ቤተክርስትያን ታይላንድ ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ስነ-ምግባራዊ መምርሒ ክግበር ተማሕጺና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መጀመርታ እዛ ዓመት እዚኣ ኣብ ሰሜናዊ ታይላንድ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዶብ ላኦስ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ናኮን ፋኖም ናይ 2026 ዓመታዊ ዞባዊ ሰሚናር ኣካይዳ።
ኣብቲ ኣኼባ ዳርጋ 200 ዝዀኑ ኻህናትን ሓሙሽተ ጳጳሳትን ካብ ጐረቤት ሃገር ላኦስ ዝመጹ ሓያሎ ልኡኻትን እተረኽቡሉ ጉባኤ ኢዩ ዝንበረ።
ንካህናት ብዛዕባ ሓደስቲ ምእባሌታት እዋናዊ ሓበሬታ ምሃብ
እቲ ሰሚናር ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሰነድ ቅድስቲ መንበር “ጥንታውን ሓዲስን” (Antiqua et Nova) ዘርእስቱ ብዛዕባ ርክብ ኣብ መንጎ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ሰብኣዊ ኣስተውዕሎትን ዝገልጽ ምርኩስ ብምግባር እተኻየደ ኢዩ ዝንበረ።
እቲ ቀንዲ ኣቕራቢ መደረ እቲ ጉባኤ ዝኹኑ ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ታይላን ክቡር ኣባ ጆሴፍ ኣኑቻ ቻያደጅ፣ ንካህናትን ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጉስነትን ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን፣ ብዛዕባ እዞም ሓደስቲ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለታት ዘለዋ ኣመለኻኽታ ገሊጾም።
ሓደስቲ ዲጂታላዊ መሳርሒታት
ክቡር ኣባ ጆሴፍ ኣብቲ ዘካፈልዎ ቀንዲ መደረ ብዛዕባ ባህርያትን ደረትን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣስተንቲኖም።
"ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ሓቀይና ንቕሓተ ሕልና ወይ ርድኢት የብሉን። ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት 'ኣካልነት ዘለዎ' ዘይኰነስ ሓደ 'ነገር' እዩ። ሕልናን ህይወትን የብሉን" ድማ በሉ።
ነቲ ኣብ ሰነድ “ጥንታውን ሓዲስን” (Antiqua et Nova) ዝቐረበ ሓሳባት ምርኩስ ብምግባር፣ ነቲ ሰነድ "ነቶም እምነት ከመሓላልፉ ሕድሪ እተዋህቦም" ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ሃዋህው ዝሰርሑ ካህናትን ጓሶት ነፍሳትን ከም "ስነ-ምግባራዊ ኮምፓስ" ምዃኑ ብምግላጽ ኣቕረብዎ።
ነቶም ተሳተፍቲ ድማ "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንታሪኽኩም ክጽሕፍ ኣይተፍቅዱሉ። ንቴክኖሎጂ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ደቂ ሰባት ተጠቐሙሉ" ክብሉ ድማ ተላበዉ።
ክቡር ኣባ ጆሴፍ ኣስዒቦም፣ ነቲ ኣብ መንጎ "ጸብጻባትን ጥበብን ዘሎ ቐጻሊ ውጥረት" ክብሉ ዝገለጽዎ ቅዉም ሓሳብ እውን ኣዕሚቆም ገለጹ። ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብቲ ዘሎ ሓበሬታ ተመርኲሱ "ብምግምጋምን ግምታት ብምሃብን" ብሉጽ እኳ እንተ ዀነ፣ ሰብኣዊ ፍቕርን ናጽነትን ምስትውዓልን ግን "ክግለጽ ዘይከኣል ቅድስና" ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ምብልሻው ሓቂ፣ ናይ ፈጠራታት ወረ፣ ከምኡውን ነቲ ኣፍራ ዝኾነ ነገራት ንጻርዮ
ክቡር ኣባ ዮሴፍ ከም ዝገለጽዎ፣ ናብ ዝያዳ ኸቢድ ዝኾነ ጕዳያት ምልስ ብምባል ከአ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ዘሎ "ምብልሻው ሓቂ" ተዛረቡ። ካብ ግጉይ ሓበሬታ ሓሊፉ ብዛዕባ እቲ ንህዝባዊ ሓበሬታ ዝጠዋውዮን፣ ንኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝቆጻጸን ዓሚቝ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣጠንቀቑ።
እቲ ሰነድ ቅድስቲ ምንበር ከምዚ ይብል፦ "ዓሚቝ ሓሶት ዜስዕቦ ሓደጋ ብፍላይ ንኻልኦት ንምጥቃዕ ወይ ንምጕዳእ ኪጥቀሙሉ ኸለዉ ንጹር እዩ። እቲ ስእልታት ወይ ቪድዮታት ንባዕሉ ሰብ ዝሰርሖ እኳ እንተ ዀነ፣ እቲ ዜስዕቦ ጕድኣት ግን ሓቀይና ኢዩ፣ እዚ ኸኣ 'ኣብ ኣልባብ እቶም ዚሳቐዩ ዓሚቝ በሰላ' ከምኡውን 'ኣብ ሰብኣዊ ክብሮም ከቢድ ቝስሊ' እዩ ዝገድፍ።"
ኣብቲ ካብ ቅድስቲ ምንበር ዝወጸ ሰነብድ፣ ማለት “ናብ ኣማናዊ ህላዌ፡ ጉስነታዊ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ተጸምዶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን” (Towards Full Presence A Pastoral Reflection on Engagement with Social Media) ዝተሰምየ ሰነድ፣ "ሳዕቤን እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውልቃዊ ውጽኢት፣ ብግዲ ንሓሳባትና ዘረጋግጽ ንእምነትና ዘደልድል በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ግሉል ቦታ ዝመርሓና ከፊላዊ ሓበሬታ ምቅላዕ ግዲ ኢዩ" ይብል።
ክቡር ኣባ ጆሴፍ ነቲ ናይ ሓሶት ትሕዝቶ ካብ ሓቀኛ ሓበሬታ ምፍላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ኣጠንቀቑ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናይ ሓቀይና ዘተ እምነት ንምፍጣርን መሰረታዊ ምትእምማንን ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።
ሓላፍነት ዝስምዖ ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት
ነዚ ብድሆታት እዚ ምላሽ ክህብ ክህቡሉ እንከለዉ፣ ክቡር ኣባ ጆሴፍ፣ ካህናትን ተቕዋማት ቤተ-ክርስትያንን በቲ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝግበር ዓለምለኻዊ ዘተ እውን ጐሊሑ ዘሎ፣ ብግሉጽነት ዝግበር ምትሕብባር ከምኡውን ተሓታትነት ንመሰረታዊ ስርዓታቱ ክምርሕዎ ድማ ኣተባብዑ።
ሰነድ “ጥንታውን ሓዲስን”፣ ነቲ ርእሰ ሊአነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘስተምሃርዎ ትምህርቲ "ሰብኣዊ ሓላፍነትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሕልናን ምስቲ እዚ ተክኖሎጂ ዘምጽኦ ተኽእሎ ዝመጣጠን ዕቤት ኣድላዪ ምዃኑ" ዘጕልሕ ምዃኑ እውን ገለጹ።
እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ንሓዋርያዊ ጕስነትን ትውፊትን፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝካየድ ተልእኾ ወንጌላውነትን፣ ንትካላውን ኣከያይዳ ውሳነ ምግባርን ንጹር ሓበሬታ ክወሃብ ከም ዘለዎ ድማ ገለጹ።
ነቲ "ሳጹን ዕድል" ምኽፋት
ኣብ መደምደምታ መደረኦም ክቡር ኣባ ጆሴፍ፣ ኣብ መስርሓት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓቢ ማሕበራዊ ጽልዋ ኣብ ዘለዎ ቦታታት ግልጽነት ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ግልጽነት ከም "ሳጹን ዕድላት ንምኽፋት" ዚግበር ጻዕሪ ምዃኑ እውን ገሊጾም ይርከቡ፣ እዚ ኸኣ ስርዓት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ውሳነታትን ምኽርታትን ዜምጽኣሉ ስዉርን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይንጹርን መስርሕ ብምዃኑ ኢዩ።
ግሉጽነት ማለት ብፍላይ ኣብ ከም ትምህርትን ምምሕዳርን መራኸቢታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝኣመሰለ "ልዑል ጽልዋ ዘለዎ ቦታታት" ኣድላዪ ምዃኑ ኣመልከቱ።
ተክኖሎጂ ብግልጽነትን ብስነ-ምግባራዊ ምቍጽጽርን ሰብኣዊ መርሒነት ጥራይ እዩ፣ ንኽብሪ ደቂ ሰባትን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ብሓቂ ኼገልግል ዝኽእል።
ኣብ ሰሜናዊ ታይላንድ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ከም ዞባዊ ሰሚናራት ዝኣመሰለ ተበግሶታት ኣቢላ፣ ኣብ ሓላፍነትን ጥበብን ተኣማንነትን ወንጌል እተመስረተ ወሳኒ እምነት ዘለዎ ተሳትፎ ኣአስተንትኖኣ ክትቅጽል ተላበው።