ድለ

ካርዲናል ኣምቦንጎ : ሰላም ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ኣፍሪቃውያን እዩ ካርዲናል ኣምቦንጎ : ሰላም ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ኣፍሪቃውያን እዩ  (@VATICAN MEDIA)

ካርዲናል ኣምቦንጎ : ሰላም ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ኣፍሪቃውያን እዩ

ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት (SCEAM) ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣብምቦንጎ ኣብ 2025 ንህይወት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመልክቱ ፍጻሜታትን ህሉው ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት እታ ኣህጉር ዳግማይ ብምድህሳስ፡ ኣፍሪቃ ብጃካ ብናይ ደቃ ምልዋጥን ንሓቅን ፍትሕን ማዕርነትን ዘለዎም ተወፋይነትን ናብ ሓቀይና ሰላም ክትበጽሕ ከም ዘይትኽእል የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

2025 ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ክርስትያን እቲ ንህይወት ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ምልክት ሓዲጉ ዝሓለፈ ብዙሕ ፍጻመታት ኣቢላ ትቕጽል እዚ ድማ እቲ ዕለት 6 ጥሪ 2026 ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ ብወግዒ ዝዕጾ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025፡ ከምኡውን ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪኡ ድማ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እንክብሉ ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት (SCEAM) ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣብምቦንጎ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብምምልካት፡ ብዛዕባ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 እንከስተንትኑ "ንመላእ ኵላዊት ቤተ - ክርስትያን Kairos - ዕድል" እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ፍጻመታት ብብዙሕ ግጭታትን ዕልዋ መንግስቲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይጀርያ ዝፍጸም ዘሰንብድ ጭውያ ቅትለትን ክርስትያናትን ዝረአ ምዃኑ ብምምልካት ጓሂኦም ይገልጹ።

ኣብ ወጋሕታ ሓድሽ ዓመት ንኣፍሪቃን ንዓለምን እንታይ ጽቡቕ ትምኒት ኣለኩም? ክርስቶስ መስፍን ሰላም ኣብ መዓልቲ ልደት ናብ ዓለም ብምምጻኡ ሰላሙን ዝሓሸት ዓለም ከም ዝከኣል ምዃኑ ርግጸይናነት ይሃበና። ስለዚ ንኹሎም ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ደቂ እግዚኣብሔር ስኒትን ሰላማውን መጻኢ ክህልዎም ሰናይ ትምኒተይ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዕለት 25 ታሕሳስ 2025 ናብ መላእ ዓለም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ልደት ብኸመይ ትርእይዎ? ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭትን ዓመጽን ደው ክብል ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ጻውዒት ሰላም ዘቕርብ እዩ። ኩላትና ከም እንፈልጦ 2025 ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ብዓሚቕ ዓመጽ ዝተለለየ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሃገራትና ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭታት ዝረኣየለን፡ ሰላም ክረጋገጽ ዝጽውዕ እዩ። ኣዚ ድማ ብሓቂ የጸናንዓና።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም "ኩሉ ሰብ ኣብ ክንዲ ንኻልኦት ዝኸስስ መጀመርታ ናይ ገዛእ ርእሱ ጌጋ ኣሚኑ ንእግዚኣብሄር ይቕሬታ እንተዝልምኖን ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ኣብ ክንዲ እቶም ዝሳቐዩን ምስ ዝደኸሙን ውጹዓትን ምትሕግጋዝ እንተዘርእዩ ዓለም ምተቐየረት" እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም እዮም።

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኩሉ ሰብ ሕልና እዮም ዝዛረቡ፡ ንሕልና ሰብ: ግን ከኣ ንሕልና ክርስትያን እውን። ነፍሲ ወከፍና ብደረጃና ኣብዚ ጻዕሪ ሰላም ዓለም ናይ ገዛእ ርእስና ሓላፍነት ክንፈልጥ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሕልናናን ንነብስና ክንሓትት እንተንኽእል ንሓጺር እዋን እንታይ ከም ዝኸውን ንሕሰብ፡ ካብዚ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ግርጭታት ምረሓቕና ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ዘሕዝን ግን ዓለምና ‘ብነብሰ ፍትወት፡ ንዓይነትን’ ከምኡ'ውን ብናይ ካልኦት ስቓይ ዘይምስምማዕ ትዕብለል ምህላዋ እዩ። እብ ቅድሚ ነቶም ዝደኸሙ ክጭፍልቑ ዓቕሚ ዘለዎም ሓያላት ሰባት ኢና ንርከብ ዘሎና።

"ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን! ናብ ዘይተዓጥቀን ዕጥቅን ዘፍትሕ ሰላም" ዝብል ኣርእስቲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 59 ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም እዩ። ኣባኹም እንታይ የነቓቕሕ? ኣብ መርገጺ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ስነ - መጐት፡ ጥምረትን ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ነዚ ፍሉይነት "ኣጽዋር ዝፈትሐን ዘፍታሕን" ሰላም ኣበርቲዖም የገልግሉ። እዚ ድማ ሓቀይና ሰላም ብብረት ከም ዘይህነጽን ከም ዘይድልድልን ዘረጋግጽ እዩ። ሓቀይና ሰላም ብዘተ፣ ብስኒት ሓባራዊ ምንባር ዝረጋገጽ መስርሕ እዩ። እዚ ሰላም እዚ ድማ "ኣጽዋር ምፍታሕ" ክኸውን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ እቲ ሕጂ ዘሎ ስነ - መጎት ዓለምና ሰላም ምድላይ ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን ግን እዞም ሓያላት ሰባት፡ ሳዕቤኑ ኣብ ግምት ከየእተዉ፡ "ሰላም ዝደሊ ንውግእ ክዳሎ ኣለዎ" ዝብል ጭርሖ ይስዕቡ ምህላዎም እዩ። ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን ልክዕ ብኣንጻሩ እዩ፡ ሰላም ዝደሊ ንሰላም ይዳሎ፡ ክደልዮን ክሃንጾን ቃል ይእቶ። እዚ ብውግእ ኣቢልካ ሰላም ምድላይ ዝብል ስነ-መጐት ሎሚ ኣብ ዓለም ሰፊኑ ምህላዉ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።

ብናትኩም ኣረኣእያ እዚ ቅዱስ ዓመት ንባዕላ ቤተ ክርስቲያንን ንሕዝበ እግዚኣብሔርን እንታይ ትርጉም ነይርዎ? ብርግጽ ንኹሎም ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ጉጅለታት ብዛዕባ ተስፋ ከስተንትኑን ብኵላውነት ደረጃ ዝተባበዕ ናይ መጀመርያ ኢዮቤል እዩ ነይሩ። ካብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነጋድያን ብቅዱሳን ኣፍደገታት ዘልኣለማዊት ከተማ ሮማ ሓሊፎም። ንዓይ ኢዮቤል 2025 ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ነዚ ፍሉይ ዓመት ብደረጃ ኣህጉርን ሃገረ ስብከትን ቁምስናታትን ኣኽቢርናዮን፡ ምስቲ ኣብ ሮማ ዝተዳለወ መደብ ኣመዓራሪናዮ። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ኢዮቤል እዚ ስለ እቲ ዓቢ መንፈሳዊ ህያብ ዝኾነ ኢዮቤልን እግዚኣብሔር ከመስግኖ ይደሊ። ንዝኽሪ እቶም ዕለት 24 ታሕሳስ 2024 ኣብ ሮማ ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽፋት ብወግዒ ዝመረቑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከብዕል ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ። ብተወሳኺ ነቶም ድሕሪ ምሕራዮም ነቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ዝጀመርዎ ጕዕዞ ንምቕጻልን ንምዝዛምን በትረ ኖላዊ ዝሓዙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ምስጋናይ ከቕርብ እደሊ።
ከም ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት (SCEAM) ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ዕለት 6 ጥሪ 2026 ብኽብሪ ምዕጻው ኢዮቤል፡ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ኣፍሪቃን ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃን እንታይ እዩ መልእኽትኹም? ካብ ማሕበረ - ቤተ ክርስቲያናዊ ክውንነት ኣፍሪቃ ጀሚርና፡ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣህጉርና ብግርጭታት፡ ዓመጽ፡ ጥምየትን ካልእ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን፡ ከምኡ እውን ብድኽነትን መከራትን ዝተታሕዘ ምዃኑ ነስተብህል። ብተወሳኺ ልክዕ ድኽነትን መከራን እዩ ንብዙሓት መንእሰያትና ነታ ኣህጉር ገዲፎም ነቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ገነት እዩ ኢሎም ዝኣምኑሉ ክደልዩ ዝድርኾም። እዚ ናይ ምውጻእ ድሌት እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጥም መዓት ክውዳእ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ኣብ መዛዘሚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ንኹሎም ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣህጉርና ዝሓሸ መጻኢ ከም ዝከኣል ከዘኻኽር እፈቱ። ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን፤ ኣብ መጻኢና ናይ ምቕያርን ምምሕያሽን ዓቕምና እምነት ይሃልወና። ኩሉ ኣብ ኣፍሪቃውያን ባዕሎም እዩ ዝምርኮስ: ኣነ "እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳና ኣላ" ምበልኩ። ሓደ መዓልቲ ኣፍሪቃና ካብዚ ኩሉ ግርጭታት ሓራ ክትወጽእ እያ ዝብል እምነት ንሓዝ። ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዝረኸብናዮ ጸጋታት የሐይለና፡ መጻኢና መጻኢ ኣህጉርና ንምልዋጥ ንቕድሚት ክንስጉም ሓይሊ ይሃበና። ልዕሊ ኩሉ ድማ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝደለይዎ ኣብ ተስፋ ንጽናዕ።

ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንታይ ተዘክሮታት ኣለኩም? ኣብ 2019 ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ናይ ምዃን ሓለፋ ረኺበ ኢየ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት እውን ኣባል ቤት ምኽሪ ትሽዓተ ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ (C9) ክኸውን ዝሓረዩኒ እዮም። በዚ መዳይ እዚ ናብኦም ንኽቐርብን ክፈልጦምን ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስኦም ብቐረባ ኽዓዪን ኣጋጣሚ ረኺበ እየ። ብዛዕባኦም ዘሎኒ እቲ ዝሓየለ ተዘክሮ ብዛዕባ ሓደ ምስ ህዝቡ ብኸመይ ከም ዚሳቐ ዚፈልጥ ዓብዪ ጓሳ እዩ። ንህዝቡ ብፍላይ ከኣ ንድኻታት እንታይ ከም ዚስምዖም ኪዛረብን ኪገልጽን ትብዓት ዝነበሮ ሰብኣይ እዩ ነይሩ ። እቲ ናይ መጀመርታ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ናብ ላምፔዱሳ ናብ ዝነበሩ ስደተይናታት ምብጻሕ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብተወሳኺ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ንድኻታትን ጽጉማትን ንእተገለሉን ዝነበሮ ፍቕሪ ዘይርሳዕ እየ። ንድኻታት ዚጣበቝ ሰብ እዮም ነይሮም።

ብዛዕባ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ኣፍሪቃን እንታይ ምበልኩም? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ 2015ን 2023ን ዓሰርተ ሃገራት ብምብጻሕ ሓሙሽተ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ኣብ ኣፍሪቃ እዮም ዘካየድዎ። ንዓይ እቲ ዝዓበየ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣፍሪቃ ክትርስዖ ዘይከኣላ ዝኽሪ፡ ብርግጽ ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንሓያላት ዓለም ዘቕረብዎ ሓያል መልእኽቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ እቲ ኣህጉር ሎሚ ዘጋጥማ ዘሎ ድኽነት፡ "ኣእዳውኩም ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣውጽኡ፡ ኣእዳውኩም ኣልዕሉ። ንኣፍሪቃ ምሕናቃቕ ደው ኣብልዎ።" ሎሚ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሓይልታት እዛ ዓለም እዚኣ ኺምዝምዝወን ደሓር ክጥንጥንወን ክኾና ዝኽእላ መዐደኒ ወርቂ እየን" ዝብል ብዓብይ ድምጺ ዘስምዕዎ ቃል ኣፍሪቃ ካብኡ ሓሊፉ እውን ዓለም ክትርስዖ ዘይትኽእል ተዘክሮ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ መልእኽቶም እውን? እንታይ ትብሉ? እዚ ጻውዒት ንኹላትና ከም ኣፍሪቃውያን እውን ናባና ዘቐንዐ ምዃኑ ንጹር እዩ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንኣፍሪቃና ከነፍቅራን ከነኽብራን ይግባእ። ኩሉ ሰብ ክኽበር ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ኣለና። ካብኡ ንላዕሊ ድማ ካብ ኩሎም ክዘምቱና ዝመጹ፡ ባዶ ክትርፉናን፡ ድሕሪኡ ክገድፉናን ዝመጹ ከመይ ጌርና ከም እንከላኸለላ ክንፈልጥ ኣሎና። እዚ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝመጸ መልእኽቲ እዋናዊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንሕና ኣፍሪቃውያን ገና እቲ ኩሉ ሳዕቤን ኣነጺርና ኣይሰኣልናዮን፣ ስለዚ እቲ ስእሉ ክህልወና ይግባእ፡ ከምኡ ክንገብር ድማ ኣለና፣ ምኽንያቱ እቲ ግዜ በጺሑ እዩ።

ፍራንቸስኮ ሓቀይና ተሓላቒ ኣፍሪቃ እዮም ኢልና ክንድምድም ንኽእል ዲና? ፍራንቸስኮ ንጉዳይ ንኣሽቱን ድኹማትን ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡን ቀዳማይ ተሓላቒ ኮይኖም ጸኒሖም እዮም። ኣፍሪቃ ሎሚ ነዞም ማሕበራዊ ምድባት ዝያዳ እትጥርንፍ ኣህጉር እያ፣ እቶም ኢየሱስ ከም ፍቱዋት መንግስቱ ዝቖጽሮም ዝነበረ። ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣፍሪቃ ድኻታትን ንኣሽቱን ኣህጉር ስለ ዝዀነት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዓብዪ ተጣባቒ እዮም ክብል እኽእል እየ።

ብዛዕባ እቲ ንልዮን መበል 14 ዝመረጸ ጉባኤ እንታይ ትዝክሩ? ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ብጸጋ እግዚኣብሔርን ካብ 133 ካርዲናላት ናይዚ ጉባኤ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብኡንብኡ ምስ ተመረጹን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ምስተቐመጡን፡ ብዓቢ ጸዓት፡ ብክርስቶስ ተመሪሕና ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ምስኦም ኮይንና ንቕጽል። ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብዚ መንፈሳዊ ሃዋሁ እዚ ኣትዮም ኣለዉ። ሎሚ ድማ ኣብቶም ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘለዉ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ኣብ ኣምር ሰላምን ተስፋን ይሓንጹን ነዚ ኣምር እዚ የስርጹን ኣለዉ። ምኽንያቱ እዚ ዳሕረዋይ ተስፋ ዘሕፍር ኣይኮነ።

መበል 20 ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት (SCEAM)፡ ኣብ 2025 ካብ ዕለት 30 ሓምለ ክሳብ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ "ክርስቶስ፡ ምንጪ ተስፋ፡ ዕርቅን ሰላምን" ብዝብል ቅዉም ሓሳብ እውን ዝተመርሐ እዩ ነይሩ። ካብዚ ኣህጉራዊ ምትእኽኻብ እንታይ ክንዝክር ይግባእ?

እቲ ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዕድልን - ቅዱስ እዋንን እዩ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ ዓመት ኢዮቤል፡ ተስፋ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ እንገጥሞ ዘለና ማሕበረ - ጉስነታዊ ክውንነት እናሰከፈ ይኸይድ ብምህላዉን። ብዙሓት ዞባታት እታ ኣህጉር ብስቓይ፡ ውግእ፡ ሓደጋታት፡ ጥሜት፡ ደርቅን ውሕጅን ዝሳቐያ ኮይነን፡ ውጽኢቱ ድማ ስቓይ ህዝብን ተስፋ ምቑራጽ ሓደጋን የስዕብ። ስለዚ ኣብ ኪጋሊ ዝተኣከቡ ናይ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ጓሶት ምስቲ ናይ ቅዱስ ዓመት ተስፋ ዝብል መርሕ ቃል ምስ ኣፍሪቃዊ ኩነታት ብምትዕጽጻፍ ተዋፊሮም እዮም። ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም ይኹን ስኒት ሓባራዊ ምንባር ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ክርስቶስ ምንጪ ተስፋና እዩ። በዚ ምኽንያት ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ንክርስቶስ ከም ምንጪ ተስፋ ገይሮም ከም ወትሩ የቕርቡ። እንተኾነ ግን ከምኡ’ውን ልዕሊ ኩሉን ከም ምንጪ ዕርቂ፣ ሰላምን ሓቢርካ ምንባር ሰናይን ገይሮም እውን።
ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ ዕርቂ ብኸመይ ከነዕብዮ ንኽእል?

ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዝሰርሓለንን ጽቡቕ ሂወት ህዝቢ ቀዳምነት ዝወሃበለንን ውሑዳት ሃገራት ገዲፍካ፡ ሎሚ ሓፈሻዊ ርኽበት ኣብ ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ኣብ ምንቁልቋል ከም ዝርከብ እዩ ዘመላክት። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃና ከም ኣብ መላእ ዓለም ድሌት ሓያላት ጥራይ እዩ ዝስዕር ዘሎ እዚ እውን እናበዘሐ ይኸይድ ኣሎ። ሃብቲ ጥራይ እዩ ዘገድስ፣ ሰባት ድማ ብዝኾነ መንገዲ ክደልይዎ ፍቓደይናታት እዮም። ሓንሳብ ምስ ተረኽበ ንርእሶምን ንስድራቤቶምን ንጐረባብቶምን ክውዕል ከሎ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ድማ ንገዛእ ርእሱ ይጥንጠን፡ እዚ ዘይምዕሩይነት እዩ፣ ዘይሕጋውነትን በደልን ምበልኩዎ፣ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ብዙሕ ግጭታት እዩ።

እንታይ ዓይነት መፍትሒታት ክቐርብ ይኽእል?

እተንበልብሎ ስሒራዊ መፍትሒ የልቦን። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ውጥረት ዝገልጽ ገለ ሓባራዊ ምኽንያታት ክገልጽ እደሊ። ኣፍሪቃ መብዛሕትኡ ግዜ ብማዕድን ሃብታም ኣህጉር እያ፣ ብዙሕ መኽዘን ኮባልት ኣልማዝ ነሓስ ሓጺን ፕላቲንዩም ወርቅን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም መዕቈሪ ዅለን ንጥቕሞም ዚጥቀማሉ ሓይልታት ዓለም ተገይራ ትርአ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ተኣፋፊ ኣተሓሕዛ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት እሞ ሕስብ ኣብሎ፦ እታ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነት ኣህጉር ወትሩ ዝያዳ እትሳቐ እያ። ሓያላት ሃገራት ኣፍሪቃ ንኢንዱስትሪታቶም ስነ ሜላው ማዕድን መዕቈቢ ስለ ዝዀነት ንዓለም ኪቈጻደራ የኽእለን። ሓድሓደ ግዜ እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ንረብሓ ህዝቢ ዘይኰነስ ንረብሓኦም ኢሎም ሃብቲ ንምርካብን ንምኽዕባትን ይጥቀሙሉ ምህላዎም እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ዚዓዪ ኵሉ ሳዕ ውግእ ኪህሉ እዩ። ኣብ ምብራቓዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ እውን ከምኡ እዩ ዜጋጥም ዘሎ። ኣፍሪቃውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ ኺበራበሩ ኣለዎም። ኣወዳትን ኣዋልድን እዛ ኣህጉር ከም ምዃንና መጠን ነቲ ኣምላኽ ዘሀብተሞ ተፈጥሮኣዊ ሃብትና ኣብ ምክልኻል ዘሎና ግደ ኽንግንዘብ ኣሎና። መራሕትና ድማ ካብ ንውልቃውን ንውድባውን ካልኦት ዋጋ ዘኽፍል ናይ ስልጣን ስነ መጎት ክርሕቑ ኣለዎም። ኣብ ኣፍሪቃ ስልጣን ንህዝቢ ክወሃብ ኣለዎ። ስልጣን ድማ ኣገልግሎት ምዃኑ እንርዳወሉ ግዜ በጺሑ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ጭውያ ሓድሓደ ግዜ ድማ ቅትለት ክርስቲያን ብተደጋጋሚ ንርኢ ኣለና ናይጀርያ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካሜሩን ድማ ብእኡ ይሳቐያ ኣለዋ። ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርኣ ዘሎ ምዕዓል እስላማዊ ጅሃዳውነት ዘሰክፍ እዩ። ሓቂ እዩ እቶም ግዳያት ክርስትያን ጥራይ ዘይኮኑስ ኣስላም እውን እዮም። ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ሃገረ ስብከት ቡንያ፡ ጅሃዳውያን ንክርስትያን ኣብ ጸሎት ከለዉ ዝፈጸምዎ ግብረ ሽበራ። ነዚ ዓመጻ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ተርእዮ እዚ ካብ ሱሩ ምእንቲ ክንቃለሶ ንሕልና መላእ ዓለም ከነጠንቅቕ ኣድላዪ ይመስለኒ። ዋላ ሓንቲ እንተ ዘይተገብረ እዚ ዓብዪ ዘይምትእምማን እዚ ንክርስትያን ንኻልኦት ስዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ጸላእቲ ገይሮም ንኽርእይዎን ገዛእ ርእሶም ንኽዓጽዉ ክድርኾም ይኽእል ኢዩ ዝብል ፍርሂ ኣሎኒ፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

03 Jan 2026, 08:57