ድለ

ናይ ሰበኻ ጽዮን ጳጳስ ሎቨይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንግዳያትን ሓዘንተይናታትን ኣባይቲ ስድራ ቀረባ እያ ናይ ሰበኻ ጽዮን ጳጳስ ሎቨይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንግዳያትን ሓዘንተይናታትን ኣባይቲ ስድራ ቀረባ እያ  (ANSA)

ናይ ሰበኻ ጽዮን ጳጳስ ሎቨይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንግዳያትን ሓዘንተይናታትን ኣባይቲ ስድራ ቀረባ እያ

ጳጳስ ሎቨይ፡ በቲ ዕለት 1 ጥሪ ምሸት ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣማኢት ድማ ከም ዝቖሰሉን ምስ ተሓበረ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ቤተክርስትያን ነቲ ቃንዛ ክትካፈልን ኣብኡ ህልውቲ ክትከውን እያ ተጸዊዓ: ኣባይቲ ስድራ ድማ ኣብ ናይ እምነት ብርሃን ክጸንዑ ትድግፍ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብ ቅድሚ እቲ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብዕምቆት ዘናወጸ መዓት፡ ቤተክርስትያን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ናብ ጽሞናን ሓባራዊ ህላወን ትጽዋዕ።" እዚ ድማ ዣን-ማሪ ሎቪ ፡ ጳጳስ ሰበኻ ጽዮን፡ ድሕሪ’ቲ ዕለት 1 ጥሪ ምሸት ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ክራንስ-ሞንታና ዘጋጠመ መዓት፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 40 ሰባት ንሞት ዘቃለዐን ንኣማኢት ማህሰይቲ ዘስዓበ፡ ድሕሪ ቁርቡ ሰዓታት ንማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብው መግለጺ ኣመላኺቶም፡ ዕለት 1 ጥሪ ድማ ኣብ ሰበካ ጽዮን ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝቖሰሉን ሓሳብ ዝገበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዓረገ ሓቢሮም፡ ሰበኻ ጽዮን ነቲ ዘጋጠመ ሞትን ማህሰይትን ኣባይቲ ስድራ ዝሞትን ዝቖሰሉን ማእከል ብዝገበረ ጉስነታዊ ተበግሶታት ምላሽ ትህብ ኣላ። እዚ ድማ "ጽምዋ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞታት ክትጻወሮ ኣዝዩ ከቢድ እዩ" ስለ ዝኾነ ብምስትውዓል ኮይኑ፡ ምስ ልቢ እምነት ዝጋጠም ህላወ” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ "ምስ እቲ በይኑ ዘሎ ምህላው፡ ነቲ በይኑ ዝኾነ ምጽንናዕ፡ ህላወ ምርግጋጽ” ዝብል እውን ምዃኑ ይሕብር።

ድሕሪ እዚ ዘሕዝን ሃዋህው ኣብ ሃገረ ስብከት እንታይ ይመስል? እቲ ሃዋህው ከቢድን ብዙሕ ሕቶታት ብዙሕ ስምዒታትን ዘይምርድዳእን የለዓዕል ኣሎ። ዕለት 1 ጥሪ ምሸት መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርግ ኣብ ሞንታና እየ ነይረ። ብዙሕ እቶ እዩ ዘልዕል እቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ፡፡ እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? እንታይ እዩ ተፈጢሩ፡ ብዙሕ ትጽቢታት፡ ሕቶታት መብርሂ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዝጋጠመ ብዝምልከት ርድኢት ዘይምህላው ኣሎ። ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ።

ኣብ ማእከል እዚ ተስፋ ምቑራጽ ከመይ ኢሉ እዩ ንነብሱ ህልው ክገብራ ዝኽእል? ብኡንብኡ ምስ ቆሞስ ብምርኻ ድማ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘማእከለ እንታይ ዓይነት ጉስነት ምቕራብ ከም ዘድሊ ተመያይጠ፡ ንሓይሊ ጸጥታን ህዝባዊ ሰበስልጣን፡ ንሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና፡ ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ስድራን ቦታ ክንህብ ኣለና። እቲ ቀዳማይ ተግባራዊ ዝኾነ ተበግሶ መስዋዕተ ቅዳሴ ምዕራግ እዩ ነይሩ፣ ዕለት 2 ጥሪ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ዝቖሰሉን ኣባይቲ ስድራኦምን ሓሳብ ዝገበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ድማ ዓሪጉ። ሰባት ክእከቡ፡ ዳግማይ ክተኣሳሰሩ፡ ነቲ ስምዒትን ምናልባት’ውን ኣብቲ ቦታ ምህላው ክህቦ ዝኽእል ምጽንናዕን ብሓባር ከስተማቕርዎ ኣለዎም። ድሕሪ’ቲ ብመጋቤ ተሃድሶ ቤተ ክርስቲያን ሞንታና፡ ኣቦ መንበር ሲኖዶስ ስዊዘርላንድን ሲኖዳላዊ ቤት ምኽሪ ቤተ ክርስቲያን ቫላይን እውን ኣብኡ ተሳቲፎም እዮም፡ ሰንበት ኣብ ሞንታና፡ ኣብ ካልኣይ ቤተ ክርስቲያን እታ ከተማ፡ ማሕበረሰብ ተሃድሶ ተረኺቡ ክካየድ ካልኣይ መደብ ኣዳሊና ኣለና። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰንበት ዕለት 4 ጥሪ እውን ተመሳሳሊ መደብ ክህሉ እዩ። ቁምስናታት ሞንታና እውን ንኣምልኾን ጸሎትን ክፉታት ኣብ ናይ ሕዘን መግለጺ መዝገብ ክኽትሙ፡ ኣብ ጸሎት ግዜ ከሕልፉ፡ ዕምባባታት ወይ ሽምዓ ከንብሩ፡ ወይ ድማ ትኩርን ሰማዒ ዝኾነ ክፉት ልቢ ክረኽቡ ዝደልዩ ንምእንጋድ። . . .

ንሓዘንተይናታት ኣባይቲ ስድራ እንታይ ክትብልዎም ትደልዩ? ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሓድሽ ዓመት፡ ኪኖ እቲ መዓት፡ ኣብ ሕመረት ክርስትያናዊ ተልእኾን ክርስትያናዊ መልእኽትን ዝርከብ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ከሕልፍ እፈቱ። ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ድማ ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። ኪኖ እቲ ጸላም ደበና፡ ኪኖ እቲ ኣብቲ ቤት መስተ ዘሎ ሓውን ኣብ ህይወት ስድራቤታት ዝውክሎ ጾርን፡ ብርሃን ዝከኣል ምዃኑ ከረጋግጽ እፈቱ። መልእኽቲ ክርስትና፡ መልእኽቲ ልደት፡ መልእኽቲ ኣስተርዮ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከነብዕሎ ኢና፡ ልክዕ ከምዚ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ጸልማትን ኣብቶም ኣብ ጽላሎት ስቓይን ቃንዛን ዝነብሩ ብርሃን ይበርህ። ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም በቲ ሓዘን ዝተጎድኡን ኣዚዮም ዝተቖጥዑን ሰባት ክኣቱ ይኽእል እዩ። ብወዱ ኣቢሉ እዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሳቐ ልቢ ዝኣትው። ምስቶም ዝነኣሱን ዝደኸዩን ምስቶም ኣብ ቃንዛ ዘለዉን ህልው ይኸውን። ኣባይቲ ስድራ ብርሃን ከምዝከኣል ክኣምኑ ባህ ይብለኒ፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

04 Jan 2026, 10:38