ቦሊቭያ፦ ተልእኾ ኢደንቴ ነቶም ኣብ ወሰናስን ገጠራት ዝርከቡ መንእሰያት ወለዶ ተስፋ ይህብ
ኣባ ፍረዝጊ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ኽፋል ናይቲ እምነትን ስነ-ጥበብን ሙዚቃን ዘጣመረ ውርሻ ማኅበር ኢየሱሳውያን፡ እቲ ኣብ ቺኲታንያ ሃገረ ቦሊቭያ ዝርከብ ሚስዮን ቅዱስ ሚጌሊቶ፡ ካብ 1998 ኣትሒዙ ሚስዮናውያን ኢደንቴስ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ 1960ታት ንደቂ ሓረስቶት እተመስረተ ናይ ቀደም ኮለጅ ሕርሻ ኣብ ምምሕዳር ምስ ተዋፈሩ እዩ ተጀሚሩ።
እቲ ኮለጅ ናብ 'ገዳማዊት ከተማ' ተቐይሩ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ መንእሰያት፡ ኣብ ስነ ኪነትን፡ ሰብኣውን ዕብየትን ኣሰልጢኑ።
ሙዚቃ ቺኲታኖ ዚዕቅብ፡ ናይ መንእሰያት ናይ መዘምራን ቤት ትምህርቲ፡ ኵዕሶ እግሪ ስልጠና፡ ድሕሪ መደባት ናይ ትምህርቲ፡ ናይ ስልጠና ትካል፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ማኅደረ ትምህርቲ፡ ከምኡውን ነቲ ዱርን፡ ባህላዊ ሕክምናን ንምዕቃብ ዝተታሕዘ ፕሮጀክትታት ይርከቦ።
ምስ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝተተሓሓዘ ተልእኾ፡ ቅድስና፡ በብመዓልቱ ብንኣሽቱ ስጕምትታት ዚልክዓሉ እዩ።
ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ክፍሊ ኢዩ ዝጅምር
ካብ ሚስዮን ኢደንቴ፡ ኤሚ ባሪላ ዝተባህለት፡ "ብዙሓት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ሕጻናት ምንባብን ምጽሓፍን ኣይፈልጡን እዮም" ትብል። "በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ድሕሪ ትምህርቲ ዚግበር መደባት መዘናግዒ ዘይኰነስ ናይ ክብረት ጕዳይ ኢዩ። ነዞም ሕጻናት እዚኣቶም ከኣ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ሓደ መጀመሪ ነጥቢ ዝኾኖም ኣጋጣሚ ይህቦም።"
ካብ 5 ኽሳዕ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ብዙሓት ሕጻናት ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ድኹም ምንቅስቓስን፡ ከምኡውን ብሕጽረት ደገፍ ናይ ስድራ ቤትን፡ ኣብ ምንባብን፡ ቍጽርን ኣጸቢቖም ድሕሪት ዝተረፉ ኢዮም።
ኣብ ግዜ ጕርዝውና ብሰንኪ ድኽነትን፡ ዘቤታዊ ዓመጽን፡ ሽቅለት ሕጻናትን ዝተበገሰ፡ ቍጽሪ እቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ዚወጹ ሰባት እና ወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እቲ ንብዙሓት ክፍልታት ብሓንሳብ ደሪብካ ናይ ምምሃር መደብ ከኣ፡ ስእነት መምሃሪን ዘይስሩዕ መደባትን ስለዘለዎ ነዚ ከም ዝገፊሕ ጌርዎ ኢዩ። ነተን ፋሕ ዝበላ ዓድታት፡ እቲ ተነቃፊ ናይ ሕርሻ ግራውቲ ከምኡውን ንድርቂ ዝተቓልዐ ሓደ ዓይነት እኽሊ ናይ ምፍራይ ባህልን፡ ነቲ ንመዓልታዊ ናብራ ዝያዳ ኣሸጋሪ ይገብሮ።
እምነት ናይ ሞያን መነባብሮን ኩነት እንክኸውን
ደይሲ ቾኵወ "ሕልምናን፤ ኡሳን ወለዶታት ነቲ መሠረት ናይ መንነቶም ከይጥፍኡ ንኸነሰንዮም እዩ ነይሩ" ትብል።
ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ መዘምራን ቅዱስ ሚጌሊቶ ካብ ሽዱሽተ ዓድታት ዝመጹ 35 ሕጻናትን መንእሰያትን ይቕበል። ቫዮሊን፡ ጊታር ፡ ከምኡውን ቸሎ ዝበሃል መሳርሒ ሙዚቃን፡ ናይ ውልቃዊ ዕቤትን፡ ባህላዊ ህላዌን መሳርሒታት ኢዮም።
ማሪያ ላውራ ዝስማ ሓንቲ ኻብተን ተመሃሮ፡ "ቸሎ ንኽዓቢ ሓጊዙኒ እዩ ሕጂ ኸኣ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኽኣቱ እየ ዝደሊ" ትብል። ኣብ ርእሲ ሙዚቃ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ንጉጅለ ኵዕሶ እግሪ ናይ 250 መንእሰያት ዝሓቘፈ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንስፖርት ናብ ሰብኣዊ ዕብየትን፡ ካብ ማሕበራዊ ሓደጋታት ናይ ምክልኻል ኣጋጣሚ ይቕይሮ።
ሚሎስ ከኣ፡ “ኣብ ሜዳ ኣኽብሮትን ዕርክነትን ንመሃር፣ ልክዕ ከም ካልአይቲ ስድራ ቤትና እዩ” ይብል።
እቶም ሚስዮናውያን ቀዋሚ ናይ ስልጠና ትካል ስለ ዘለዎም ብፍላይ ኣብ ርእሰ-ምምሕዳራ ደቂ ኣንስትዮ ዘተኰሩ፡ ናይ ኢደ ጥበብን፡ ቀዋሚ ሕርሻን፡ ባህላዊ ሕክምናን ትምህርቲ ይህቡ።
ደይሲ ቾኵወ፡ "ንዓና ቅድስና ማለት፡ ናይ ዕለት እንጌራን፡ ቤት ትምህርትን፡ ሰብኣዊ ክብርን ማለት ኢዩ" ትብል።
ጁዋን ዲየሊን፡ "እምነት ብቓላት ጥራይ ኣይኰነን ዝስበኽ፡ የግዳስ ሓንቲ ስድራቤት ናይ ዕለት እንጌራ ምስ ዝህልዋ፡ እቲ ሕጻን ድማ መጽናዕቲ ንምቕጻል ሓይሊ ይረክብ" ይብል።
ንመጻኢ ዚቅይር መሠረታዊ ለውጢ
ቺኲታንያ ክሳዕ ሕጂ ኣሰር ናይቲ ኻብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ፍሉይን ጽኑዕን ባህሊ ዘምጽኡ ማኅበር ኢየሱሳውያን ዓቂባ ትርከብ። እዚ ከኣ መንፈሳዊ ዑደትን፡ መዝሙራትን፡ ናይ ቅዱሳን በዓላትን፡ ማኅበራዊ ሕይወትን ኢዩ።
ሚሎስ "ንመሬትና ምዕቋብ ክፍሊ እምነትና እዩ" ይብል። "ንቑጽ ጫካ ቺኲታኖ ተፈጥሮ ጥራይ ኣይኰነን፡ ተዘክሮ ናይ ባህልን ሕይወትን፡ እቶም ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት ኢዩ።" ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ተልእኾ፡ ምዕቃብ ጫካን፡ ኣከባብያዊ ትምህርትን፡ ምሕዳስ ባህላዊ ሕክምናን፡ ከምኡውን ቀጻልነት ዘለዎ ናይ ሕርሻ ልምድታት ዘተባብዕ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብዛዕባ ዕዮ ቅዱስ ሚጌሊቶ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ካብ መናብርተ ጥበባት፡ ወለንተኛታትን፡ ገበርቲ ሠናይን፡ ደገፍ ንምካብ ኣብ ዲጂታላዊ መራኸቢ ዘለዎ ዕብየት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ቅድስና ሓባራዊ ህያብ ኢዩ
ኤሚንን፡ ደዚን "ቅድስና ኣብ ርሑቕ ስነ ሓሳብ ዝተመርኰሰ ዘይኰነስ፡ ኣብ መጽናዕትን፡ ስራሕን፡ ማኅበራዊ ሕይወትን ዚንጸባረቕ መዓልታዊ ጕዕዞ እዩ" ይብሉ።
እዚ ተመክሮ እዚ ንማኅበረሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንገዛእ ርእሶም ዝወፈዩ እውን የሀብትሞም እዩ።
ዣን ኣስዕብ ኣቢሉ፡ "ሓደ መንእሰይ ካብ ቺኲታንያ ማኅደረ ትምህርቲ ኪረክብ ከሎ፡ ብምሉኡ እቲ ማኅበረሰብ ናብ ዩኒቨርሲቲ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ እዩ ዚቍጸር" ይብል። "ንውልቀ-ሰባት ጥራይ ኣይኰንናን እንምህር፣ ኣብ ሓባራዊ መጻኢ እውን ወፍሪ ንገብር ኢና።"
ፋሕ ዝበለ ማኅበረሰብን፡ ሕጽረት ካህናትን፡ ናይ ነዳዲ ቅልውላው፡ ከምኡውን ሕጽረት መሠረታዊ ኣገልግሎታትን፡ እቲ መዓልታዊ ዕንቅፋታት ኰይኑ ይርከብ አሎ።
እቶም ሚስዮናውያን፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሕጻናት ናብ ቅዱስ ሚጌሊቶ ዚገብርዎ ጕዕዞ ከነውሕዶ ኢልና፡ ንሕና ኢና ናብተን ዓድታት እንጐዓዝ" ይብሉ።
ይኹን እምበር ኣብ መጻኢ እዮም ዜተኵሩ፦ "ብእምነትን፡ ብተወፋይነትን፡ ብሓድነትን፡ ሓንቲ ምሕድግ ዝበለት ሃገር እውን እንተ ዀነት ንመጻኢ ምንጪ ተስፋ ኽትከውን ትኽእል እያ።"