ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CCEE)፡ ሓድነት ክርስቲያን ከም መጋበርያ ሰላም ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CCEE)፡ ሓድነት ክርስቲያን ከም መጋበርያ ሰላም 

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CCEE)፡ ሓድነት ክርስቲያን ከም መጋበርያ ሰላም

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ኣበ መናብርት ጉባኤ ጳጳሳት ዝሓቁፍ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CCEE) ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት እታ ኣህጉር ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ሰላም ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገብር ፍሉይ መዓልቲ ክህልዎ ይዕድም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ጻውዒት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ኣበ መናብርት ጉባኤ ጳጳሳት ዝሓቁፍ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CCEE) ኣቦ መንበር ጳጳስ ጂንትራስ ግሩሻስ እቲ ዕለት 5 ሕዳር 2025 ዓ.ም. እተመሓየሸ ዝተኸተመ ኤቍመናዊ ሰነድ ኣብ ግምት ብምእታው ዘቕረብዎ ኮይኑ፡ በዚ ምልክት እዚ ድማ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ምዕራፍ ኣቀባብላ ናይቲ ሰነድ ብወግዒ ይኽፈት።

ሊቀ ጳጳሳት ግሩሻስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ጸሎት ነፍሲ ናይ ብምሉኡ ኤቍመናዊ ምንቅስቓስ (UR, 8) ኰይኑ ይቕጽል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ቅነ ጸሎት ንክርስትያናዊ ሓድነት ሓያል መግለጺ ይረክብ፣” ሎሚ ኣብ መንጎ እቶም ብክርስቶስ እተጠምቁ ሰባት ዘሎ ሓድነት ንመላእ ዓለም ሓያል መጋበርያ ሰላም እዩ ዜመልክት።

እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ኦለት 22 ሚያዝያ 2001 ኣብ ስትራስበርግ እተኸተመ ናይ መጀመርታ ኤቍመናዊ ሰነድ መበል 25 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ዝቐረበ እውን ኮይኑ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብያተ - ክርስትያን ኣብ መንጎ ክርስትያን ሓድነት ምእንቲ ኺዓቢ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናትን ናይ ዕርቂ ማይ ብሑቝ ምእንቲ ኪኸውን ኣብያተ ክርስትያን ሓባራዊ ጻውዒት ጸሎት ብሓይሊ ከሐድሳ ተጸዊዐን ኣለዋ።" እዚ ናይ ሓባር ጸሎትን ተቐባልነት ናይቲ ዝተመሓየሸ ኤቍመናዊ ሰነድ" ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ኣበ መናብርት ጉባኤ ጳጳሳት ዝሓቁፍ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CCEE) ኣቦ መንበር ጳጳስ ጂንትራስ ግሩሻስ "ንኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ኤውሮጳን ሓላውቲ ቅዱሳን ኤውሮጳን ኣወኪፎም መልእኽቶም ይዛዝሙ።

እቲ ዝተመሓየሸ ኤቍመናዊ ሰነድ ኣብ ኤቍመናዊ ጉዕዞ ኣብያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ርኡይ ምዕራፍ ዝውክል እዩ። ድሕሪ 25 ዓመት እቲ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ሰነድ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን እታ ኣህጉር ዘተን ምትሕብባርን ሓባራዊ ምስክርነትን ንምድንፋዕ ኣገዳሲ መወከሲ ነጥቢ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ኤቍመናዊ ሰነድ ንምምሕያሽ ዝተኻየደ ዕዮ ሓባራዊ ሽማግለ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ኣበ መናብርት ጉባኤ ጳጳሳት ዝሓቁፍ ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CCEE)ን ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳን (CEC) ብዘቖሞ ናይ ስራሕ ጉጅለ ዝተኻየደ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሕጂ ኣብያተ ክርስቲያን ነቲ ኤቍመናዊ ሰነድ ብዕምቆትን ፍርያምን ኣገባብ ክቕበኦን፣ እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ቤተ ክርስቲያናውን ማሕበራውን ኵነታት ንሓባራዊ ጸሎትን ኤቍመናዊ ዘተን ምቛምን ሓባራዊ ምስክርነትን ዳግማይ ተወፋይነት ይትርጎም።

15 Jan 2026, 15:51