ድለ

2019.03.18 mani in preghiera, mani giunte

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕ. መ. ኣ. ኣብ ኵላ ሃገር ናይ ጸሎት ሰዓት ክግበር ጸዊዖም

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኤስ. ኮክሊ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ኣብ ልብታት ኵሎም ደቂ ሰባትን ኣብ ማእከል "ናይ ፍርህን ምክፍፋልን ሃዋሁው" ንሕዳሴ ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኤስ. ኮክሊ፡ ንኵሎም ምእመናን ምእንቲ ሕዳሴ ገዛእ ርእሶምን፡ ምእንቲ ሕዳሴ መላእ ሃገርን ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሊቀ ጳጳሳት፡ ኣብቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ኣብ ማእከል ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘይምርግጋእን፡ ምጕዳል ፍትሕን፡ ዓመጽን፡ ክንደይ ሰባት ድኻምነት ክስምዖም ከምዝኽእል ኣዘኻኺሮም። ቀጺሎም፡ እቲ መልሲ ንጹር እዩ ብምባል፦ "ናትኩም እምነት ወሳኒ እዩ ። ናትኩም ጸሎት ወሳኒ እዩ። እቲ ናይ ፍቕሪ ስራሕኩምን፡ ናይ ፍትሒ ስራሕኩምውን ወሳኒ እዩ" ኢሎም።

ዝዀነ ይኹን ናይ ምሕረት ተግባር ንእሽቶ ኣይኰነን

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ኣብ መልእኽቶም፡ ንካቶሊካውያንን፡ ሰብ ጽቡቅ ድላይን፡ ማእለያ ዘይብሉ ብዝተፈላለየ መገድታት፡ ንሓድሕዶም ዝተሓላለዩሉን፡ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ንዝገብርዎ ቀጻሊ ስራሕን ምስጋናኦም ገሊጾም።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ፡ እዚ ተግባራት እዚ ነቶም ዝጠምዩ ብምዕንጋልን፡ ንጓኖት ብምቕባልን፡ ንዝሓመሙ ብምክንኻን ዝርከቡ እኳ እንተ ኾኑ፡ ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ምሕረትን፡ ፍትሕን፡ ፍቕርን ተግባር ከም ዚርኢ ገሊጾም።

ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓያሎ ተቓውሞታት ተኻይዱን፡ ይካየድ ስለ ዘሎን፡ እቶም ሊቀ ጳጳሳት "ናይ ምሕረት ተግባርን፡ ብሰላማዊ መገዲ ምትእኽኻብን፡ ነቶም ኣብ ማእከል ሕብረተሰብኩም ዘለዉ ምክንኻንን ምልክት ተስፋ እዩ፣ እዚ ከኣ ካብ ቍጥዓ ወይ ተስፋ ምቝራጽ ንላዕሊ ሰላም ኢዩ ዝሃንጽ" ኢሎም። ግቡእ ሕግታት ኪኽበር ከም ዘለዎ ግን ኣስሚሮምሉ።

ዘይፍትሓዊ ሃዋህው

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ ቀጺሎም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሚናፖሊስ ሚኒሶታ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን እተቐትሉ ኽልተ ሰባት (ረኔ ጉድ ብዕለት 7 ጥሪ፡ ኣሌክስ ፕሪቲ ብዕለት 24 ጥሪ) ከምኡውን ብዛዕባ ጕዳይ ኣብ ቴክሳስ እተኣስረ ውልቀ ሰብ ኣልዒሎም ተዛሪቦም። ነዚ ፍጻመታት እዚ ከኣ፡ "ኣብ ሕብረተሰብና ንክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሕይወት ኣብ ምኽባር ዘሎ ውድቀት ዘመልክት ኰይኑ፡ ዘሕዝን ኣብነታት ናይ ዓመጽ ኢዩ" ክብሉ ጠቒሶሞ።

እቶም ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ቀጺሎም፡ እቲ ዝጠፍአ ሕይወት ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ፣ እቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራትን፡ እቲ ዘንጸባርቆ ዘይምግዳስን ከኣ ኵኑን ኢዩ። "ሰብኣዊ ክብረት ዕሽሽ ምስ ተባህለ፡ ዚምዕብል ዘሎ ናይ ጊዜና "ፍርህን ምክፍፋልን" ከኣ፡ ምስቲ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ዘቘሞ መዐቀኒታት ዝኸይድ ኣይኮነን" ኢሎም።   

 

ናይ ሕዳሴ ቅዱስ ሰዓት

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ፡ ናብ ምሕዋይ ሓደ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝርከቡ ኵሎም ጳጳሳትን ካህናትን፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት፡ ምእንቲ ሰላም፡ ቅድስቲ ሰዓት ብምፍላይ ኣብ ጸሎት ክጽመዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ፡ ምክፍፋል ኣብ ዘለዎ ዕርቂ፣ መሰረታዊ መሰላት ኣብ ዝተጋህሰሉ ፍትሒ፣ ምእንቲ እቶም ብፍርሂ ወይ ብጕድኣት እተዋሕጡ ከኣ ምጽንናዕ ክረኽቡ ንጸሊ፣ ክብሉ ደጊሞም ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ዝበሎ፡ እዚ ጻውዒት እዚ ንኵሎም ካቶሊካውያን ምእመናን ኰይኑ፡ "ኣብ ቍምስናታትን፡ ኣብያተ ጸሎታትን፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብትሑት ልቦም፡ ምእንቲ ሕውየት መላእ ሃገርን ማሕበረሰብን ንምጽላይ ኢዩ።"

እዛ ቅድስቲ ሰዓት እዚኣ "ንልብናን ንሃገርናን እትሕድሰሉ ሰዓት" ክትከውን ተስፋ ኣሎኒ ክብሉ ከኣ ሃረርታኦም ገሊጾም። እቶም ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ መዛዘሚ መልእኽቶም፡ ኵሉ ሰብ ተስፋኡን ፍርሃቱን ናብ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ብእምነት ኬቅርብ፡ ምእንቲ "ተፈጥሮኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ" ከኣ፡ ንኵሉ ሰብ መሳርሒ ሰላሙን ምስክርነቱን ኪገብሮ ኪልምንዎ ኣተባቢዖም።

"ኣምላኽ ኣውያት ህዝቡ ከም ዚሰምዕን፡ ነቶም ዚደልይዎ ኵሎም ከኣ ቀረባኦም ምዃኑ ብምትእምማን ሓቢርና ንጸሊ” ክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

31 Jan 2026, 15:21