መግለጺ ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኩፒች
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳስ ቺካጎ ካርዲናል ብሌዝ ኩፒች ንባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቱን ሚሸል ኣህባይ ገይሩ ምዘቕርብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ዝዘርገሖ “እኵይ ዝኾነ ዓሌተይና ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ” ብወግዒ ይቕረታ ክሓትት ዝጸውዕ መልእኽቲ ከም ዝፈነዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ፈለማ ናይ ምሕደራ ትራምፕ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊት ካሮሊን ሊቪት ነቲ ትራምፕ ዝዘርገሖ ናይ ምስማዐ ርእይት መልእኽቲ ጠበቓ ኮይና ክትከላኸል ከም እተራእየትን ነቲ ትራምፕ ዝፈነዎ ናይ ምስማዐ ርእይተ ዝቃውም ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ‘ናይ ሓሶት ቍጥዐ” ቢላ ከም ዝገለጸቶን፡ ድሒሩ ግን እቲ ጸያፍ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ካብ ዝፍነው ድሕሪ ኣስታት 12 ሰዓታት ከም እተደምሰሰ የመላኽት።
ካርዲናል ኩፒች ኣብቲ ብኣኦም ናይ ዝምራሕ ርእሰ ሰበኻታት ቺካኮ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ንደቂ ሰባት ከም እንስሳታት – ካብ ሰብ ንታሕቲ ገርካ ምቕራብ - ሓድሽ ኣይኮነን” ንሓድሽ ወለዶን ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ስደተይናታት ዘዋርድ እዩ” ቢሎም - እቲ ትራምፕ ዝዘርገሖ ናይ ምስማዐ ርእየት ምስሊ “ኣብ ዋይት ሃውስ - ቤተ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅሉዕ ዓሌትነት ናይ ሕሉፍ ልምዲ ጥራይ ከምዘይኮነ” ዘርኢ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ይቕሬታ ምሕታት
ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ዝፈነዎ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልእኽቱ ድሒሩ ብጌጋ ብሓጋዚኡ ዝተፈነወ ምዃኑ ብምግላጽ ዝኾነኖ እውን እንተኾነ ይቕሬታ ከም ዘይሓትት እዩ ብወግዒ ዘፍለጠ።
ካርዲናል ኩፒች ኣብ መልእኽቶም ርእሰ ብሔር ትራምፕ ብወግዒ ይቕረታ ክሓትት ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ኩፒች፡ "እቲ ርእሰ ብሔር ነቲ ጭካነ ዝመልኦ ዓሌተይና ምስልታት ዝሓዘ መልእኽቲ ደይመደይ ኢሉ ክፍነው ዝገበሮ እንተድኣ ኮይኑ ክእመን እዩ ዘለዎ። ኣብ መጀመርታ ዝፈልጦ ነገር እንተዘይነበረ፡ ሰራሕተይናታቱ ብዛዕባ እቲ ዝተዘርገሐ ጭካነ ዝተመልኦ ዓሌተይና ናይ ምስማዐ ርእይተ መልእኽቲ ዝፈጠሮ ህዝባዊ ቍጥዐ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ፡ ከም ናይ ሓሶት ቁጥዐ ጌሮም ከቕርብዎ ስለምታይ ከም ዘፍቀደ ክገልጽ ይግባእ - ቢሎም - "እቲ ዝተፈነወ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ዘሕደረልና ስንባደ ናይ ሓቂ እዩ። ዘሕደረልና ቍጠዐ እውን ከምኡ እዩ። "ንሃገርን ነቲ ዝተዋረደ ህዝብን ይቕሬታ ካብ ምሕታት ዝሓለፈ ካልእ ቅቡል ክኸውን ዝኽእል ነገር የሎን፡ እዚ ድማ ብቕጽበት ክቐርብ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ርእሰ ሰበኻ ቺካጎ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።