2026.01.12 VENEZUELA 2026.01.12 VENEZUELA 

ጳጳሳት ቬንዝዌላ፦ “ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ሰላምን ፍትሕን ቦታታት ይኹኑ!”

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ቬንዙዌላ እተራእየ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብምምልካት፣ እቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ካቶሊካውያን ጳጳሳት፣ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን እተመስረተ ሕብረተሰብ ንምህናጽ፣ ንቘልዑን መምህራንን ሓድሽ ዓመት ትምህርቲ ክጅምሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ሽማግሌ ሥነ ትምህርቲ ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቨንዝዌላ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ኤንሪኬ ኩሪየል ሄሬራ ንዅሎም ቈልዑን መንእሰያትን ካልኦት ኣባላት ማሕበረሰብ ሥነ ትምህርትን፣ ኣብታ ሃገር ስኒት ንምህናጽ ናይ መጽናዕትን ትምህርትን መሳርሒታት ክጥቀሙ ተማሕጺኖም።

"ኣብዚ ሓድሽ ዓውደ-ኣዋርሕ ናብ ኣብያተ ትምህርትና ክንምለስ ከሎና፣ እዚ ሽማግሌ ሥነ ትምህርቲ ጉባኤ ጳጳሳት ቬንዝዌላ ንነፍሲ ወከፍ መምህር ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤትን ከምኡውን ንብምሉኡ ሃገራዊ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ዘቝሙ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብተስፋ ዝመልአ ሰላምታ ከነመሓላልፈልኩም ንደሊ" ክብሉ መልእኽቶም ለኣኹሎም።

ጳጳሳት ሃገረ ቬንዙዌላ ሥነ ትምህርቲ "ሰላምን ፍትሕን ዝድልድለሉ ቦታ" ክኸውን ከም ዝደልዩ ብምግላጽ፣ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ እቲ ትምህርቲ ዘፍርዮ እምነትን ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ፍትሕን ንህላወና ዝመርሖ ናጽነትን ንምዝራእ ሓደ ቅዱስ ቦታ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ይርከቡ።

ብፁዕ ኣቡነ ኩሪኤል ሄሬራ ብወገኖም ጐይታ ንተመሃሮን መምህራንን "ኣብ ኵሉ እትወስድዎ ስጕምትታት፣ እቲ ኣብ ኣስተርእዮ እተገልጸ ብርሃኑ ኣብ ልብኹም ምእንቲ ክበርህ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዝርከብ ሓጐስ ከኣ ብወንጌላዊ ተኣማንነት ንኸተገልግሉ ሓይልኹም ምእንቲ ኼሐድሶ ንጽሊ" ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።

ኣብ ጸሎቶም ድማ ቅዱስ ሆሴ ግሪጎርዮ ሄርናንደዝ "ጥበቡን ትሕትናኡን ንኣገልግሎት ኪህበናን፣ ብፅዕቲ እናቴ ካርመን ረንዲለስ ማርቲነዝ ከኣ በቲ ንህይወት ዚቕይር ለውሃት ክንምህር ክትሕግዘና" ክብሉ ተማህሊሎም።

ሰላም ንምህናጽ ዝቐረበ ጻውዒት

ጳጳሳት ሃገረ ቬንዝዌላ ኣብ መልእኽቶም፣ ንቘልዑን መምህራንን ንመጽናዕትን ትምህርትን ከም ሓደ "ኣብታ ሃገር ሰላም ንምህናጽ ዚሕግዝ መሳርሒ" ገይሮም ኪርእይዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ኩሪኤል ሄሬራ "ምጅማር ዓመት ትምህርቲ ንሓድሕድና ንምስማዕ ፍቓድ ኣምላኽ ንኸነለሊ ንሃገርና ቬንዙዌላ ስምምዕን ሰላምን ንምሕታት ከምኡውን ኣብያተ ትምህርትና ዜግነት ዲሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ንምህናጽ ድሕንነት ዘለዎ ቦታ ንኽንገብሮ ዘኽእለና መብጽዓ ንምሕዳስ ኣጋጣሚ ይኹን" ክብሉ መልእኽቶም ደምደሙ።

 

13 Jan 2026, 13:30