ድለ

ካርዲናል ፖሊካርፕ ፔንጎ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ዳረሰላም፡ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም ካርዲናል ፖሊካርፕ ፔንጎ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ዳረሰላም፡ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም 

ካርዲናል ፖሊካርፕ ፔንጎ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ዳረሰላም፡ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም

ናይ ዳረሰላም ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ሓደ ካብቶም ፍሉጣት መራሕቲ ካቶሊክ ታንዛንያን ኣፍሪቃን ካርዲናል ፖሊካርፕ ፔንጎ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድመኦም ከም ዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 19 ለካቲት ካርዲናል ፔንጎ ከም ዝዓረፉ ናይ ዳረሰላም ሊቀ ጳጳሳት ታዴዎስ ሩዋኢቺ ከም ዝሓበሩን፡ ካርዲናል ፐንጎ ኣብ ዳረሰላም ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፍሉይ ናይ ልብን ደምን ቤት ሕክምና ብዝሓደሮም ሕማም ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝዓረፉ ናይ ዳረሰላም ርእሰ ሰበኻታት መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀዳሞት ዓመታትን ክህነቶምን

ሊቀ ጳጳሳት ሩዋኢቺ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ምእመናን ምእንቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ነፍስሄር ካርዲናል ክጽልዩ ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ፔንጎ ድሕሪ እቶም ኣብ 1960 ብር.ሊ.ጳ ዮሓንስ መበል 23 ካርዲናል እተሸሙ ኣብ 1997 ዓ.ም. ዝዓረፉ ካርዲናል ላውረን ዱጋምብዋ፡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል እተሰምዩ ናይ ታንዛኒያ ካልኣይ ካርዲናል ክኾኑ እንከለዉ፡ ዕለት 5 ነሓሰ 1944  ኣብ ምዋዝየ ታንዛንያ ተወሊዶም ቅድሚ ናብ ዓብይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኪፓላፓላ ንፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቲ ምኻዶም (1965–1971)፡ ኣብ ካኤንገሳ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት (1959–1964) ከም እተመሃሩን፡ ዕለት 20 ሰነ 1971 ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ልዑል ትምህርቲ ብምክትታል ኣብ 1977 ዓ.ም. ብግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ሊቕነት ኣመስኪሮም ናብ ታንዛንያ ምስ ተመልሱ ኣብ ኪፓላፓላ ሰበኻ ቤት ትምህርቲ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን መምህር ኮይኖም ንሓጺር እዋን ከም ዘገልገሉን ካብ 1978 – 1983 ናይ ርእሰ ሰበኻታት ዳረሰላም ቤት ትምህርቲ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ቀዳማይ ወዲ ሃገር ሓለቓ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሊቀ ጳጳሳት ዳር ኤስ ሰላም

ኤጲስቆጶሳዊ ኣገልግሎቶም ዕለት 11 ሕዳር 1983 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ታንዛኒያ ናይ ሰበኻ ናቺንግወ ጳጳስ ንኽኾኑ ምስ ሰመይዎም ዝጀመረ ኮይኑ፡ ዕለት 6 ጥሪ 1984 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕርገ ጵጵስና ተቐቢሎም፡ ኣብ 1986 ናብቲ ደቡባዊ ታንዛንያ ዝርከብ ሓድሽ ዝቘመ ሰበኻ ቱንዱሩ ማሳሲ ጳጳስ ንክኾኑ ከም እተላእኩን ዕለት 22 ጥሪ 1990 ናይ ዳረሰላም ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ተሰምዮም ዕለት 22 ሓምለ 1992 ዓ.ም. ንሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሩጋምብዋ ተኪኦም ሜጥሮጶሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ከም ዝኾኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 21 ለካቲት 1998 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል እንክብሉ ምስ ሰመይዎም ኣብ ሮማ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም መሳልል ቤተ ክርስቲያን ስዩም ሊቀ ጳጳሳትን ኣባል ጉባኤ ካርዲናላትን ኮይኖም፡ ኣብቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ንካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እንክብል ኣብ ዝሓረየ ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ከም እተሳተፉን ከምኡ እውን ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝመረጸ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ እተኻየደ ዕጽዉ ጉባኤ ካርዲናላት ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን  የዘኻኽር።

ኣገልግሎት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ፔንጎ ኣብ ውሽጢ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓያሎ ወሰንቲ ጽፍሕታት ከም ዝሸፈኑ ዝንገር ኮይኑ፡ ካብ 2007 ክሳዕ 2009 ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት (SECAM) ኣቦ መንበር፡ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ኣብ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ኣባል፡ ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ፍሉይ ኣማኻሪ ንጉዳያት ኣፍሪቃን ኣብ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ንመጽናዕቲ ውድባውን ቍጠባውን ጕዳያት ቅድስቲ መንበር እውን ኣባል ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዞም ን27 ዓመታት ሊቀ ጳጳሳት ንርእሰ ሰበኻ ዳረሰላም ኮይኖም ንዘገልገሉ ዕለት 15 ነሓሰ 2019 ብሕገ ቀኖና መሰረት 75 ዓመት ምስ ገበሩ ልሂቕ ንኽኾኑ ንዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ታንዛኒያ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

24 Feb 2026, 15:46