ድለ

2026.01.08 PS161 COPERTINA: Le suore vanno a fare una passeggiata con i residenti 2026.01.08 PS161 COPERTINA: Le suore vanno a fare una passeggiata con i residenti 

ደናግል ሕያዋይ ጓሳ ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻ ክንክን ይልግሳ

ኣብ መንጎ ዘቤታዊ ዓመጽን ስቓይን፣ ኣሓት ደናግል ፍቕሪ እኖና ድንግል ማርይም ናይ ሕያዋይ ጓሳ፣ ኣብ ማልታን ፖርቱጋልን ምስ ዝርከባ ኣዴታትን ኣዋልድን፣ ነቲ ካብ ሕብረተሰብ እተገለሉ እዋናት ህይወተን ይካፈላ ኣለዋ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ማሕበር ኣሓት ደናግል ሕያዋይ ጓሳ ኣሰር ኣሰር መስራቲት ማሕበረን ቅድስቲ ማርያም ኤውፍራሲያ ፔሌቲየር ብምስዓብ ብዛዕባ እቶም ዝቘሰሉን ተስፋ ብምቝራጽ ዝሳቐዩን ዘለዉ ሰባት የስተንትኖ።

ደናግል ሕያዋይ ጓሳ ነተን ብዓመጽን ድኽነትን ማሕበራዊ ተነጽሎን ዝቘሰላ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ስድራ ቤታትን ንምፍቃርን ንምግልጋልን ተልእኾአን ይቕጽላ ኣለዋ።

ብመሰረት እታ በዓልቲ ማልታ ዝኾነት ክብርቲ እናቴ ዶሪስ ሳሊባን ከምኡ ውን በዓልቲ ፖርቱጋል ዝኾና ክብርቲ እናሬ ማሪያ ሮዛርዮን በቲ ደኺመ ዘይብል ናይ ምሕረት ዕዮአን፣ እዘን ኣሓት ኣብቲ ዝያዳ ምሕረት ዘድልየሉ ቦታ ሕውየትን ክብርን ተስፋን ንምምጻእ ሓባራዊ ተልእኾ ብምክፋል ኣብ ብማሕበር ዘገልግላ ዘለዋ ኢያተን።

ኣብ ማልታ ኣብ ዘጋጠመ ማዕበል መዕቆቢ ምልጋስ

ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ማልታዊት ዶሪስ ሳሊባ ካብ ዘቤታዊ ዓመጻ ንዘምለጣ ኣዴታትን መንእሰያት ኣዋልድን ሓጊዘን ኢያተን። ኣወሃሃዲት ናይቲ ኣብ ማልታ ዝርከብ ብማሕበር ደናፍል ሕያዋይ ጓሳ ዝምራሕ ተቕዋም  ከም ምዃነን መጠን፣ ስድራቤታት ህይወተን እንደገና ህንጸትን ዕቝባን ትብዓትን ዝረኽቡሉ መዕቈቢ ኣብ ምርካብ ይተሓባበራ ኢያተን ዘለዋ።

"ማሕበርን ነተን ኣብ ጭንቂ ዘለዋ ኣደታትን ደቂ ኣንስትዮ መንእሰያትን ንምሕጋዝ ብኣምላኽ እተጸዋዕና ኢና" ክብላ ውን ይምስክራ። "ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ለይትን መዓልትን ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበለን፣ ሓድሓደ ግዜ ዝኽደናኦ ክዳውንቲ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ዋላ ሓንቲ ነገር ከይሓዛ ኢየን ዝመጻና። እቲ እንህበን ኽፍልታት ምግብን መደቀስን ዘለዎ ድሉው ምዃኑ ነረጋግጽ፣ ድሕንነት ዘለዎ ሃዋህው ድማ ንህበን ኢና። ድሕሪ እቲ ዝሓለፋኦ ኣጋጣሚታት ግን እቲ ቐዳማይ ህውየት ሰላም ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ዕረፍቲ ክገብራ ንፈቕደለን።"

እቲ መዕቈቢ ነተን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ሕጋዊ ሓገዝ ከምኡውን ናይ ስራሕ ወይ ናይ ነዊሕ ግዜ መንበሪ ኣብ ምርካብ ሓገዝ ዝረኽቡ ተቐማጦ ድማ ንሽዱሽተ ወርሒ ክጸንሑ ንፈቕደሎም። ብዙሓት ካብ ማእከል ዘቤታዊ ዓመጽ ማልታ ወይ ካብ ኣገልግሎት ፖሊስ ብምልኣኽ እዮም ዚመጹና።

ምትሕብባር ምስ መንግስታዊ ትካላት

"ምስ መንግስታውያንን ማሕበራዊ አገልግሎታትን ንተሓባበር ኢና" ድማ በላ። "መንግስቲ ንገሊኡ ደሞዝ ሰራሕተይናታትን ደገፍ ምግብን ይሕግዘና እዩ፣ ንሕና ድማ ኣብ ልግሲ ህዝቢ ማልታ ኢና እንምርኰስ። ብዙሓት ሰባት ምግብን ክዳውንትን ገንዘብን ይልእኹልና እዮም ። ኵሉ ሳዕ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፣ ኣምላኽ ግና ኵሉ ሳዕ ሓልዮቱ ይልግሰልና እዩ።

ብዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ዚድገፋ ኣርባዕተ ንጡፋት ኣሓት ኣለዋና፣ ንሕና ድማ ብህላወ ኢና እነገልግል። ምስኦም ኮይና ንሰምዕ ንበኪ ምሳታተን ኮይና ከኣ ንጽሊ ኣሎና። ገሊኦም ጸኒሖም ተመሊሶም 'እናቴ ኣብዚ ዘሕለፍክዎ ግዜ ንህይወተይ ድሕነት ኮይኑኑ ኢዩ' ክብሉ ይምስክሩ። እዚ ኸኣ እቲ ዝዓበየ ዓስብና እዩ" ውን በላ።

ድሕሪ ግዜ እዚ ኣገልግሎተን ካብ ምክንኻን ዘይተመርዓዋ ንኣሽቱ ኣዋልድን ኣዴታትን፣ ናብ ረድኤት ህጹጽ ኩነታትን ዘቤታዊ ዓመጻን ክንክን ስደተይናታትን ተቐይሩ ይርከብ ኣሎ።

"ሓዋርያዊ ኣገልግሎትና ከከም ድሌት ሕብረተሰብ ይቀያየት ኢዩ፣ ንምርሒት መንፈስ ቅዱስ ድማ ክፉታት ኢና" ውን በላ። "ምስ ጳጳሳትን ምእመናን መሻርኽትን ብቐረባ ኢና እንዓዪ። ሲኖዳዊ ምዃን ማለት ከአ እዚ እዩ፣ ምእንቲ ኣምላኽ ብሓባር ምምልላስ፣ እዚ ድማ ብማሕበር እዩ ዝዕየ።"

ካልኦት ኣብ ተልእኾ ዘለዉ ሰባት ንብድሆታቶም ከይዋጽኡሉ ዝኽእሉን ንኸይፈርሁን፣ ኣምላኽ ነቲ ካባና ዝተረፈ ክምኦ እዩ ክብላ ውን የተባብዓዖም።

ኣደነታዊ ልቢ ኣብ ፖርቱጋል

ካብ ደሴት ሳኦ ሚገል ዝኾና፣ ኣብ ኣዞረስ ዝርከባ ክብርቲ እናቴ ማሪያ ሮዛርዮ ብወገነን ኣብ ቅልውላው ንዘለዉ ቘልዑን ንኣሽቱ ኣዴታትን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ኢየን። ፍሽኽ ብምባል "ናብዚ ማሕበር ካብ ዝኣቱ ኣትሒዘ ምስ ኣዋልድን ኣዴታትን ቈልዑን እዓዪ ነበርኩ" ይብላ። "ናይ ገዛእ ርእሰይ ውሉድ የብለይን፣ ንዅላቶም ግን ከም ኣደ ምዃነይ ኢዩ ዝስምዓኒ።"

እተን ኣሓት ዝሕግዛኦም ቘልዑ ብመንገዲ ብመንግስታውን ማሕበራውን ኣገልግሎት እዮም ዝመጹ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሸለልትነት ዓመጽ ማህሰይቲ ወይ ክቱር ድኽነት ካብ ዜጋጥሞም ሓደገኛ ኣባይቲ ዝደሓኑ እዮም ። "ገሊኦም ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም መሳኪን ይመጹና፣ ኣብ ጐደናታት እውን ከይተረፈ ዝድቅሱ ዝነበሩ እዮም" በላ። "ኣብዚ ድማ ምግብን ፍቕርን ዕረፍትን ይረኽቡ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱን ይመሃሩን ይዓብዩን ኢዮም ዘለዉ።"

ቈልዑ ክሳዕ 18 ወይ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝኾኑ፣ ኣብዚ ማእከል እዚ ኢዮም ዝጸንሑ። እተን ኣሓት ምስ መምህራንን ክኢላታት ስነ-ኣእምሮን ማሕበራዊ ሰራሕተይናታትን ብምትሕብባር፣ ሰብኣዊ ክንክን ይህባ። "ንኣሽቱ ሓጐስ ንጽንብል፣ ከም ዝፍቀሩን ኣኽቢርና ኸም እንርእዮምን ድማ ይመሃሩ" ክብላ ይምስክራ።

ክብርቲ እናቴ ማርያ ከም ኣደ እንከገልግላ
ክብርቲ እናቴ ማርያ ከም ኣደ እንከገልግላ

ደገፍቲ ኣዕኑድ

ልክዕ ከምተን ኣብ ማልታ ዚርከባ ኣሓት ደናግል፣ እዚኣተን እውን ብዓቢኡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝገብረለን ልግሲ እየን ዝምርኰሳ። "መንግስቲ እተወሰነ ገንዘባዊ ደገፍ ይህበን እኳ እንተ ዀነ እኹል ግን ኣይኰነን" ይብላ። "ምስቶም ምግብን ፍረታትን እንጌራን ስጋን ዝህቡና ሰብ ደኳኲንን ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰብ ሰናይ ሕልና ብምትሕብባር ኢና እነገልግል ዘሎና።"

እተን ኣሓት ነቲ ዝረኸባኦ ነገራት ነቶም ካብ ትካላተን ወጻኢ ንዝርከቡ ድኻታት ስድራ ቤታት እውን የካፍላ ኢያተን፣ ነቲ ናይ ወንጌል ጻውዒት ድማ በዚ ኸምዚ ምላሽ ይህባ። "ነቶም ምሳና ዝነብሩ ቘልዑ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ድኻታት እውን ኢና እንሓልየሎም" ክብላ ውን መስከራ።

ኣብቲ ኣብ ፖርቱጋል ዝርከብ ሽዱሽተ ኣሓት ደናግልና ዘለዋኦ ማሕበረሰብ፣ ኵሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ምስ ምእመናን ብምትሕብባር ፍቕራዊ ጸሎት ዝመልኦ ቤት ኣብ ምፍጣር ውን ዓቢይ ግደ ይጻወታ ኢየን ዘለዋ።

ህያው መንፈስ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ

ካብ ማልታ ኽሳዕ ፖርቱጋል እዘን ኣሓት ደናግል ኣብዛ እትሳቐ ዘላ ዓለም "ምልክት ርሕራሐን ፍቕሪ ኣምላኽን" ንምዃን ዘለወን ኣረኣእያ ኢየን ዝስዕባ ዘለዋ። ኣገልግሎተን ነቲ ምስ ድኻታት ክንመላለስን ክንሕግዝን ዘሎና ናይ ወንጌል ጻውዒት ዘንጸባርቕ ኢዩ።

"ተልእኾና ኣብቲ ፍቕሪ ዝያዳ ዜድልዮ ቦታታት ንምርካብ እዩ" ክብላ ውን ይምስክራ።

13 Jan 2026, 13:27