ድለ

ካርዲናል ꬓን ፓውል ቬስኮ ካርዲናል ꬓን ፓውል ቬስኮ 

ካርዲናል ቬስኮ፦ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኣልጄሪያ 'ጽቡቕ ምልክት ክፉትነት' ኢዩ

ሊቀ ጳጳሳት ኣልጀርስ ካርዲናል ዣን ፖውል ቬስኮ ወግዓዊ ሓበሬታ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሃገረ ኣልጀርያ ምስ ወጸ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ መሕትት እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2021 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ሊቀ ጳጳሳት ኣልጀርስ ኰይኖም እተሾሙ ካርዲናል ዣን ፖል ቬስኮ፡ ጳጳስ ሰበኻ ኦራን ኰይኖም ንትሽዓተ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሎም፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብርዎ ቀዳማይ ጕዕዞኦም፡ ብዕለት 13 ሚያዝያ ናብ ኣልጀርያ ክቕበልዎም ኢዮም።

ካብ ማኅበር ዶመኒካውያን ዝኾኑ ካርዲናል ቬስኮ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ናብታ ንነዊሕ እዋን ዝተሳቐየት ሃገር ዝግበር ምብጻሕ፡ ዓቢይ ሓጐስ ከም ዝኾነ ኣስተንቲኖም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሰር ቅዱስ ኣጐስጢኖስን፡ ሰማእታት ኣልጀርያን፡ ፒየር ክላቬሪን፡ መነኰሳን ቲብሃሪንን ክጐዓዙ ስለዝኾኑ፡ እዚ ዓብዪ ምሳልያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምብጻሕ ኢዩ ክብሉውን ገሊጾም።

 

ዜና ቫቲካን፦ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ እንታይ ምላሽ ትህቡ?

ካርዲናል ዣን-ፖል ቬስኮ፦ እዚ ብተስፋ እንጽበዮ ዝነበርና ዜና እዩ። ንኪበጽሑና ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ኢና እንምነዮ ኔርና። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብተደጋጋሚ ዓዲምናዮም ኔርና፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድማ ንዕድመና ብኡንብኡ ተቐበልዎ። እዚ ዜሐጕስ ዜና እዚ ሓደ ካብቲ ናይ መጀመርታ ጕዕዞኦም ምዃኑ እዩ። ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዞም ኣብ መደባቶም  ኣእትዮሞ ነይሮም።

እዚ ምብጻሕ፡ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ሰበ-ስልጣንን፡ ነፍስ ወከፍ ሰብን ኣዝዩ ዘደንቕ ምልክት ግሉጽነት ኢዩ ዝመስለኒ። እዚ ድማ የድልየና እዩ። ድሕሪ ምብጻሕ እስላማዊት ሃገር ቱርኪን፡ እስላም ዝበዝሕዋ ሃገረ ሊባኖስን፡ ሳልሰይቲ ሃገር ኣልጀርያ ትኸውን ኣላ።

እዚ ከኣ ብዛዕባ ዘመን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ገለ ነገር ይነግረና ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን፡ ኵሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ብሓቂ ኣሰሮም ከም ዝስዕቡ የርኢ። ብዛዕባ ቤተክርስትያን ከኣ ባህ ዜብል መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ። ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይን እውን ከምኡ ጽቡቕ መልእኽቲ ኢዩ ዝህብ።

ሕቶ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝተተሓሓዘ ቦታታት ክበጽሑ ስለ ዝኾኑ ምስዚ ጕዕዞ እዚ ሓያል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣሎ።

መልሲ፦ ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ብዙሕ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ክኸውን እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እዚ ቐሊል ጕዕዞ እዩ - ኣመንቲ ክርስትና ውሑዳት እኳ እንተኾኑ፡ ቅዱስነቶም ግን ኣሰር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኪጐዓዙ ኢዮም። ኣቀዲሞም ላዕለዋይ ሓለቃ ማኅበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እንከለዉ፡ ክልተ ጊዜ መጺኦም ነይሮም፣ ሕጂ ግን ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ይበጽሑና ኣለዉ።

ብ430 ዓመተ ምሕረት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ሓሚሙ ኣብ ኣፍ ሞት እንከሎ፡ እቶም ናይ ሽዑ ወረርቲ ከኣ ክወርዋ ኣብ ኣፍ ደጌታት በጺሖም። ድሕሪ 16 ዘመን ሓደ ብመንፈስ ቅዱስ ኣጐስጢስኖ ዝጐዓዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብዛ ሎሚ ኣናባ እትበሃል ከተማ ሂፖ ከም ዚመጽእ መን ኪሓስብ ይኽእል? ኣብ ነዊሕ እዋን እውን እንተ ዀነ ዜደንቕ ምንጪ ተስፋ እዩ።

ካብኡ እቶም 19 ብፁዓን ናይ ኣልጀርያ እውን ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከኣ ኣብቲ ንዝኽሮም ዝግበር በዓል ኢዮም ተመሪጾም። ኣብ ኣልጀርያ ንጽበዮም ከም ዘለና ክረግሮም እንከለኹ ነዚ ሓቢረዮም ኢየ። ብርግጽ ንዕኦም ትርጕም ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ንመነኰሳን ቲብሂሪንን፡ ክርስትያን ደ ቸርጌንን፡ እዚ ኵሉ ትርጕም ኣለዎ።

ኣብቲ ብዕለት 1 ጥሪ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቶም፡ ናይቲ ኣቐዲሙ ሓለቃ መነኰሳን ቲብሂሪን ዝነበረ ክርስትያን ደ ቸርጌ "ጐይታይ፡ ዕጥቑ ኣውርደሉ፣ ዕጥቐይ ኣውርደለይ፣ ዕጥቕና ኣውርደልና" ዚብል ሓረግ ጠቒሶም ኣለዉ። እታ ንሶም ዝደገምዋ ሓረግ እዚኣ ነበረት።

ከምቲ ብፁዕ ጳጳስ ፒየር ክላቨሪ ዝበልዎ ኣልጀርያ ኣብ መስቀላዊ መገዲ ስለ ዘላ እውን ትርጕም ኣለዎ። ኣልጀርያ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ዝራኸቡሉ ቦታ ኢያ ዘላ። ብሓቂ ከኣ ምስቲ ብዙሕ ንስደት ዝርኢ ሕቶታት፡ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኢና ዘለና። ኣብ መንጎ ምዕራባዊ ዓለምን፡ ዓረብ-እስላም ዓለምን ኢና ዘለና። እዚ ናይ መራኸቢ ነጥቢ እዩ። ኣብ ኣፍ ደገ ኣፍሪቃ ኢና ዘለና። እዚ ቀዳማይ ጕዕዞ ናብ ኣፍሪቃ በዚ ምኽፋቱ ከኣ ብጣዕሚ ጽቡቕ ኢዩ።

ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኵለን ክፍሊ-ዓለማት ዝወስድ ኣፍ ደገ ኢዩ። እዚ ኵሉ ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቤተ-ክርስትያን እኖና ቅድስቲ ማርያም ናይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ክርስትያንን ኣዕሩኽቶምን ጉባኤ ክግበር ኢዩ። እቶም ማኅበር ልኡካነ ኣፍሪቃ ካህናትን፡ ደናግልን ካብኡ ኢዮም ተበጊሶም።  ከምኡውን እዚ ቦታ እዚ ወንጌል ናብ ኣፍሪቃ ዝተዘርጋሐሉ መበገሲ ነጥቢ እዩ። ሓደ ካብቲ ወጌል ንከስፋሕፍሕ ዜኽእል ኣፍ ደገታት ውን እዩ ነይሩ። ብዙሕ ዓበይቲ ዘይኮኑ ምልክታት ኪህልዉ ኢዮም፣ ድሕሪኡ ከኣ ሰብኣዊ ዝምድና፡ ሕውነት ኪህሉ እዩ።

ምስ ሕዝቢ ኣልጀርያ፡ ምስ ክርስትያንን እስላምን ተኣሳሲራ ክትነብር ንእትጽዕር ቤተ-ክርስትያንና ኣፍልጦ ዝህብ ምልክት ኢዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ብሕውነት ክዝከር ክነብር ኢዩ ይመስለኒ።

ሕቶ፦ ብዛዕባ ቀጻልነት ምስ ናይ ቀደም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ተዛሪሪብኩም ጸኒሕኩም። ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝቐረበ መስመር ንርኢ ኣሎና። ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ኢና ዘለና፣ እዚ ዞባ እዚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዝነበሮ ንፈልጥ ኢና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ተመሳሳሊ መገዲ ድዮም ዘለዉ?

መልሲ፦ እወ ብርግጽ። ብርግጽ ኣብ ማእከላይ ዞባ ኢና ዘለና። ነዚ መገዲ እዚ ብምዕቆት ብምርኣይ ሓደ ነገር ኪፍጸም ኢዩ። ስልጣነ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ሃብታም ኢዩ። ማእከላይ ባሕሪ፡ ናትና ባሕሪ (Mare Nostrum) ዶብ ኪኸውን ኣይነበሮን።

ሎሚ ግን ዶብ ኢዩ፣ ካብኡ ሓሊፉ መቓብር እውን ኰይኑ ኣሎ። ከምዚ ክኸውን ኣይነበሮን፣ ኣብ መላእ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ፡ ሓደ ዓይነት እንስሳታት፡ ሓደ ዓይነት ኣትክልቲ፡ ሓደ ዓይነት ባህልታት ንርኢ። ብተመሳሳሊ ኣብ እስላም ይኹን፡ ኣብ ክርስትያን ተመሳሳሊ ዓይነት ህቡብ መንፈሳውነት፡ ህቡብ ሃይማኖታዊነት ኣሎ። ሓደ ሰብ ቍሩብ ናብ ሰሜንን፡ ደቡብን፡ ንምብራቕ ወይ ንምዕራብ ምስ ተጓዕዘ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኪሎ ሜተራት ኵሉ ነገር ብቕልጡፍ ተቀያይሩ ይረኽቦ። ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ግን ካብ ባዕሉ ብዅሉ ምሉእ ኢዩ። ምስ ካልኦት ሕዉስን ለዋህን ባህሊ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ዝገብርዎ ምብጻሕ ውን፡ ናብ ሞናኮ ኰይኑ፡ እንደገና ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ክኸውን ኢዩ።

ድሕሪ ኣፍሪቃ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ባርሴሎናን ማድሪድን ኪኸዱ ኢዮም፣ ኣብኡ ድማ ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ክካየድ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብሓቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14: ኣሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ይስዕቡ ኣለዉ።

ሕቶ፦  ኣብ ኣልጀርያ ዘላ ቤተክርስትያን ናይ ሰማእታት ቤተ-ክርስትያን እውን ኢያ። ወንጌል ምስባኽ ቀጻልነት ክህልዎ  ብቘራጽነት ደሞም ናይ ዝኸፈሉ ኢያ።  ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ቦታኡ ኺሕዝ ይኽእል ድዩ?

መልሲ፦ ናይ ሕይወት ዘተ እዩ። ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ የድልየና ኢዩ። ብመሰረቱ እቲ እንጸምኦን፡ ንዓለም ዘድልያን ናይ ሕይወት ዘተ ኢዩ። ሰባት ንሓድሕዶም ከም ዚራኸቡ ዚገልጽ ኢዩ፣ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ተወሳኺ ኢዩ።  ሸኸም እንተ ዀይኑ፡ እቲ ንሕና እንህቦ ኣገዳስነት ጥራይ እዩ ዘለዎ። ሎሚ ቤተ-ክርስትያንና ምስ ህዝብን፡ ምስቶም ኣብ ሽግር ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እተላእከት ሰባትን ክትጸንሕ ስለ ዝደለየት ዋጋ ደም ከፊላ ኢያ።

ሕዝቢ ኣልጀርያ ድማ ሰማእትነት ከፊሎም ኢዮም—ብርግጽ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ጸልማት ጊዜ፡ ምእንቲ ሓርነት ኣብ ዝተገብረ ኲናት ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ሰማእትነት ዝተቀበለ ሕዝቢ ኢዩ፣ እዚ ከኣ ሓቂ ኢዩ። ከምኡውን ጸዋር ሕዝቢ ኢዩ።

ቤተክርስትያንና እውን ከምኡ ኢያ፣ ፈተናታት ሰጊራ፣ ሕጂ ከኣ ጸዋር ኢያ። ብሓቂ ሕይወት 19 ሰባት ሓሊፉ ኢዩ።   እንተዀነ ግን ብፁዕነት ናይዞም 19 ሰባት ምስክርነት ናይታ እምንቲ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያንን፡ በዚ እምነት እዚ ዋጋ ናይ ዝኸፈለትን ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ፡ እዚ ምስክርነት እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ህያው ኰይኑ ዘሎ። ብግዜ ፈተና ብሓንሳብ ንኹን፣ ብሓድነት ንሕበር። እዚ ንጊዜና ዓቢይ ምስክርነት ኢዩ፣ ኣነ ድማ ኣዝየ እየ ዝሕበን።

 

28 Feb 2026, 13:19