ድለ

ቤተክርስትያን ኣብ ሲሪላንካ ድሕሪ ኣዕናዊ ውሕጅ 'ተስፋ ህያው ንምግባር' ትሰርሕ ቤተክርስትያን ኣብ ሲሪላንካ ድሕሪ ኣዕናዊ ውሕጅ 'ተስፋ ህያው ንምግባር' ትሰርሕ  (AFP or licensors)

ቤተክርስቲያን ኣብ ሲሪላንካ ድሕሪ ኣዕናዊ ውሕጅ 'ተስፋ ህያው ንምግባር' ትሰርሕ

ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሲሪላንካ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 600 ሰባት ዝቐተለ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሃሰየ ህቦብላ ዲትዋ፡ ማሕበረሰባት ካብ’ቲ ቀታሊ ውሕጅ ዘስዓቦ ኩለ መዳያዊ ማህሰይቲ ንኽሓውዩ፡ ሃገር - ለኸ ሰብኣውን ጓሳውን ደገፍ ተዋድድ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቁጽሪ ሞት ህቦብላ ዲትዋ ልዕሊ 600 ኮይኑ፡ ብድምር 2.3 ሚልዮን ሰባት ከምዝተሃስዩን፡ ብውሕዱ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ከምዘድልዮምን ድማ ይሕበር።

ኣብ ሲሪላንካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን "ተስፋ ዳግማይ ንምብርባር ልዑል ኣበርክቶ ትገብር ኣላ" እንክብሉ ኣብ ኮሎምቦ ናይ ስርከብ ናይ ስሪላንካ ሃገራዊ ኣመሓዳሪ ማሕበራት ጳጳሳዊ ተልእኾ (PMS) ኣባ ባሲል ሮሃን ፈርናንዶ ንኣገልግሎት ዜና ፊደስ ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ይሕብሩ።

ልዕሊ 20 ሚእታዊት እታ ሃገር በቲ ትሮፒካዊ ህቦብላ ተሃስዩ፡ ንኣባይቲ፡ ትካላት ንግዲ፡ ጽርግያታት፡ ድልድላትን መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣዕንዩ እዩ።

መንግስቲ ዝሃቦ ጸብጻባት ከምዘመልክቶ ኣስታት 720 ሽሕ ህንጻታት ምስ 16 ሽሕ ኪሎሜተር ጽርግያታት፡ 278 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መስመር ባቡርን 480 ድልድላትን ከምዝዓነወ ይሕብር።

"ብሃንደበት ሓድሽን ከቢድን ቅልውላው ኣጋጢሙና። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሳዕቤናት ዳግመ ህንጸት ግዜ ስለ ዝወስድ እዚ ኣብ ማእከላይን ነዊሕን ግዜ ዝስላዕ ብዙሕ ወጻኢታት እውን ዝሓትት ኢዩ - ቢሎም - ኣብ መላእ ስሪላንካ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ካቶሊክ ህጹጽ ድሌታትን ነባሪ ምሕዳስን ኣብ ምምላእ ቀጻሊ ግደ ከም ዘለዎም ድማ ኣጒሊሖም፡ "ኣብዚ ዅነታት እዚ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ስሪ ላንካ ይዋሳእ ከም ዘሎን እዚ ድማ ሓድሽ ተስፋ ንምስራጽ ዝዓለመ እዩ። ተስፋ ህያው ንምግባር ፍሉይ ሓላፍነት ወሲድና ኣሎና። እዚ ንብዙሓት ሰባት ብስጋውን ንዋታውን ግን ከኣ ብመንፈሳውን ስነ - ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ሓገዝ ብምቕራብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ፣ ከምቲ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዝተገብረ ሎሚ እውን ይቕጽል ኣሎ" ኢሎም።

መንግስቲ ንዳግመ ህንጸትን ማሕበራዊ ረድኤትን እንተኮላይ ጽርግያታትን ድልድላትን መስመራት ባቡርን ኣብያተ ትምህርትን ሕንጸት ኣብ ርእሲኡ ድማ ንዝተጎድኡ ውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ፣ ማሕበረሰብ ዝጭበጥ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ክስምዖም ጀሚሩ ኣሎ።

ማሕበራዊ ረድኤት ኣብቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዘተኰረ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣባይቶም ወይ መነባብሮኦም ዝሰኣኑ ኣባይቲ ስድራ 5 ሚልዮን ሩፒ ናይ መንግስቲ ደገፍ ከም ዝረኽቡ ኣረጋጊጾም። "ህዝባዊ ድጎማ ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ቆልዑ ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ በጺሑ'ሎ፡ ስለዚ እዚ ድማ ሓደስቲ ንትምህርቲ ዘድልዮም ናውቲ ክገዝኡን ትምህርቲ ክጅምሩን የኽእሎም።”

ኣባ ፈርናዶ ኣስዒቦም፡ ብኣኑራ ኩማራ ዲሳናያከ ዝምራሕ መንግስቲ ንጻዕርታት ምሕዋይ ጽኑዕ ተወፋይነት ከምዘርኣየ ብምግላጽ፡ ካብ ትካላት ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ንዝግበር ሓገዝ ሓዊሱ፡ ዝቐርብ ዘሎ ኣህጉራዊ ቍጠባዊ ደገፍ ምስጋናኦም ብምግላጽ፡ ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ዝተደርበዩ ኮይኑ ከምዘይስምዖም ዝገብር እዩ።”

መንግስቲ ከም ዝሕብሮ፡ ወጻኢታት ዳግመ ህንጸት ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ምስቲ ብግምት 7 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ሲሪላንካን ዳርጋ ፍርቂ ኣታዊታት መንግስትን 2025 ዝመጣጠን እዩ። እታ ሃገር ካብቲ ኣብ 2022 ምስ ናይ ዕዳ ቅልውላው እተተሓሓዘ ቝጠባዊ ቅልውላው ክትወጽእ ኣብ ዝጀመረትሉን ብሓገዝ ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ማዕከን ዕዳ ዳግመ መዋቕር ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጋጠመ ዕንወት ምዃኑ ይሕብሩ።

16 Jan 2026, 15:52