ድለ

በዓቲ ልደት ቤትልሔም በዓቲ ልደት ቤትልሔም 

ምሕዳስ ህንጻ ናይ ቤትልሔም በዓቲ ልደት 'ምልክት ተስፋን ሓድነትን'

ናይ ግሪኻዊ ኦርቶዶክስ መንበረ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌምን ናይ ቅድስቲ መንበር ኣቓቤ ውርሻታት ቅድስቲ መሬትን፡ ነቲ ይጐታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተወልደሉ በዓቲ ቤትልሔም ንምሕዳስ ስራሕ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጦም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ከተማ ቤትልሔም ኣብ ውሽጢ 600 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ፡ ንበዓቲ ልደት ናይ ምሕዳስ ስራሕ ንምጅማር ኵሉ ነገር ተሰናድዩ ኣሎ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ብናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ መንበረ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌምን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣቃቤ ውርሻታት ቅድስቲ መሬትን ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ ኢዩ። በቲ ናይ ኣርመንያ ኦርቶዶክሳዊት ሓዋርያዊት ቤተክርስትያን መንበረ ፓትርያርክ ዝግበር ዘሎ ምትሕብባርን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ርእሰ ብሔር መንግስቲ ፍልስጤም ዝካየድ ዘሎ ተበግሶን ከኣ ሓጐሶም ገሊጾም።

ርእሰ ብሔር መንግስቲ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 ናብ ሮማ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባን፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ "ዳግም ልደት ቤትልሔም" ዘርእስቱ ስእላዊ ምርኢትን፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ምሕዳስ ስራሕ ከም ዝጠቐሰ ዝዝከር ኢዩ። ከምኡውን ነቲ ክርስቶስ እተወልደሉ ቦታ ምሕዳስ፡ "ምልክት ዓቢይ ተስፋን፡ ዳግመ ልደት ናይ መላእ ቅድስቲ መሬትን" ምዃኑ ገሊጹ።

ስለዚ ምስቲ ድሮ ኣብ 2024 ብዛዕባ ምሕዳስ እቲ ቦታ ዝወጸ ኣዋጅ እዚ ርእሰ ብሔርን፡ ከምኡውን ነቲ ቅዱሳት ቦታታት ዝቈጻጸር ታሪኻዊ ኵነታትን ብምስምማዕ፡ እቲ ብኹለን እተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ብኽብሪ ዝርአ በዓቲ፡ ኣብ መወዳእታኡ ዘድልዮ ክንክን ክረክብ ኢዩ።

እቲ ስራሕ ንናይ ኢጣልያ ኩባንያ ብሕድሪ ተዋሂቡ

እዚ ስራሕ እዚ፡ ብመሰረት ናይቲ ዓብዪን ጥንቃቐ ዝመልኦን ናይ ምሕዳስ ውጥን፡ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ንቤተ ክርስትያን ደብረ ልደት ዝሓደሰ፡ ኣብ ፕራቶ ብዝርከብ ኢጣልያዊ ኩባንያ ክካየድ ኢዩ።

እዚ ምርጫ ከኣ፡ ኣብ ሓደ መወዳድርቲ ዘይብሉ ቅዱስ ክብሪ ዘለዎ ቦታ፡ ቀጻሊ ዝኾነ ጽፉፍ ልምድን፡ ኢደ-ጥበብን፡ ስነ-ጥበባዊ ተነቃፊነትን ኣድላዪ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምርግጋጽ እተገብረ እዩ። ብመሰረት መርበብ ሓቤረታ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣቃቢ ውርሻታት ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ኣፈናዊ ምድላዋት ተወዲኡ፡ ስራሕ ድማ ኪጅመር ቀሪቡ ኣሎ።

እዚ ውጥን እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብቲ በዓቲ ዝግበር ሕዳሴ፡ ማለት ኣብቲ ጥራዩ ዝነበረ ከውሕን፡ ብእምነ በረድ እተሰርሐ ባይታን፡ ኣዕኑድን፡ ስልማትን፡ ከምኡውን ነቲ ኢየሱስ እተወልደሉ ቦታ ዘመልክት ኮዀብን፡ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ክፋላትን፡ ተክኒካዊ ምትዕርራይ ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ሥነ-ህንጻዊ ሓድነት እቲ መቕደስን፡ ምእንቲ ኵሎም ደቂ ሰባት ንዚዕቅቦ ናይ ምትሕብባር መንፈስን ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ዳግመ ሕዳሴ እዚ ህንጻ እዚ ነቶም ኣብዚ ኣገዳሲ ውጥን ዝሳተፉ ብዙሓት ኣካላት፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ (ኣብ ዳግመ ምሕዳስ ህንጻ ዝሰልጠኑ) ስድራቤታት ሰራሕተኛታት ውን ደገፍ ክህቦም ኢዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ቍጠባዊ መዳይ ቤትልሔም ጽልዋ ክህልዎ ኢዩ።

ቍጠባዊ ኵነታት ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭትን፡ ምምጻእ ነጋድያን ምቍራጹን ኣጸጋሚ ኢዩ ዘሎ። ሕጂ ግን ከም “ካልኣይ ክፋል" ናይቲ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘውጽኦ መደብ ሰላም እና ቀጸለ ከሎ፡  ቀስ ብቐስ ይጅምር ኣሎ።

ኣብ ናይ ሓድነት ምልክት

ከም ምልክት ዳግመ ልደት ከም ምዃኑ መጠን፣ እዚ ስራሕ እዚ ኣብ መንጎ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ክርስትያንን፡ ማኅበር ፍራንቸስካውያን ኣቀብቲ እቲ በዓቲን ብምትሕብባር ኢዩ ዝካየድ ዘሎ፤  እዚ ከኣ ናይ ሓድነት ክርስትያን ሓያል ተበግሶ ኮይኑ ይርከብ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፣ "እዚ ውጥን” እዚ፡ ንመንፈሳውን፡ ታሪኻውን፡ ባህላውን ውርሻ እዚ ቅዱስ በዓቲ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ንምዕቃብን፡ ከምኡውን እቲ ክርስትያናዊ ስብከተ ወንጌል ዚርአ ቅርጺ ዝርከበሉን፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብመንፈሳዊ ንግደት ዝበጽሕዎን ቦታ ንምዕቃብን፡ ሓድነት ዘለዎ ክርስትያናዊ ተወፋይነት ዜጠቓልል እዩ" ይብል።

ቀጺሉ እቲ መግለጺ፡ "እቲ በዓቲ፡ ምስጢረ ሥጋዌ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዝኣተወሉን፡ ክርስትያናዊ ምስክርነት ድማ ምድራዊ ጕዕዞኡ ዝጀመረሉን ኢዩ። ነዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ዳግም ምሕዳስ ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ልደት፡ ናይ እምነት ቀጻልነትን፡ ተዘክሮን፡ መንፈሳውነትን ንምሕላው ኢዩ" ይብል።

"በዚ ሓባራዊ ጻዕሪ እዚ፡ ኣብያተ ክርስትያን ኢየሩሳሌም፡ ነቲ ብሕድሪ እተዋህበን ውርሻ ቅዱስ ወንጌል ይዕቍባን፡ ንምእመናን ናይ ኵሎም ትውፊታት ከኣ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቦታ ብዓቢይ መንፈሳውነት ከም ዜኽብርዎን ይገብር። ካብ ቤትልሔም ብርሃን ልደት ንመላእ ዓለም ብቀጻሊ የብርሆ ኣሎ፤ እዚ ድማ ምስክርነት ናይቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ነባሪ ናይ ክርስትያን ህላዌን፡ ካብቲ መድሓኒ እተወልደሉ ቕዱስ በዓቲ ዚወጽእ ተስፋን ኢዩ።"

27 Jan 2026, 11:43