ጳጳሳት ቬንዙዌላ፣ ምእንቲ ሓድነትን ሰላምን ሃገርና ንጸሊ
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ቬንዝዌላ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣምላኽ "ንመላእ ቬንዝዌላውያን ህድኣትን ጥበብን ብርታዐን" ክህቦም ብምምሕጻን፣ ነቶም "ዝቘሰሉን" ከምኡውን "ስድራቤታት እቶም ዝሞቱን" ዘለዎም ሓድነት ብምግላጽ፣ ናብ መላእ ህዝቢ እታ ሃገር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ህዝቢ "ብዝያዳ ተስፋ ክገብሩን" ምእንቲ ሰላም ኪጽልዩን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ንሓድነት ጸኒዕና ንጸሊ" - እዚ እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ቬንዙዌላ ንህዝቢ ኣምላኽ ብማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኢዩ ዝንበረ። "ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣምላኽ ንዅሎም ቬንዙዌላውያን ህድኣትን ጥበብን ብርታዐን ክህቦም ንልምኖ ኣለና" ክብሉ ውን ገለጹ። ደድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካራካስ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ፣ ንፕረዚደንት ማዱሮን ምስ በዓልቲ ቤቱ ክሕዝዎምን ብንግዲ ሓሽሽን ግብረ-ሽበራን ክኽስዎን ክፈርድዎን ዘካየድዎ ስርሒት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኢዩ ዝንበረ።
ምእንቲ ሰላም ኣልባብን ሕብረተሰብን ንጸሊ
እዞም ብፁዓን ጳጳሳት ምስቶም "ዝቘሰሉን" ከምኡውን ምስ "ስድራቤታት እቶም ዝሞቱ" ዝለዎም ቅርበት ብምግላጽ፣ ንህዝቢ "ኣብ ልብን ኣብ ሕብረተሰብን ዝያዳ ጽኑዕ ተስፋን ልባዊ ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ክነብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም። እቶም ጳጳሳት ወሲኾም "ምርኻብ" ከምኡውን "ሓባራዊ ደገፍ" ዘተባብዑ "እቲ ዝወሰድዎ ውሳነታት ወትሩ ንሓባራዊ ረብሓ" ክኸውን ኢዩ ብዝብል ተስፋ ክጸንዑን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኮሮሞቶ ኣብ ጕዕዞ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክተሰንዮም ኣማላድነታ ይምህለሉ።
05 Jan 2026, 15:00