ጊኒ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ንዜጋታት - ዜግነታዊ ሓላፍነት ሓቆፍ ብዝብል ጻውዒት ትዛዝም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ናይ ጊኒ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 27 ታሕሳስ ኣብ ኮናክሪ ብሊቀ ጳጳሳት ቪንሰንት ኩሊባሊ ዝተመርሐ ከም ዝነበረን እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ መቓብር ሊቀ ጳጳሳት ሬይሞንድ - ማሪ ትቺዲምቦ ካብ ደቀባት ጊኒ ናይ መጀመርታ ሊቀ ጳጳሳት ኮናክሪ ብዝተኻየደ ኣስተንትኖ ዝተበገሰ ከም ዝኾነን እዚ ድማ እቲ ንኹሉ ክርስትያን እቲ እንነብሮ ተስፋ ኣብ ምስክርነት ናይቶም ቅድሜና ዝሓለፉ ዝተሰረተ ምዃኑ የዘኻኽረና እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ኩሊባሊ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስፔስ ኖን ኮንፉንዲት።
ኣብ ብምሉኡ እቲ Spes non confundit - ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል ቃል እተመርሐ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ኣብ ኣልባብ ኵሎም ምእመናን ጊኒ ተንጸባሪቑ እዩ - እቲ ኣብታ ሃገር ቆይሙ ዝነበረ ብዛዕባ ዓመተ ኢዮበል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝሓልይ ግዝያዊ ሽማግለ ብግዲኡ መልእኽቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ናብ ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳት እታ ሃገር ክበጽሕ ከም ዝገበረን፡ እቲ ናይ መዕጸዊ ስነ - ስርዓት ካብ ቤት ጸሎት ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዘፓዶዋ ናብቲ ኣብ ቦፋ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዝተኻየደ ዑደት ዘጠቓልል ከም ዝነበረን ሊቀ ጳጳሳት ኩሊባሊ ኣብ 2024 ቅዱስ ኣፍደገ ብምኽፋት ዝተበገሰን ዕለት 27 ታሕሳስ ብምዕጻው ዝፍጸም ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ክርስቲያን ብዝበለጸ ተኣማንነት ኪምስክሩ ናብ ዓለም ከም ዝለኣኹ ዘረጋግጽ እዩ። ጊኒ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025. ክትዛዝም እንኮላ ቤተ - ክርስትያን ኣብ ጊኒ ሰላምን ምክብባርን ምኽባር ሕግን ስርዓትን ክህሉ ትጽውዕ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ቐጺሉ ዝካየድ ዓብዪ ፍጻመ ቤተ - ክርስትያን ጊኒ ካብ ዕለት 8 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ዅለን ሰበኻታት ዝጅምር ወንጌል ኣብ ጊኒ ዝበጸሓሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ድማ ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞ እታ ሃገር ኣገዳሲ ፍጻመ ምዃኑ የመላኽት።