢያ ኣወኪፎም ከምኡ’ውን ኣብ ምድላይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሓቢሮም ክጓዓዙን ከሰንዩን ውፉያት ምዃኖም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣረጋጊጾም፡ እቲ ጳጳሳት ኮሎምቢያ ዘጸደቕዎ ናይ መወዳእታ ሰነድ፡ ንህዝቢ ናብ ምልዋጥን ዘተን ኣብ ዲሞክራስያዊ ሕይወት ሓላፍነታዊ ተሳትፎን ዝዕድም ኮይኑ፡ ብተመሳሳሊ ድማ ጳጳሳት ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ብፍላይ ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ማለት ክረምታዊ ወቕቲ ንዝተሃሰዩ ኵሎም ዘለዎም ቅርበትን ደገፍን ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ሰንበት ዕለት 15 ለካቲት ንዝተጎድኡ ሓገዝ ዝውዕል ኣገዳስነታት ናይ ምእካብ ወፍሪ ከም ተበገሰን እዚ ድማ ነቶም ኣዝዮም ጽጉማት ኣባይቲ ስድራ ብፍላይ ድማ ነቶም ብውሕጅ ዝተሃስዩ ዝጠቅም ኵለ መዳያዊ ተበግሶታት ዘተባብዕ ኮይኑ፡ እዚ ቤተ ክርስቲያን ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ዜጋታት ንምድጋፍ ብፍላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ተበገሶ መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ምጅማር ጾም ኣርብዓ ኣብ ዘላ ቀዳመይቲ ሰንበት ዝካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምልዋጥን ዕርቅን

ዓቢይ ጾም ዕለት 18 ለካቲት ቅድሚ ምጅማሩ ጉባኤ ጳጳሳት ኮሎምቢያ ሰባት “ሓቀይና ስጉምትታት ምልዋጥ” ክወስዱን፡ “ናብ ዕርክነትን ሕውነትን ክምለሱን ኢድ ንኢድ ክተሓሓዙን ሓድነት ክደልዩን” ዝብል ዕድመ ክርስቶስ ክቕበሉ ተማሕጺኖም፡ በዚ ኣረኣእያ’ዚ ዕርቂ ከም ዘይጭበጥ ረቒቕ ኣምር ዘይኮነስ ጭቡጥ መንገዲ ውልቃውን ማሕበራውን ፈውሲ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም፡ እቶም ጳጳሳት ብወገኖም “ንይቕሬታን ዕርቅን ኣብታ ሃገርን ሰላምን” ኣበርክቶኦም ብቐጻሊ ንምቕራብ ተወፋይነቶም ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ኩሎም ኮሎምብያውያን ድማ “ፍልልያትን ተጻረርቲ መርገጺታትን ዘራኽብ ድልድል ክሃንጹ” ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ናይ ኮሎምቢያ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ምስ ካህናት ምቅርራብ

ብተወሳኺ እቶም ጳጳሳት ንካህናት “ኣብ መላእ ሃገራዊ ግዝኣት እታ ሃገር ብምህላዎምን ክቡር ኣገልግሎቶምን” “ንእምነትን ተስፋን ፍቕርን ናይቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ማሕበረሰባት ዘቕርብዎ ኵለ መዳያዊ ደገፍን” ምስጋናኦም ገሊጾም፡ ንህዝበ እግዚኣብሔር ኣገልግሎት ሕንጸትን ምስናይን ካህናት ናይ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕማማት ሓደ እዩ” ብምባል ኣስዒቦም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ኣገልግሎቶም ብሓድሽ ተወፋይነትን ብሓቅን ምእንቲ ኺፍጽሙ፡ ንሓፈሻዊ ሰናይ ሂወቶም ብምሕብሓብ” ውፉያት ክኾኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀጥታዊ ጻውዒት ናብ ኣባላት ሕብረተሰብ

ጳጳሳት ኮሎምቢያ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ፍጻመ ሰነድ፡ ንኮሎምብያውያን “ሃነጽቲ ሰላምን መሰኻኽር ተስፋን ክኾኑ” ተማሕጺኖም፡ ንህጻናትን መንእሰያትን በጽሕታትን ምስቲ ከምቲ ዘፍቅሮም ብምፍቃርን ንፍጥረት ብምሕላይን ዝምነይዋ ሃገር ብምህናጽ ሕጉሳት ክኾኑ ዘኽእሎም ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርክነት ከማዕብሉ ተላብዮም፡ ነተን “መሰረታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ክቡር ማሕበራዊ ባህርያት” ተባሂለን ዝግለጻ ኣባይቲ ስድራ፡ ህይወት ምፍቃርን ምግልጋልን ክይደኽማ ተማሕጺኖም፡ ንመንግስታዊ ትካላት ድማ ቀጻሊ ምድንፋዕ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ምፍጻም ዜግነታዊ ግቡኣት፡ ከምኡ’ውን ምድልዳል ዲሞክራስን ንዕኡ ዝድግፉ ትካላትን ኣተባቢዖም፡ ብተወሳኺ መንግስቲ “ዕርቂ ብኣድማዒ መንገዲ ንምስፋሕን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ሱር በተኻዊ ምብትታን ንምስጋርን ምስ ኩሉ ዘተ ከሐይል” ተማሕጺኖም፡ ናይቲ ዝመጽእ መደብ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቶም ልዑል ህዝባዊ ስልጣን ክረኽቡ ዝምነዩ ሰባት፡ ናብ ሓቀይና ሃገራዊ ምዕባለ፡ ዕርቅን ሰላምን ናብ ዝወስድ “ካብ ናይ ዓመጽይና ቃላት ክቑጠቡ፡ ሓቀይና መንገድታት ከቕርቡን” ጻውዒት ብምቕራብ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ መራሕቲ ንግድ ተሳትፎ ሕብረተሰብን ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብትን ከስፍሑ፣ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ስርሖም ብሓላፍነት ክፍጽሙ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተሳትፎ መረጽቲ

ኣብ መወዳእታ፡ ጳጳሳት ኮሎምብያ፡ ኩሎም ዜጋታት “ብምሉእ ናጽነትን ብሕልናን፡ ብዘይ ምግበረ ብልሽውና” ናይ ምድማጽ መሰሎም ተጠቒሞም፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ባይቶ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ብንጥፈትን ብሰላምን ክሳተፉ ዓዲሞም፡

ብዕድመ ሰበስልጣን ኮሎምብያ፡ ንኽልቲኡ ናይ ሓጋጊ ላዕለዋይ ቤት ምኽርን ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫን ከይድታቱ ዝከታተል ተልእኾ ተዓዛቢ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ (EOM) ክዋፈር ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኢስተባን ጎንዛለዝ ፖንስ ዋና ተዓዛቢ ክኾኑ ድማ ከም እተመዙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

16 Feb 2026, 15:33