ትካል ክፉት መዓጹ፦ ቍጽሪ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚስደዱ ክርስትያን ናብ 388 ሚልዮን ክብ ይብል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዝተሓተመን ወግዓዊ ዝኾነን ዝርዝር ኵነታት ዓለም 2025፣ ብዛዕባ ኣብ መላእ ዓለም ዝስደዱ ክርስትያን ዝምልከት ኮይኑ፡ "ካብዞም 388 ሚልዮን እቶም 201 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ወይ ኣዋልድ፤ እቶም 110 ሚልዮን ድማ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም” ከም ዝኾኑ ይሕብር።
ዓመጽን ኣድልዎን
ብመሰረት ዝርዝር ምክትታል ኵነታት ዓለም፡ ቁጽሪ ናይተን “ጽንፈይናነት” ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ደረጃ ጸረ ክርስትያናዊ ስደት ዘለወን ሃገራት ካብ 13 ናብ 15 ክብ ከም ዝበላን፡ ሰሜን ኮርያ ክርስትያን ምዃን ዝያዳ ሓደገይና ዝኾነላ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ። ኣብ ዝርዝር ናይተን ዘሰክፍ ደረጃ ስደት ዘለወን ሃገራት ሶማልያ፣ ኤርትራ፣ ሊብያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ የመን፣ ሱዳን፣ ማሊ፣ ናይጀርያ፣ ፓኪስታን፣ ኢራን፣ ህንዲ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሚያንማርን ሶርያን እውን ይርከብዎም።
ሶርያ ካብ “ልዑል” ናብ “ኣዚዩ ሓደገያን” ናብ ዝኾነ “ጽንፈይናነት” ደረጃ ከምዝተሰጋገረት እቲ ሰነድ ይሕብር። ነዚ ሰነድ እዚ ኣማእኪሉ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየደ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ክርስቲያን ናኒ እቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሓይሊ ገና ብኸፊል “ተበታቲኑ” ስለዘሎ፡ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ክርስትያን ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ገሊጹ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኣለፖ ዝተራእየ ግጭት’ውን ዝግሃዶ እዩ።
“ካብ መረዳእታና ብምብጋስ፡ ኣብ ሶርያ 300,000 ክርስትያናት ጥራይ እዮም ተሪፎም ዘለዉ፡ ማለት ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብኣማኢት ኣሽሓት ይጎድሉ” እንክብል የስተብህል።
ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ትሕተ ሰሃራ
ድሕሪ ዝረአ ዝነበረ ምንቁልቋል፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ ይውስኽ ምህላዉን፡ ካብ 4,476 ናብ 4,849 ክብ ከም ዝበለን ኣብ መዓልቲ ክትርጎም እንከሎ ብ13 ከም ዝወሰኸን ናይጀርያ ማእከል ናይቲ ዓመጽ ምዃና ተረጋጊጹ ኣሎ፡ ኣብ ናይጀሪያ 3,490 ግዳያት ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ካብ ጠቅላላ ኣብ ልዕሊ ክቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ ኣስታት 70 ሚእታዊት ዝሽፍን ምዃኑ እቲ ሰነድ የረጋግጽ። ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ክርስትያን ዳርጋ ከምዘይተቐየረ (4,712 ክነጻጸር ከሎ ኣብ 2024 4,744) ክኸውን ከሎ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝተጨውዩ ክርስትያናት ድማ ይንክይ (3,302 ኣንጻር 3,775 ኣብ 2024)።
ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝፍጸም መጥቃዕቲ እውን ከም ዝነከየን(ካብ 7,679 ናብ 3,632)፣ ኣብ ልዕሊ ገዛውቲ ክርስቲያን ወይ ብክርስቲያን ዝመሓደራ ነኣሽቱ ትካላት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም ዝነከየን (ካብ 28,368 ናብ 25,794)፣ ቁጽሪ ግዳያት ግህሰትን ዓመጽን ግዱድ መርዓን ድማ ከም ዝወሰኸን (ካብ 3,944 ናብ 5,202)።
ናኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2026 ብፍሉይ ኣተኩሮ ክገበረሉ ከም ዝኾነን ብፍላይ “ተነቃፊ መንግስታት” ዘለወን ብምዃነን ከምኡ እውን ክርስቲያን ብቐሊሉ ንዓመጽ ዝቃልዕሉ ብምዃኑ እዩ . . . ብዛዕባ እታ ዳርጋ ሓደ ሸሞንተ ህዝቢ ክርስትያን ዓለም ዚነብሩላ ኣህጉር ኪዛረብ ከሎ "ማእከል ስሕበት ክርስትና ናብ ኣፍሪቃ ተቐዪሩ እኳ እንተ ዀነ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ብዝፈጸም ዓመጽ ቀዳምነት ትሕዝ - ቢሉ - ሱዳን ብምኽንያት ውግእ ሓድሕድ ሓንቲ ኻብተን ኣገደስቲ ሃገራት ምዃና፡ ወሲኹ ናይጀርያ ማሊ ኒዠር ቡርኪናፋሶ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከምኡውን ሞዛምቢክ እውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተነቃፊ ዅነታት ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወርድ መጥቃዕቲ ቍጠባዊ ረቛሒታት ምስ ሃይማኖታዊ ስፍሓት እተተሓሓዘ እተፈላለየ ምኽንያታት ዘለዎ ምዃኑ እውን ይሕብር።
ኣብ ናይጀርያ ዝፍጸም መጥቓዕቲ
ዝርዝር ኵነታት ማሕበረሰብ ክርስቲያን 2025 ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢጣሊያ ሕንጻ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሎ ብስም እቶም ኣብ ናሲይራ ዝተቐትሉ ሓይሊ ጸጥታ ስም ዝጽዋዕ ኣዳራሽ ብወግዒ ከም ዝቐረበን ናይጀርያ ሓንቲ ኻብተን በቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ እተጐድኣ ሃገራት ዝመጸ ናይጀሪያዊ ምስክርነት ከም ዝሃበን፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ድሕሪ ወራር በዓል ልደት ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ምኽንያት ግብረ-ሽበራውያን ሕነ ኺፈድዩ ኸም ዚኽእሉ ዚጭነቑ ክርስትያናት ሓያሎ ሓሳባት ኣኪቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዘጋጠመ ዓመጽ እውን እቲ ትካል ጸብጸበ ከም ዘቕረበን፡ ካብዚኣቶም 14 ግዳያት ዕለት 29 ታሕሳስ ኣብ ግዝኣት ኣዳማዋ ብኣውራጃ እስላማዊ መንግስቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ISWAP) ከምኡ'ውን ዕለት 4 ጥሪ ኣብ ዴማ ግዝኣት ኒጀር ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ሰባት ብዝፈጸመዎ ግብረ ሽበራ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ዝተቐትሉ ዝጠቕስ ምዃኑ ናኒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ የመላኽት።