ድለ

ካርዲናል ፒዛባላ፦ ሰብኣዊ ባህጊ ህይወትን ክብርን ፍትሕን ኣይክሓድን እዩ

ፓትርያርክ ላቲን ሥርዓት የሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ፣ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት ናብ ዝያዳ "ዓመጽን ምፍሳስ ደምን" ከይምዕብል ተስፋ ከም ዝገብሩ ገለጹ፣ ነቲ ኣብ ቃዛ ተኸሲቱ ዘሎ "ምሉእ ሰብኣዊ ዕንወት" ድማ ይዅንኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፒየር ባቲስታ ፒዛባላ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 13 ጥሪ ኣብ ዮርዳኖስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ "ባህጊ ህይወትን ክብርን ፍትሕን ኣብ ውሽጢ ልቢ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘሎ ንርኢ ኢና" ክብሉ ኣመልከቱ።

ፓትርያርክ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢየሩሳሌም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢራን ተኸሲቱ ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ብምጥቃስ ኢዮም ነዚ ሓሳባት እዚ ዘካፈሉ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ንነጀው ብኣማኢት ዚቝጸሩ ሕዝቢ ብምኽንያት ቍጠባዊ ዅነታት እታ ሃገር ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ብምክያዶም ተቐቲሎም ይርከቡ። እቲ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ይሳቐ ከም ዘሎ ብምግላጽ፣ እዚ ዅነታት "ብዝያዳ ዓመጽን ምፍሳስ ደምን ከም ዘይዛዘም" ድማ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ። ነዚ "ክፍሊ መንነት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ማሕበረሰብን" ዝዀነ ናይ ህይወትን ክብርን ፍትሕን ባህጊ "ክኽሕዶ ወይ ዕሽሽ ክብሎ ዝኽእል ዋላ ሓደኳ የልቦን" ድማ በሉ።

መንግስታዊ ተቓውሞ ኣብ ተሄራን
መንግስታዊ ተቓውሞ ኣብ ተሄራን

ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ንግስነት ሃሺማውያን ምስ ኣስታት 60 ዝኾኑ ካህናትን ጳጳሳትን ናይ ላቲዊናዊ ስርዓት እትኽተል ቤተክርስቲያን ኢየሩሳሌን፣ ንሓያሎ መዓልትታት ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ፣ ብፁዕነቶም ድማ ብሓፈሻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ብዛዕባ ሰበኻኦም ሓበሬታ ንምልውዋጥ ኢዮም ዝእክብዎም። "እዚ ሰበኻነ እተሓላለኸ እዩ" ድማ በሉ። "ንእተፈላለያ ሃገራት ዝሽፍን ክንዲ ዝኾነ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘሎ ኩነታት ከአ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ኢዩ።"

ንኣብነት ኣብ ቃዛ ዘሎ ዅነታት "ምሉእ ሰብኣዊ ዕንወት" ምዃኑ ካርዲናል ፒዛባላ ገለጹ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ተዅሲ ደው ከም ዝብል እኳ እንተ ተኣወጀ፣ ድሕሪኡ ስዒቡ ውን እቲ ኣብ ሰራታት ዝፍኖ ዝንበረ ደብዳባት ቦምብ ደው እኳ እንተ በለ፣ ብዒላማ እተፈጸመ መጥቃዕትታት እስራኤል ሞትን ዕንወትን ይዘርእ ኣሎ፣ እቲ ቘራሪ ዅነታት ኣየር ድማ ህይወት ብዙሓት ይቐዝፍ ኣሎ ክብሉ ገለጹ። ኣብ ውርሒ ታሕሳስ ናብ ቃዛ ዝበጽሑ ካርዲናል ፒዛባላ "ሰባት ብሰንኪ ቝሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት እውን ይሞቱ ኣለዉ" በሉ። ብተወሳኺውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዘሎ ቅልውላዋት እውን የተሓሳስቦም፣ ፍቓድ ተኸልኪሉ ምንቅስቓስ እተሓላለኸ ኮይኑ ከምኡውን ናይ ሰፈርቲ መጥቃዕትታትን "ንመሰረታዊ ቀረባት ማሕበረሰብ" ይጸሉ ኣሎ።

ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ በዓለ ልደት ስርዓተ ዑደት እንክመርሑ
ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ በዓለ ልደት ስርዓተ ዑደት እንክመርሑ   (AFP or licensors)

ኣብ መንጎ እዚ ቅልውላዋት፣ ሃገረ ዮርዳኖስ ነቶም ህጹጽ ክንክን ዘድልዮም ካብ ቃዛ ዝመጹ ፍልስጥኤማውያን ሕክምናዊ ረድኤት ምሃብ ትቕጽል ኣላ። "ኣብ ዮርዳኖስ እቲ ዅነታት ዝያዳ ህዱእ እዩ ዘሎ። እቲ ግጭት ንዮርዳኖስ ብቐጥታ ኣይጸልዋን እዩ እምበር ብተዘዋዋሪ እወ ብምኽንያት ምትእስሳር ንግዳዊ ንጥፈታት ዶባት ግን ትጽሎ ኢያ።” ሰባት ኣጸቢቖም ኣብቲ ኩነታት ስለ እተሳተፉ ስምዒታዊ ጕድኣት እውን ከም ዘሎ ገለጹ።

ሃገረ ዮርዳኖስ ዓብዪ ኽፋል እቲ ኣብ መላእ እታ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዝበዝሑላ ሃገር እንተላይ ኣብ ርሑቕ ቦታታት እተዘርግሐ 30 ኣብያተ ትምህርቲ ብፓትርያርክ ላቲናዊ ሥርዓት ኢየሩሳሌም ዝመሓደራ ኢያተን። "እዚ ብገለ መገዲ ንመንነትና መሰረት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ንደቅና ክርስትያናዊ ትምህርቲ ምሃብ ኣድላዪ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ምስ ሰፊሕ ማሕበረሰብ እስልምና ኣገዳሲ ርክብ ምፍጣር እውን ኣገዳሲ ጐኑ ኢዩ።"

ካርዲናል ፒዛባላ ከም ዝገለጽዎ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዮርዳኖስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ቀጻሊ ውሽጣዊ ስደት ምዃኑ እውን ይጠቕሱ። "ነዚ ዅሉ ምንቅስቓስ ክትከታተሎን ኣብቲ ማሕበረሰብና ዚንቀሳቐሰሉን ሓድሽ ኵነታት ህይወት ዝፈጥሩሉን ቦታ ምህላው ድማ ኣጸጋሚ እዩ፣ እዚ ድማ ንጕስነታዊ ንጥፈታትና እውን ይጸልዎ እዩ።" ኣብቲ ዞባ እተሓላለኸ ለውጢ እኳ እንተ ሃለወ ካርዲናል ፒዛባላ ከም ዝገለጽዎ ነቶም ምእመናን ናብ ቅድስቲ መሬት ዝገብርዎ ንግደት እንደገና ክጅምሩ የተባብዕዎም።

ቃለ መሕትት ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ

"ቅድስቲ መሬት ሓምሻይ ወንጌል እያ" ውን በሉ። "ኣነ እውን ሻምናይ ምስጢር ኢለ ኽጽውዓ እደሊ እየ፣ ከመይሲ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣካላዊ መገዲ ንኽትራኸብ እተኽእል ኢያ።" ወሲኾም ድማ "ኵሉ ሰብ ናብ ቅድስቲ መሬት ከይከደ ፍጹም ክርስትያን ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ናብ ቅድስቲ ምድሪ እንተ ኸድካ ግን ክርስትያናዊ እምነትካ ድልዱልን ጭቡጥን ይኸውን" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ ብዛዕባ እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 7ን 8ን ናይ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሮማ እተኣከበ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣሕጽር ኣቢሎም ጠቒሶም ኢዮም። ካርዲናላት ብዛዕባ ሲኖዶውነትን ተልእኾ ወንጌላውነትን ብምስትንታን ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ክፋለጡን ብዛዕባ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣርእስትታት ክመያየጡን ክኢሎም ኢዮም፣ "ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ መጻኢ ቤተ-ክርስትያን ሓድሽ ናይ ምክፋል ጕዕዞ ንምኽፋት ድማ እዩ ዝነበረ" ክብሉ መስከሩ።

14 Jan 2026, 11:02