ምብጻሕ ር. ሊ. ጳ. ልዮን 14 ምስ ተኣወጀ ካሜሩን ትጽምብል፦ እቲ ናቶም ምብጻሕ ዓቢይ ቡራኬ ኢዩ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜናን ማሕተምን ቅድስት መንበር ኣብዚ ሰሙን እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2026 ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዓሰርተ መዓልቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ምብጻሕ ንሃገራት ኣልጀርያ፣ ካሜሩን፣ ኣንጎላን፡ ኢኳቶሪያል ጊኒን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።
ሊቀ ጳጳሳት ኣንድሪው ንኬኣ ፉዋንያ ናይ ባሜንዳ ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ልባዊ ሓጐሶምን ህንጡይነቶም ገሊጾም።
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ካሜሩን ከም ዝበጽሑ ሓበሬታ ምስ ተቐበልና ብዓብዪ ሓጐስ ኢና ተቀቢልናዮ። ብቐዳምነት ከም ካቶሊካዊት ክርስትያን፡ ካልኣይ ድማ ከም ሊቀ ጳጳሳት ናይ ባሜንዳ መጠን፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰበኻና ክቕበሎም ስለዝኾንኩ፡ ሳልሳይ ድማ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ካሜሩን እንከለኹ፡ ኣብ ጊዜ መዝነተይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይበጽሑና ስለዘለዉ ብጣዕሚ ሕጉስ ኢየ” ክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ንኬኣ ንዜና ቫቲካን ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ዕርቂ
ሊቀ ጳጳሳት ባመንዳ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ልኡኽ ሰላምን፡ ኣምባሳደር ዕርቅን፡ ሰባኺ ፍትሕን ኰይኖም ይበጽሑና ኣለዉ" ክብሉ ጠቂሶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቀንዲ ቦታታት ካሜሩን ማለት ርእሰ ከተማ ያውንደ፡ ባሜንዳ ከምኡውን ዱዋላ ክበጽሑ ተመዲቡ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ናብ ባሜንዳ ዝግበር ምብጻሕ ኣገዳሲ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዝዛረቡ ወገን ዘጋጠመ ቕልውላው ቀጻሊ ብድሆታት ማለት ቅትለትን፡ ዓመጽን፡ ጭውያን፡ ትምህርቲ ምቍራጽን፡ ምዝንባል ሕዝብን ዝኣመሰለ ብድሆታት እኳ እንተ እንተሎ፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምብጻሕ ግን ከም ብርሃን ሓድነትን፡ ተስፋን፡ ሕውየትን፡ ነባሪ ሰላም ኰይኑ ከም ዜብርህ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዝዛረቡ ወገን ዘሎ ቅልውላው
ተንተንቲ ከም ዝገለጽዎ እቲ ኣብ ካሜሩን ዘሎ ቅልውላው ማለት ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዝዛረቡ ወገን፡ ኣብ መንጎ መንግስትን፡ ተገንጸልቲ ወገናትን ዝኾነ ዝርርብ ከም ዘየለ ይገልጹ።
መንግስቲ ኣብ ፈለማ ኣንጻር ሚሊሽያታት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ዓወት ክረክብ ተስፋ ይገብር እኳ እንተ ነበረ ዓወት ግን ኣይተረኽበን። እተፈላለዩ ንናጽነት ዚድግፉ ሚሊሽያታት፡ ገሊኦም ከኣ ካብቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ፖለቲካውያን መራሕቲ ተፈልዮም ዚዓዩ ብምኽንያት ተግባራቶም ህዝባዊ ደገፍ ስኢኖም ይርከቡ። ኣብ መወዳእታ እቲ ግጭት ኣብ ተራ ሰባት ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዱ፣ ልዕሊ 1,800 ሰባት ሞይቶም 500,000 ዝዀኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ፡ ከም ስደተኛታት ብፍላይ ናብ ናይጀርያ ሃዲሞም ኣለዉ። ሓይልታት መንግስትን፡ ተገንጸልቲ ሚሊሽያታትን ኣብ እተፈጸመ ግፍዕን ገበናትን ኢድ ከም ዘለዎም ውን ተገሊጹ።
በዚ ኸምዚ ከኣ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ከባቢታት ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዝዛረቡ ወገን ብሃንቀውታ ዝመልኡ ሰባት ክረኽቡ ኢዮም። ምብጻሕ ቅዱስነቶም፡ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኢዩ ፣ ናይ ሕዳሴ ስምዒት ድማ ኬለዓዕል ኢዩ ።
ሊቀ ጳጳሳት ንኬኣ ብዛዕባ እቲ ምብጻሕ ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ካሜሩን ብዙሕ ጸገማት ኣጋጢምዋ እዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ከም ልኡኽ ሰላም ኰይኖም ይመጹና ኣለዉ" ብምባል ኣሕጽር ኣቢሎም ገሊጾም። ወሲኾም ድማ፡ "ንኣምላኽን፡ ንቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነመስግኖም፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ንሃገረ ካሜሩን ዘጠቃልል ክኸውን ብምውሳኖም፡ ኵላትና ኣዚና ሕጉሳት ኢና" ክብሉ ሓጐሶም ገሊጾም።