ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕ. መ. ኣ. ምምሕዳር ትራምፕ ንደቂ ሃይቲ መንበሪ ፍቃድ ከሕድሰሎም ይሓቱ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 300,000 ዜጋታት ሃገረ ሃይቲ ብዕለት 3 ለካቲት መሰል ግዝያዊ ዕቝባኦም መኸተምታ ክግበረሉ ኢዩ። እዚ ድማ ከም ሕጋውያን ተቐማጦ ኣመሪካ መጠን ንዝነበሮም ዕቝባ ከልግሶ ኢዩ።
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዕለት 29 ጥሪ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሃይቲ "ቅኑዕ ዝኾነ ኣገባብ" ክኽተል ተማሕጸኖም።
"ኣብዚ እዋን እዚ ሰባት ብሰላምን ብስርዓትን ናብ ሃይቲ ንኽምለሱ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣጋጣሚ የለን" ክብሉውን ጽሒፎም።
እቲ መግለጺ ብኣቦ መንበር ኮሚቴ ስደተይናታት፡ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ብፁዕ ጳጳስ ብረንዳን ካሂልን፣ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኣህጉራዊ ፍትሕን ሰላምን ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብፁዕ ጳጳስ ኤልያስ ዛይዳን ኢዩ ተፈረሙ።
ኣብ ሃይቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ዓመጽን ጥሕሰት ሕግን ብብዝሒ ከምዝተራእዩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዝተወደቡ ጕጅለ ገበነኛታት፡ ንሰፊሕ ክፋል ርእሰ ኸተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ከይተረፈ ተቘጻጺሮም ኣለዉ።
"ብዛዕባ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ዜጋታት ሃይቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ቀረባ እዋን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓዶምን፡ ናይ ስራሕ ፍቓዶምን ኪስረዝ ስለ ዝኾነ ብጣዕሚ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ ፣ እዚ ኸኣ መንግስቲ ንዜጋታት ሃይቲ ንናይ ዑቍባ መሰሎም መኸተምታ ስለ ዝገበረሉ ኢዩ" ይብሉ።
እቶም ጳጳሳት ብተውሳኺ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉደያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ከም መጭወይትን፡ ህዝባዊ ናዕብን፡ ግብረ-ሽበራዊ ንጥፈታትን ዝኣመሰለ "ንሕይወት ዘስግእ ሓደጋታት" ስለ ዘሎ፡ ንሃገረ ሃይቲ ዝርኢ፡ ደረጃ 4 ዝተሰምየ ናይ ጕዕዞ ኣማኻሪ ክፍሊ ከምዘለዎ ይገልጹ።
እቲ ናይ በረራ ምቍጽጻርን ድሕንነትን ዝቈጻጸር፡ ፈደራላዊ ምምሕዳር ህዝባዊ በረራታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውን፡ ካብ ዝዀነት ከተማ ኣመሪካ ናብ ርእሰ ከተማ ሃይቲ በረራታት ከይህሉ ከልኪሉ ኣሎ።
ፍትሕን ምሕረትን ንሓትት
ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ግዝያዊ ዕቝባ ከም ግዝያዊ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ንኮንግረስ ግን "ዜግነቶም ብዘየገድስ፡ ብግዝያዊ መንበሪ ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡ፡ ነባሪ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ንኺሓቱ ዜኽእሎም ዕድላት ክፈጥር ዜኽእል ሕጊ ኬውጽእ" ጻውዒት ኣቕሪቦምሉ።
ይኹን እምበር ኮንግረስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጊ ስለ ዘየጽደቐ፡ ነቲ ፈጻሚ ኣካል "ፍትሓውን፡ ምሕረት ዘለዎን ስጕምቲ ንክወስድ" ሓላፍነት ኣሰኪምዎ ከም ዘሎ ወሲኾም ገሊጾም።
እቶም ጳጳሳት "ምምሕዳር ትራምፕ ሕይወት ደቂ ሰባት ንምድሓንን፡ ሕጊ ንምሕላውን፡ ከምኡውን ኣብዛ ሃገርን፡ ካብዛ ሃገር ወጻእን ንዘለዉ ሰባት፡ ዝያዳ ርግኣት ንምድንፋዕ፡ ቅኑዕ ነገር ናይ ምግባር ዕድል ኣለዎ።" "በዚ መዳይ እዚ ከኣ ንደቂ ሃይቲ እፎይታ ክህቦም፡ ነዚ ምምሕዳር ንምሕጸን ኣሎና" ብምባል ኣትሪሮም ተማሕጺኖም።
ኣብ መወዳእታ እቶም ጳጳሳት፡ ቤተ-ክርስትያን ኣመሪካ ምስ ኵሎም ደቂ ሃይቲ፡ ኣብ ሃይቲ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ምስ ዝነብሩን ኵሎም፡ ኣብ ጎኖም ከም ዘላ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
"ንንግሥት ሃይቲ ዝዀነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ናይ ዘለኣለማዊ ረድኤት" ኣማላድነታ ንሓትት፣ "ንህዝቢ ሃይቲ ከኣ፡ ወትሩ ምንጪ ብርታዐን ምጽንናዕን ትኹነሎም" ብምባል ጸልዮም።
ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ
ዶክተራት ብዘይ ዶብ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሃይቲ ዝርከቡ ሰባት ብጾታውን፡ ኣብ ጾታን እተመስረተ ዓመጽን የጋጥሞም ከም ዘሎ ኣጠንቂቆም።
እቲ ናይ ግብረ ሠናይ ትካል ጥዕና፡ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ቍጽሪ እቶም ብጾታዊ ማህሰይቲ ሕክምና ዚግበረሎም ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ክብደቱን ዜሰምብድ እዩ።
እቲ ጸብጻብ "ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ብ10 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ገበነኛታት መጥቃዕቲ ይወርዶም" ይብል። ከምኡውን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ብገምጋም ሰለስተ ገበነኛታት ከም ዝሳተፍዎ ይገልጽ።
ን90 ሚእታዊት ርእሰ ኸተማ ሃይቲ ጕጅለ ገበነኛታት ይቈጻጸርዎ፤ ክኢላታት ከም ዝሕብርዎ ድማ፡ ፍርሂ ንምስራጽን፡ ንምቍጽጻርን፡ ንጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ከም ዝጥቐሙ ይገልጹ።