ጳጳሳት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሰላም ምሾት ኣይኮነን፤ መጻኢ ኣብ ዘተ ክንሃንጾ ኣሎና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ፍትሒ፣ ፖለቲካዊ ሓላፍነትን ምንጻግ ኩሉ ዓይነት ዓመጽን ዝተመስረተ ሰላም ክህሉ ዝቐረበ ሓያል ጻውዒት ካብ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሪፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ’ቲ ዕለት 28 ታሕሳስ ዝተኻየደ ምርጫ ንርእሰ ብሔር ፋውስቲን - ኣርቻንጅ ቶዋደራ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዜ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ኮይኑ፡ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ቱዋደራ ድሕሪ እቲ ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ረፈረንደም ዝጸደቐ ቅዋማዊ ምምሕያሽ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፡ እዚ ምምሕያሽ ክልተ ተኸታተልቲ ተመራጺ ምዃን ዝብል ውሳነ ኣወጊዱ፡ ዕድመ ስልጣን ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ ዓመት ብምንዋሕ፡ ናይ ርእሰ ብሔር ባህሪ ፖለቲካውን መንግስታዊ ተቕዋማትን ስርዓት ኣደልዲሉ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ንፈለማ እዋን ግን እቲ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ምስቲ ንናይ ዞባታት ኣመሓደርቲ ንምምራጽ ዝግበር መደብ ምርጫ ብሓደ ክጣመር ከም ዝገበረን እዚ ድማ ምምሕዳራት ከባቢ ንኣስታት 40 ዓመታት ከምዘይተመርጹን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ታሪኻዊ ምዕባለ ምዃኑ ይንገር።
ሰላም ኲናት ዘይምህላው ኣይኮነን
ተቓወምቲ ምትላልን ምዕፋን ተቓውሞታት ከም ዝኾነኑን መንግስቲ እታ ሃገር ንምህዳእ ዝዓለመ ምስ ገለ ዕጡቓት ጉጅለታት ዕጥቆም ንኽፈትሑ ይዘራረብ እውን ከም ዘሎን ይኹን እምበር፡ ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ንጥፈታቶም ክገድፉ ዝድርኽ ቁጠባዊ ጸጋታት ብዘይምህላዉ ናይ ዘተ ምዕባሌታት ግዜ ዝወስድ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝንገር። ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣንጻር ብተልእኾ ሕቡራት ሃገራት (MINUSCA) ምስ ዝሕገዙ ሃገራዊ ዕጡቕ ሓይልታት (FACA) ቃልሲ ዘካይዱ ከም ዝኾኑ እንክፍለጥ፡ ኣብዚ ብቐጻሊ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ውሽጣውን ግዳማውን ተመዛበልትን ዝተጋደደ ተኣፋፍን ዘይርጉእን ኩነታት፡ ጳጳሳት እታ ሃገር፡ ዕለት 11 ጥሪ ኣብ መወዳእታ መደበይና ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ፡ “ንቤተ ክርስቲያን - ስድራቤት እግዚኣብሔር" ከምኡ'ውን ንኹሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ "ክብሪ እግዚኣብሄር ሰላም እዩ" ብምባል ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ እዚ ድማ ሰላም ናብቲ ቀሊል ዘይምህላው ኲናትን ግጭትን ክወርድ ከምዘይክእል ኣስተብሂሎም፡ "ብስለት ህዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ" ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እዚ ህዝቢ ብሰላም ኣብቲ ድምጺ ዝተሳተፈን መስርሕ ምርጫ ዝከታተልን፣ ኣብ ገለ ናቑጣታት ምርጫ ከይተረፈ ዝተራእዩ ዝበሀል ዘይስሩዕ ተግባራት ዘቃልዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብልሽውና፡ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ዘይተሓታትነን፡ ጸላእቲ ሰላም እያቶም
ምልክት፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዜግነታዊ ስምዒት፡ ክዕቀብን ክድልድልን ናብ መጻኢ ወለዶታት ክምዝመሓላለፍ ድማ ኣጒሊሖም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ሰላም ነታ ንዓመታት ብዝጸንሐ ዓመጽ፡ ምዝንባል፡ ድኽነትን መንነታዊ ምፍልላይን ዝተለለየት ሃገር "ዓሚቕ ባህጊ" ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኣዘኻኺሮም፡ "ሰላም ምሾት ዘይኮነስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዘይምንዛዕ መሰልን ነቶም ዘመሓድሩ ግቡእን እዩ" እንክብሉ ጳጳሳት ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ መልእኽቶም ኣስሚሮም፣ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም፣ ብልሽውና፣ ወገናውነት ዘይተሓታትነትን "ጸላእቲ ሰላም" እንክብሉ ብንጹር ኮኒኖም፡ ብዘይ ጽኑዕን ተኣማንነትን ግሉጽን ትካላት፡ "ዝኾነ ሓቀይና ምዕባለ ክረጋገጽ ኣይክእልን" ብምባል ኣጠንቂቖም፡ ኣብቲ ድሕሪ ምርጫ ዘሎ ተነቃፊ እዋን፡ ኩሉ ሰብ ንፖለቲካዊ ምርጫታት ካልኦት ከኽብር ተላብዮም፡ "ፖለቲካዊ ተጻባኢ ጸላኢ ኣይኮነን። መጻኢ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘተን ሕውነትን ሓባራዊ ረብሓን እምበር፡ ኣብ ጽልእን ዓመጽን ክህነጽ ከምዘይክእል ኣተሓሳሲቦም። ኣብ መወዳእታ እውን ኵለን ሃይማኖታት ጸሎትን ኤቁመናውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘተን ከም ሓቀይና መንገዲ ዕርቅን ሰላምን ከሐይሉ” ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።