ድለ

2026.02.06 ካርዲናል ፒዛባላ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ምትእምማን ዳግማይ ንምህናጽ 'ጭቡጥ ተግባራት' የድሊ 2026.02.06 ካርዲናል ፒዛባላ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ምትእምማን ዳግማይ ንምህናጽ 'ጭቡጥ ተግባራት' የድሊ  

ካርዲናል ፒዛባላ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ምትእምማን ዳግማይ ንምህናጽ 'ጭቡጥ ተግባራት' የድሊ

ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒዛባላ ምስ ናይ ኢጣሊያ መራኸቢ ቡዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ዕለት 7 ጥቅምቲ ፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ከምኡ እውን እቲ ብርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቖመ ‘ሽማግለ ሰላም’፡ ፍታሕ ክልተ ሃገራትን፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኩነታት ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰፊሕ መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብሃገራዊ ሽማግለ ንመበል 800 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስፍ ራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ሪፓ ዓርቢ 6 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ኣብ ዘዳለዎ መደብ ከም እተሳተፉን ድሕሪ እዚ መደብ እዚ ምስ ናይ ኢጣሊያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ቁስሊ ገና ዓሚቕ' ከም ዝኾነን፡ ሰባት ኣንፈቶም ስሒቶም፡ ድኹም መሪሕነት እውን ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ ንጹር ራእይ መጻኢ የለን፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ እቲ ካልእ ክሰምዑ ኣይደልዩን: እቲ ዝምድና ተበታቲኑ: እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ፡ እቲ ዝተበትከ ዝምድና ምዕራይ ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ኣለዎ።”

ዕለት 7 ጥቅምቲን ኲናት ቓዛን፡ “ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍጻመታት”

ዕለት 7 ጥቅምትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዝተራእየ ኲናትን “ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍጻመታት እዩ ነይሩ፡ ንሕና ባዕልና ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓማስ ዘስዓቦ ሓደጋ ብኡንብኡን ብድሕሪኡ ድማ ምስ ግብረ መልሲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ተተሓሒዙ እንታይ ዓይነት ኵነታት ባራዕ ከምዝቐረበን ግምት ኣይነበረናን። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ብዙሓት ካልኦት ሕነ ምፍዳይ ክህሉ'ዩ ዝብል ግምት እዩ ዝነበረና፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኩሎም እንፈልጦም መለክዒታት ፈሺሎምን እቲ ዘሎ ንርእዮ ዘሎና እዩ ዘጋጠመ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጥርጣረታት ብዛዕባ 'ሽማግለ ሰላም'

ፓትርያርክ ፒዛባላ ብዛዕባ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዘቖሞ ‘ሽማግለ ሰላም’ ዝምልከት ንዝቐርበሎም ሕቶ፡ ንህዝቢ ፍልስጤምን መሰላቱን ሓቀይና ኣፍልጦ ከይሃበ፡ ብቐንዱ ንረብሓ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ንምሕላው ዝዓለመ ይመስል እንክብሉ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣድላይነት ጭቡጥ ተግባራት

"ሰላምን ዕርቅን ባህ ዘብል ሓሳባት ኢዩ እንተዀነ ግን ሎሚ ብጭቡጥ ስጕምትታትን ንጥፈታትን ምስክርነታትን እንተ ዘይተሰነዩ ጭርሖታት ጥራይ ኮይኖም እዮም ዝተርፉ፡ ብቐሊሉ ወይ ብኡንብኡ ኣይክኸውንን ኢዩ፡ እንተዀነ ግን "ብቐዳምነት ንሰባት በብቝሩብ እተፈልየ ኣተሓሳስባ ንኽህልዎም ዝሕግዝ ባህላውን ማሕበራውን ሃዋህው ንምፍጣር ኣጋጣሚታት ክህሉ ኣለዎ፡ ቃላት ንበይኑ እኹል ኣይኰነን።

"ፖለቲካዊ መሪሕነት የድልየና እዩ፡ እንተዀነ ግን ብኽልቲኡ ወገን እተወሰነ ራእይ ዘለዎምን ስልጣኖም ኣብ ቍጥዓን ጽምኢ ሕነ ንምፍዳይ ዘየሞርኩዙ የድልዩና፡ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ከምኡ።” እዚ ድማ ግዜ ዝወስድ መስርሕ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ "ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ ህልው ኩነታት ንሓማስ ይኹን ንኣኽረርቲ ሰፋሮ ክግደፍ የብሉን፡ ብምትእምማን ኣጽኒዕና ክንጓዓዝ እዩ ዘሎና። ንዓና ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ከኣ ኣብዚ ደረጃ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኣብኡ ምዃንን ንገዛእ ርእስና እሙናት ምዃንን እዩ፡ "ቅድስቲ መሬት ውሑዳት ምዃን ዘሕዝን ነገር ከም ዘይኰነ ትምህረና። ንሕና እውን ነዚ ንምስክር። "እምነት ኣብዚ ህሞት እዚ እንታይ ይሕብረናን ይነግረናን ከም ዘሎ ምእንቲ ክንርዳእ፡ ከመይ ጌርና ኸም እንሰምዕ ክንፈልጥ ኣሎና፦ ህይወተይ ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን እያ፣ ስለዚ በጃ እቶም ኣብ ቓዛ እተታሕዙ ጅሆታት ርእሰይ ከቕርብ ፍቓደይና  እንተኾይነ እንተዝሕተት፡ እወ ቢለ ክምስል ባህርያዊ እዩ ዝኸውን። ክርስትያን ምልክት ሓድነት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ "ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብክርስቶስ ስለ እተተንከፈ ንዅላቶም ምልክት ዝኾኖ" እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ "በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ምስክርነቱ ሰገር ዘመናት ኮይኑ ሎሚ እውን ዚዛረበና ዘሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘካየድዎ ኣርባዕተ ምብጻሕ

ካርዲናል ፒዛባላ እቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ድሕሪ ኲናት ኣርባዕተ ግዜ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፡ "ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ ግንቦት 2024 ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ቦታታት ከለለዩ ከም ዘሸገሮም፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝነበረ ዝሰንበደ ህዝቢ፡ ስምዒት ናይቶም ህጻናት ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፡" እቲ ካልኣይ ምብጻሕ፡ “ቅድሚ በዓለ ልደት 2025 ዓ.ም. ነዊሕ ከይጸንሐ ዘካየድዎ ከም ዝነበረ ድማ ዘኪሮም፡ ድኻምን ጥሜትን ምምዝባልን ከም ዘጋጠመን ኣባይቲ ተቐማጦን ትሕተ ቅርጽን ኣባይቲ ሕክምና ብጠቕላላ እውን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከም ዝገበረ ብቐረባ ከም እተዓዘቡ ገሊጾም፡ ወርሒ ሓምለ 2025 "እቲ ዝኸበደ ህሞት እዩ ነይሩ። ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ካብ ዝተዓቖቡ 3 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ከተማ ቓዛ መጥቃዕቲ ንኸካይድ ኣብ ዝዳልወሉ ዝነበረ እዋንን ዘካየድዎ ምብጻሕ እውን ዘኪሮም፡ በቲ ዝወረዶ ሞትን ዕንወትን ኣዚና ኢና ሰንቢድና፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “እቲ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዘካየድዎ፡ “ህይወት ዳግማይ ንምጅማር ዘሎ ድልየት ክርእዩ ከም ዝገበሮምን፤ ምስ ኩሉ ዘጋጠመ ስቓይን መከራን ክብሪ ዝመልኦ ገጻት ክርእዩ ከም ዘኽኣሎም ሓቢሮም፡ ካብ ሓገዝ መግቢ ክሳብ ዘድሊ ዝተፈላለየ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ክጅምር ዝተራእየሉ እዋን እውን ምንባሩ የዘኻኽሩ።

ኩነታት ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት

ንክርስትያን ዘጋጥሞም ጸገማት እውን ብዙሕ ምዃኑ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስሚሮም፡ “ኣብ 1990 ኣብ ቅድስቲ መሬት ካብ ዝኣቱ ኣትሒዘ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘለና ህላወ - ማለት ህላወ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዓቢኡ ነክዩ እዩ። እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ጥራይ እንተወሓደ ሚእቲ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ ካብ ቤተልሔም ወጺኦም እዮም። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ድሕሪ ሕጂ እንተወሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ነገራት ክቕየር ከም ዘይክእል ዝኣምኑ ምዃኖም እዩ። ኩሉ ሰብ ኣብኡ ክነብርን ክንሰርሕ ዝከኣለና ኩሉ ንገብር ኣሎና፡ ነገራት ኣይቅየርን እዩ ቢሎም ዝኣምኑ ክንፈርዶም ኣይንኽእልን። ምኽንያት ኣብኡ ንኽትጸንሕ ምምራጽ ትብዓት ስለ ዝሓትት።"

ኣብ ቅድስቲ ስድራ ቤተ ክርስቲያን “ክንገር ዘይክእል ቃንዛ ኣጋጢምዎም እዩ፤ ኩሉ ኣገዳስነታት እዅል ኣይነበረን። ልዕሊ ዅሉ ድማ-ኪኖ ንዋታዊ ነገራት ከም መግቢ፡ ማይን መድሃኒትን-ሓልዮት፡ ርህራሄ ኣድላይነታት ነይሩ፡ እዚ ድማ ኣብ ቅርበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ዝረኸብዎ እዩ።”

ብጀካ እዚ ኩሉ ጉዳያት፡ ብሰንኪ ሰፋሮ እስራኤል፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እውን ኣጸጋሚ ኩነታት ኣሎ። ኣብታ እንኮ ክርስትያናዊት ቁሸት ታይበህ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጥራይ ብሰፋሮ ሓድሽ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ብሓፈሻ፡ ኣስላም ይኹን ክርስትያን፡ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ኣሎ፡ ሰባት ከይሰርሑ ይኽልከሉ፡ መሬቶም ይሕረሙ፡ ዕጥቃዊ መጥቃዕትን ብኻል እተፈላለየ. መገዲ መጥቓትን ዕንወትን ይፍጸሙ፡ ኣባይቶም ይዓንዉ፡ ይሕደጉ" እክብሉ ኣብሪሆም፡ "ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከባ 13 ኣብያተ ትምህርትና፡ ብፍላይ ካብ ቤተልሄም ንዝመጹ መምህራን ናይ መእትዊ ፍቓድ ብቐጻሊ ጸገማት የጋጥም። ከምኡ'ውን ብጽኑዕ ክፍለጠ ዘለዎ ጒዳይ ሰብኣዊ መሰላንትን መሰል ስራሕን ምንቅስቓስን ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ናይ ክልተ ሃገራት መፍትሒ

እቶም ካርዲናል ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ምሕሳብን ምትግባርን ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ምዃኑ’ውን ኣስሚሮም፣ ይኹን እምበር “ብቐጻልነት ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ "ፍልስጤማውያን ከም ህዝቢ ክስምዖምን መንግስቲ ክህልዎምን መሰል ኣለዎም። ነዚ ተኽእሎ ምርግጋጽ እውን ናይ ፍትሒ ተግባር እዩ፤ ሓደ መዓልቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ገዛ ክህልዎም ዝብል ሕልሚ ንኽቕጽሉ ይሕግዞም" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ንነጋድያን ዝቐርብ ጻውዒት

ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ፒዛባላ፡ ናብ ቅድስቲ መሬት ነጋድያን ክምለሱ ጻውዒት ኣቕሪቦም። “ነጋድያንን በጻሕቲ ናብ ቅድስቲ መሬት ክበጽሑን ክነግዱን ግዜኡ'ዩ። ህጹጽ ኩነታት ይኣክል፤ ናይ ትብዓት ግዜ እዩ። ሓደ ሰብ ናብ ቅድስቲ መሬት ክመጽእ ይኽእል'ዩ፡ ኣብ ቤተልሔምን ኢየሩሳሌምን ርጉእ ኩነታት ኣሎ" እንክብሉ ኣጽኒዖም ብምሕባር፡ “ቤተክርስትያንን ማሕበረሰብ ክርስትያንን ከምዘለዉ ክንርኢ ኣሎና፣ ብኣካል እውን ከም ዘለዉ ክንርኢ ኣሎና። ንፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ብማዕረ ንሕና’ውን ኣብዛ መሬት እዚኣ ኣሎና፣ ንሕና’ውን ሱርና ኣብዚ እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

09 Feb 2026, 15:42