ጳጳሳት ህንዲ ምስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘይቃዶ ሕጊ ክስረዝ ጻውዒት የቕርቡ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 10 ለካቲት ኣብ ቤንጋሉሩ ኣብ ዝተዛዘመ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ (CBCI ) ምስ ሃይማኖታዊ ናጽነትን መሰል ብሕትውነት ዘይቃዶ ሕግታት ክስረዝ ውዕዉዕ ጻውዒት ከም ዘቕረበን፡ እቶም ጳጳሳት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት በስገዳድ ሃይማኖት ምቕያር ብዝብል መሰረት ዘይብሉ ክሲ ይእሰሩ ከምዘለዉን በዚ ምኽንያት ድማ ወሳኒ ስጉምቲ ከም ዘድሊ ከም ዝሓተቱን፡ ዓንቀጽ 25 ናይ ሃገሮም ቅዋም ጥቒሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ኩሎም ውልቀሰባት ማዕረ ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖትን ናጽነት፡ እምነት ኣብ ህይወት ምንባርን ሃይማኖት ናይ ምጉስጓስን መሰል ከም ዘለዎምን' የረጋግጽ - ቢሎም - ብተወሳኺ "ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይቀጥታዊ መልክዕ ዝቕጽል ዘሎ ኣድልዎ ኮኒኖም፡ ብዙሕ ጻውዒታት ማዕርነትን ፍትሕን እንተሃለወ" ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ዳሊት እዚ መሰል እዚ ተነፊግዎም ይርከብ" ብሓፈሻ ናይ ውሑዳን መሰል ዘይምሕላው "ንደሞክራስያዊ ኣካላት ሕብረተሰብ ዘዳኽም እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዕሽሽ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ "ኣብቲ ሃገርና ንኹሎም ዜጋታታ 'ፍትሒ፡ ሓርነት፡ ማዕርነትን ሕውነትን' ዘረጋግጽ 'ልኡላዊት ደሞክራስያዊት፡ ሃይማኖት ማእከል ዘይገበረ ስርዓትን ሶሻሊስታዊት ሪፓብሊካዊት እያ” ቢሉ ኣብ ዝገልጻ ቅዋም ህንዲ ዘሎና እምነት ደጊምና ነረጋግጽ” ከም ዝበሉ የመላኽት።
"ዓሌት፡ እምነት ወይ ቋንቋ ብዘየገድስ ንኹሎም ውልቀሰባት መሰረታዊ መሰላት ምሕላው ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ። ናይቲ ምሉእ ህይወቱ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ኮይና ዝስምዖም፡ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ደርብታት ዘይብላ ህንዲ ንምህናጽ ዝተወፈየ ዓቢ ኣብነት ማሃትማ ጋንዲ ንዝክር።" ካብዚ ብምብጋስ፡ "ዝኾነ ዜጋ መሰረታዊ መሰላት ማዕርነትን ናጽነትን ከይኽልከል" ናብ መንግስቲ ሃገረ ህንዲ ጻውዒት ነቕርብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላክት።
ሓድሽ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ ካብ ዓሌት ዳሊት ካርዲናል ፑላ
ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ንካርዲናል ኣንቶኒ ፑላ ሊቀ ጳጳሳት ሃይደርኣባድ ኣቦ መንበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ህንዲ ንኽኾኑ ከም ዝሓረዮምን እዚ ሕርየት ካብ ዓሌት ዳሊት ዝመጹ ናይ መጀመሪያ ካርዲናል ፑላ፡ ናይ ህንዲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤን ንሃገር ኤስያን ካልእ ምዕራፍ ዝውክል እዩ። "ኣብዚ ብፍልልይን ዓመጽን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብማሕበራዊ ወጥሪን ዝልለይ ዘመን፡ ቤተክርስትያን ምልክት ዕርቅን ዘተን ተስፋን ክትከውን ትጸዋዕ" እንክብሉ ካርዲናል ኣንቶኒ ፑላ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ስለዚ "ኣብ ቤተ ክርስቲያን መሪሕነት ኣብ ምስማዕን ጸሎትን ሓባራዊ መመያን ዝተሰረተ ኣገልግሎት ምዃኑ እናፈለጥኩ ነቲ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ብትሕትና እየ ዝቕበሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።
ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የለን
ምስ ሕርየት ካርዲናል ፑላ፡ ጳጳስት ህንዲ፡ ህንዲ ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጦም ስነ-መጐት ቀቢላውነት ዝዓቖሩ ንጹርን ትንቢታውን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን፡ "ዳሊትን ቀቢላታትን" እንክብሉ ናይ ሰበኻ በርሃምፑር ጳጳስ ሳራት ቻንድራ ናያክ፡ ኣብ ናይ ሕንዲ ጉባኤ ጳጳሳት ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ቀቢላታትን ዝተነጸሉን ድሑራትን ደርብታትን ኣቦ መንበር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ " ኣብ ቤተክርስትያን ካብ ኩሉ ደረጃታት ህብረተሰብ ዝመጹ መራሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣምላኽ ወገናውነት ቀቢላውነትን የሎን። እቲ. ሲኖዳዊ መንፈስን መመያን ንካርዲናል ፑላን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካብ ተረፍ መረፍ ናይ ቀቢላውነት ኣተሓሳስባ ሓራ ወጺኦም መሰረታዊ ማዕርነት ኩሎም ዝተጠመቑ ክቕበሉን ምሉእነት ናይቲ ክርስቶስ ዝተመባጽዖ ሓጎስ ከስተማቕሩ ክሕግዞም ይግባእ” ከም ዝበሉ ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳስት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቶም ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ካርዲናል ኣንቶንይ ፑላ ድሕሪ ምምራጾም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣሕዋተይ ጳጳሳት ኣብ ልዕለይ ንዘርኣይዎ እምነት ንእግዚኣብሔር አመስግን፡ ንነፍሲ ወከፍ ጳጳሳት ስለቲ እዚ ሓድሽን ኣገዳስን ተራ ንዘሕደሩለይ እምነትን ንዘርኣይዎ መንፈስ ሓድነትን ምስጋይ አቕርብ፡ "ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ስለቲ ጸሎቶምን ሰናይ ድሌቶምን ኣብ መሪሕነተይ ዘለዎም እምነትን አመስግኖም" ከም ዝበሉ የመላኽት።
ሓድሽ ሕታም መጽሓፈ ቕዳሴ ብቋንቋ ኮንካኒ
ጉባኤ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ነበርቲ ጎዋ ብሰፊሑ ዝዝረብ ቋንቋ ኮንካኒ፡ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ሓድሽ ሕታም ሚሳል ብቋንቋ ኮንካኒ ብወግዒ ንምቕራብ እውን መደባት ተዳልዩ ከምዘሎን፡ እቲ መጽሓፍ ቅዳሴ ፍረ ናይቲ ብናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት ዝተበገሰ ናይ 16 ዓመታት ዕዮ እዩ፡ እዚ ድማ ምእመናን ኣብ ቅድሳሴ ሱታፌኦም ንምድልዳል፣ ብቋንቋ ዓደቦኦም ኣብ ስርዓተ ቅዳሴን ቅዱስ ቁርባን ብዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ክሳተፉ ዘኽእሎም ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ዝተወከሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።