ድለ

ሕብረት ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ጉባኤ ጳጳሳት ምስ ቤተ ክርስቲያን ቬንዙዌላ ሕብረት ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ጉባኤ ጳጳሳት ምስ ቤተ ክርስቲያን ቬንዙዌላ  

ሕብረት ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ጉባኤ ጳጳሳት ምስ ቤተ ክርስቲያን ቬንዙዌላ

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኤጲስቆጶሳዊ (CELAM) ባይቶ ንሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ህዝቢ ቬንዙዌላን ዘለዎ ቅርበት፡ ኣብቲ ዘውጸኦ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣረጋጊጹ፡ እዚ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑን ንኹሉ ክብሪ ዘለዎ መጻኢ ንምህናጽን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተወፋይነቱ ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን መግለጺ ኤጲስቆጶሳዊ ባይቶ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ክብረ በዓል ኣስተርዮ ኤጲስቆጶሳዊ ባይቶ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (CELAM) ንቤተ ክርስቲያንን ንህዝቢ ቬነዝዌላን ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቅርበትን ተስፋን መልእኽቲ፡ ክርስትያናዊ ተስፋን ተወፋይነትን ንመጻኢ ሰላምን ዕርቅን ኣቃሊሑ። እቲ ብኣባላት ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ኣበ መናብርት ዝተኸተመ መልእኽቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ፡ ነቲ ከቢድ ጸጋማት ዝገጥም ዘሎ ህብዚ ቬነዝዌላ ቀረባ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ጸገሙ ተኻፋሊ ምዃኑ እውን ብምርግጋጽ፡ ኣብ ህሞት ጸልማት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኣብ ዝኸይድ ኣምላኽ ዳግማይ እምነት ክህሉ እውን ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እግዚኣብሄር ንህዝቢ ቀረባ እዩ

“ኣብዚ እዋን’ዚ ክብረ በዓል ኣስተርእዮ ምብዓል ማለት፡ ኣብቲ ንህዝቢ ዝቐርብ፡ ምስኦም ዝጓዓዝ፡ ንለይቲ ዘብርህ፡ ዋላ’ውን ኩሉ ዘይርጉጽ ኣብ ዝመስለሉ እዋን ሓድሽ መንገዲ ዘርህው ኣምላኽ እምነትና ምሕዳስ ማለት’ዩ” እንክብል እቲ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጉባኤ ጳጳሳት ኣበ መናብርት ዝሓቁፍ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ኣብቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቬነዝዌላ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ፡ በዓል ኣስተርእዮ ነቲ ክርስቶስ ንዓለም ዘምጽኦ ብርሃን፡ “ሓደ እኳ ከጥፍኦ ዘይደሊ” ብርሃን ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ዘዘኻኽረናን ዘረጋግጸልናን ምዃኑ ኣብሪሁ፡ ንኣዴና ቅድስቲ ድንግልማርያም ዘኮሮሞቶ ሓላዊትን ጠበቓን ሃገረ ቬነዝዌላ ብፍሉይ ብምትኳር፡ ንህዝቢ ቬንዙዌላ ሰላምን ሓድነትን ክጽገው ከተማልድ ተመሕጺኑ፡ “እዚ ግዜን እዚ ጉዕዞን ንፍቕራዊ ኣማላድነት ኣደ ህዝቢ ቬንዙዌላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኮሮሞቶ ኣሕሊፍና ንህብ - ቢሉ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 4 ጥሪ 2026 ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ሃገርን ህዝብን ቬነዝዌላ ዘቕረብዎ ጸሎት ተወኪሶም ዓመጽ ምብዳህ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባርን ንማሕበራዊ ፍትሒ ምውፋይን ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።

ናይ ሓድነትን ዕርቅን ጻውዒት

ኣብ ውሽጢ ምፍልላይን ውሽጣዊ ወጥርን፡ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ንሃገራዊ ዕርቂ ንጹር ጻውዒት የቕርብ። “ቤተ ክርስቲያን ክፍቲ ቤት፡ ንመራኸቢ ቦታን ኣብ መንጎ ጸገማት እውን እንተኾነ ተስፋ ዘተባብዕ ርጉእ ድምጺ ክትከውን እያ ተጸዊዓ። በይንኹም ከምዘይኮንኩም ደጊምና ከነረጋግጽ ንደሊ። ምሳኹም ምስ ኩሉ ህዝቢ ቬንዙዌላ ትጓዓዝ፡ እዚ ድማ ንማንም ዘይንጽል ዘራኽብ ድልድል ንምህናጽ፡ ቁስሊ ንምፍዋስን ዕርቂ ንምድንፋዕን ኩሉ ጻዕሪ የተባብዕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ ንኹሎም ቬነዙዌላውያን ክቡር መጻኢ ንምህናጽ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ብምግላጽ ሓድነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ናብ መጻኢ ሰላም ንምስጓም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጒሊሑ፡ “ብሓባር ምጉዓዝን ብኣኽብሮት ንሓድሕድካ ምስማዕን ናይ ሓባር ረብሓ ምድላይን ሎሚ ጐይታ ዝሓስበልና መንገዲ ምዃኑ ኣጽኒዕና ንኣምን” እንክብል ብምርግጋጽ፡ “ሓቂ፡ ፍትሒ፡ ምሕረትን ሓልዮትን ኣብ ዘለዎ ቦታ፡ እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተፈጸመ ትስብእቲ ከም ብሓድሽ ይግለጽ፡ እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ቤተልሔም ዝገለጾ ከም ብሓድሽ ይግለጽ” ብምባል፡ እቲ ማሕበረሰብ ገዛእ ርእሱ ንኣማላድነት ናይቶም ዕለት 19 ጥቅምቲ 2025 ቤተ ክስቲያን ቅዱስና ዝኣወጀትሎም ቀዳሞት ቅዱሳን ቬንዙዌላ መብራህቲ ተስፋ ኣብታ ሃገር ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ  ዶክተር ቅዱስ ጆሴ ግሪጎርዮ ሄርናንደዝን ኣናቴ ቅድስቲ ካርመን ረንዲለስን ብሓላፍነት ክህብ ዓዲሙ መልእኽቱ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ።

08 Jan 2026, 16:22