ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሰራልዮን ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክህነት ዝወርድ ዘሎ ገበናት ኰኒኖም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ብመሰረት ትካል ዜና ቫቲካን ፊደስ፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሰራልዮን ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሓደ ካቶሊካዊ ካህን ዝወረደ መጥቃዕቲ መግለጺ ኣውጺኦም።
"ንሕና ካቶሊካውያን ጳጳሳት ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክህነትን፡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዝወርድ ዘሎ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት፡ ከምኡውን ኣብ ሰበኻታትና ዘጋጥም ዘሎ ምዝራፍ ንብረት ቤተክርስትያንን ብትሪ ዅንኖ ኣሎና” ዝበለ እቲ መግለጺ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትን ትካላት ቤተ-ክርስትያን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕትታት ምላሽ ንምሃብ ዝወጸ ኢዩ።
መጥቃዕትታት
ብዕለት 27 ጥሪ 2025 ኣባ ጄምስ ጆሹዋ ጃሙሪ ዝተባህሉ፡ ኣብ ፐንደምቡ ላዕለዋይ ክፋል ባምባራ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቍምስና ፍልሰታ ማርያም ከም ቆመስ ዘገልግሉ፡ መጥቃዕቲ ስለዝወረዶም፡ ኣብ ኢዶምን፡ ርእሶምን፡ ኣብ ክልቲኡ ኣብራኾምን ጕድኣት ወሪድዎም። እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ተኣሲሩ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ይርከብ።
እቶም ጳጳሳት፡ ነቶም ኣብ ከነማ ናይ ፅንሰታ ማርያም ቤተክርስትያን ቆመስ ዝነበሩ፡ ብዕለት 30 ነሓሰ 2025 ምሸት ብጭካነ እተቐትሉ ኣባ ኣጉስቲን ዳውዳ ኣማዱ ውን ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም።
ነቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ነቶም ግዳያት ዓሚቝ ደገፎምን፡ ዘለዎም ሻቕሎትን ገሊጾም። ኣባ ኣማዱ ኣብ መንበሪም እንከለዉ ኢዮም ተቀቲሎም፣ እቲ ፍጻሜ ከኣ ንኵሎም ካቶሊካውያን ምእመናን ሰራልዮን ኣሰምቢዱ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ መርመራታት ድማ፡ ምስ ቅትለት ኣባ ኣማዱ ብእተተሓሓዘ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ተኸሳሲ 350 ዶላር ዝዋግኣ ኮምፒተርን፡ 5,000 ሊዮንስ ናይ ሰራልዮን ብጥረ ገንዘብ ሰሪቑ።
ዘይነቓነቕ ሓድነት
እቶም ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፡ ድሕሪ ቅትለት ኣባ ቺነዱ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ኣባ ጃሚሩ ዝወረደ መጥቃዕትን፡ ኣብ ትካላትን ንብረትን ቤተክርስትያን ዘተኰረ መጥቃዕትታት ዝያዳ ወሲኹ።
እዚ ፍጻመታት እዚ ንማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ንዘለዉ ዝወሃብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣጥፊእዎ።
እቶም ጳጳሳት "ብዕጡቓት ሰረቅቲ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኦም እንከለዉ መጥቃዕቲ ዝወረዶምን፡ ንብረቶም ዝተዘፈ ትካላት ቤተክርስትያንን፡ ቤተ ክህነትን፡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን፡ ምእመናንን ንዘለዎም ዘይነቓነቕ ሓድነት ገሊጾም" ደጊሞም ከኣ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕትታ "ይኣክል" ክብሉ ተማሕጺኖም።
ኣብ መዛዘሚ እቲ መግለጺ ድማ፡ ንሰበ-ስልጣን ሕግን፡ ፖሊስን፡ ተወሳኺ ዓመጽ ንምክልኻልን፡ ድሕንነት ቤተ ክህነትን፡ ማኅበራት ሰብ ውፉይ ሕወትን፡ ትካላት ቤተ-ክርስትያንን ንምርግጋጽን ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስዱ ብጽኑዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም።