ድለ

ካርዲናል ቦ ኣብታ ኣብ ውግእ ዘላ ሚያንማር ሰላም ንኽህሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት የሐድሱ ካርዲናል ቦ ኣብታ ኣብ ውግእ ዘላ ሚያንማር ሰላም ንኽህሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት የሐድሱ  (Cardinal Charles Maung Bo of Myanmar)

ካርዲናል ቦ ኣብታ ኣብ ውግእ ዘላ ሚያንማር ሰላም ንኽህሉ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት የሐድሱ

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሚያንማር ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በዓለ ልደት ምእንቲ ሰላምን ምፍታሕ ኣጽዋርን ሓያል ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ተስፋ ብኲናትን ግብረሽበራን ዘይምዕሩይነትን እኳ እንተተናወጸ፡ ሰላም ግን ዘይከሓድ ድሌት ሰብኣውነት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ" እንክብሉ ኣብ ሚያንማር ናይ ሰበኻ ያንጎን ሊቀ ጳጳስትን ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሚያንማር ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ ሊቀ ጳጳስ ያንጎን ሚያንማር ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጒሊሖም፡ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” ዝብል ሰላምታ ዝካፈሉሉ እዋን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሱሩ እቲ ብሕጻን ክርስቶስ ዝቐርብ ሰላም ዝሓዘ ምዃኑ ኣስሚሮም ኣዝዩ ሕጻን ኢየሱስ "ኣብ ልብና ክኣቱ ከም ዝኽእልን ክቕይረና ዝኽእል ሓይሊ" ከም ዘለዎን የስተብህሉ።

ኣጽዋር ዘይብሉ ሰላም

ካርዲናል ቦ ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግጭትን ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣን ከስተንትኑ፡ "ሰላም ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሰአ ክርስቶስ ኣጽዋር ዘይብሉ ሰላም እዩ" እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ኢየሱስ ኣብ ግዜኡ ብዘይ ዓመጽ ፖለቲካውን ማሕበራውን ለውጢ ከመይ ከም ዘምጽአ ዘኪሮም፡ ክርስትያን "ነዚ ክቡር መገዲ ክምስክሩን ንኹሉ ዓይነት ጭካነ ክነጽጉ እዕድም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓደጋ ፍርሒ

ይኹን እምበር፡ ኩሉ ሰብ ሰላም ክፈትዎን ክናፍቕን እንከሎ፡ ኣብዛ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይርጉጽነት ዘለዋ ዓለም፡ ኣብ ውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ኣህዛብ ፍርሒ ከም ዝውስኽ ገሊጾም። "ሰላም ርሑቕ ይመስል። ሰባት ብስም ሰላም ንኲናት ይዳለዉ። መንግስታት ንዓመጽ ብዓመጽ መልሲ እንተዘይሃቡ ድኹማት ኮይኑ ይስምዖም ድኹማት ተባሂሎም ድማ ይንቀፉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣጽዋር ምውህላል ይቕጽላ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ቦ ብመሰረት ናይ ቀረባ ግምታት፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት 2.718 ትሪልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዝበጽሐ ብምዝኽኻር፡ "እዚ ምትእኽኻብ ኣጽዋር ከም ዘይተርፍ ሓላፍነት ተገይሩ ይሕሰብ - ቢሎም - ሱር ናይዚ ቅልውላው ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣብ ሕግን ፍትሕን ምትእምማንን ዘይኮነስ ኣብ ፍርሕን ዕብለላን ዝተሃንጸ ዝምድናታት እዩ" እንክብሉ ብምዝኽካር፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሰባት ኣብ ዝዀነ ይኹን ህሞት ውግእ ኪለዓል ከም ዚኽእል ብምእማን፡ ኣብ ቀጻሊ ጭንቀት ይነብሩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣማራጺታት ካብ ምኽዛን ኣጽዋር

"ፍርሒ ክሳብ ዝዓብለለ፡ ኣጽዋር እናበዝሐ ክቕጽል'ዩ - ሎሚ ሃገራት ኣብ ክንዲ ኣጽዋር ዝእክባ፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕብባርን ከም መንገዲ ነባሪ ሰላም ክመርጻ ኣለዎም።" በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ይጽውዑ። "እዚ ጻውዒት ግን ዝዓሞቐ'ዩ፡ ብቐዳምነት ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ኣጽዋር ክንፈትሕ'ውን ዘተሓሳስብ እዩ።” ሰላም "መጀመርታ ኣብ ልብና ሱር ክሰድድ ከም ዘለዎ" ብምጉላሕ፡ ሃይማኖት ኣብ ህንጸት ሰላም'ውን ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ" ኣዘኻኺሮም፡ ዓለም፡ ፖለቲካዊ ግጭት፡ ብሄራዊ ምፍልላይን ግብረሽበራን ሓድሓደ ግዜ ንሃይማኖት ብዘይግቡእ ይጥቀምሉ” እንክብሉ ድማ ነቐፌታኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣገደስቲ መንገድታት ሰላም

ካርዲናል ቦ "ጸሎት፡ መንፈሳዊ ተግባራትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን" "ክቡርን ኣገደስትን መንገዲ ሰላም" ምዃኖም ደጊሞም ብምዝኽኻር፡ "ኩላትና ስም ኣምላኽ ብዘይግቡእ ምጥቃም ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ንካፈል - ዝበሉ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሚያንማር ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ፈጺሙ ብጽልኢ ዘይኮነስ ብዘተ፣ ብፍትሕን ይቕረታን ሰላማዊ ኣባይቲ ክሃንጽ ከምዝተጸውዐን” ደጊሞም ብምግላጽ፡

ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ቦ "ሰላም ብቓላት ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር ይረጋገጽ" ብፍላይ ድማ ብዘተ፣ ብምስማዕን ብትዕግስትን።”

"ጽልእን ዓመጽን ካብ ድኽመት ደቂ ሰባት ዝፍጠር ኮይኑ፡ ይቕሬታን ምሕረትን ግን ንደቂ ሰባት ዳግማይ ዝሃንጹ ብርታዐ እያቶም” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ "እግዚኣብሄር ንኹሎም እቶም ኣብ ሚያንማር ብኹሉ ዝከኣል መንገዲ ንሰላም ዝጽዕሩ ይባርኽ" እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 Jan 2026, 10:46