ደ.ረ. ኮንጎ፡ ጳጳስ ኡቪራ : ተመዛበልቲ ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ፡ ንሓደጋ ባልካናውነት ትቃላዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ደቡብ ኪቩ ብዘጋጠመ ዳሕረዋይ ዓመጽ ኤም - 23 ብውሕዱ 85 ሽሕ ሰባት ናብ ብሩንዲ ከም ዝሃደሙን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ እቲ ምስ ሰራዊት ኪንሻሳ ዝዋጋእን ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እተፈላለየ ኣህጉራዊ ጸብጻባትን ብሩዋንዳ ዝድገፍ ዝብሎ ዕጡቓት ጕጅለ ኤም - 23 ኣብቲ ዞባ ድሕሪ ዘበገሶ ሓድሽ መጥቃቲ ብውሑዱ 100.000 ሕጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 500,000 ሰባት ከም እተመዛበሉ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃብዎ ጸብጻብ ጠቒሶም "ካብ ቡጁምቡራን ከባቢኣን ከምኡ'ውን ካብ ሩሞንጌ ዝበጽሖ ሓበሬታ መሰረት ብዛዕባ እቲ ኮንጎኣውያን ኣብ መዓስከራት ስደተይናታት ተጨቓጪቖም ዝነብሩሉ ኵነታት ዘሰክፍ እዩ - ካልኦት ድማ ኣብ ናይ ስፖርቲ ሜዳታትን ቅሉዕ ቦታታትን ብዘይ ምግብን መድሃኒትን ንባእታታት ዝናም እተቓልዑ ኢዮም" እንክብሉ ናይ ሰበኻ ኡቪራ ጳጳስ ሴባስቲን ጆሴፍ ሙየንጎ ሙሎምበ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ኣብ ዶብ ቡሩንዲ ኣብ ዞባ ቀላይ ታንጋኒካ እትርከብ ከተማ እቶም ዓለወናታት ኣብ ወርሒ ለካቲት ርእሰ ከተማ ደቡብ ኪቩ ቡካቩ ኣብ ጥሪ ድማ ንሰሜን ኪቩ ጎማ ምስ ተቘጻጸሩ ኣብቲ ከባቢ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝጸንሐ ዘይምርግጋእ ኣዚዩ ክትግምቶ ናብ ዘይከል ኩነታት የብጽሖ ኣሎ ይብሉ።
እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኸተመ ስምምዕን ጥሕሰት ሕጊ ብዝብል ክስታትን
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማይክ ዋልትዝ ብፍሉይ "ስፍሓትን ምዕቡልን" ሩዋንዳ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ፡ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ወተሃደራት ከምዘዋፈረት ክሕብር እንከሎ፡ ብኡ ንብኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ዕለት 4 ታሕሳስ ዝተኸተመ ስምምዓት "ብንጹር ብሩዋንዳ ይጠሓስ ኣሎ” ከም ዝበለን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ፡ ርእሰ ብሔር ኮንጎ ፌሊክስ ትሺሰከዲን ናይ ሩዋንዳ ርእሰ ብሔር ፖል ካጋመን ኣብ ዋሽንግተን ስምምዕ ሰላም ከም ዝኸተሙን ዕለት 16 ታሕሳስ ኤም - 23 ሓይልታታ ካብ ኡቪራ፡ ኣብ ደቡብ ኪቩ "ከምቲ ናይቲ ሰላም ሸምጋሊት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሓተተቶ" ከንሰሓብ ምዃኑ ከም ዘፍለጠን ይኹን እምበር፡ እዚ ስርሒት ምንስሓብ መዓስ ከም ዝፍጽሞ ኣይገለጸን፡ ክሳብ ምሸት፡ ብመሰረት ምንጭታት ሓበሬታ፡ ጉጅለታት ምልሻ ገና ነታ ከተማ ይቆጻጸርዋ ከም ዘለዉን እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ መሬት ዘሎ ኵነታት
ኣብዚ ህሞት እዚ ኣብ ኡቪራ፡ ይብሉ ጳጳስ ሰባስቲያን ጆሴፍ ሙየንጎ ሙሎምበ፡ "ኣብ ኩሉ ቦታታት ምፍንጃር ቦምታትን ተዂሲ ጠያይትን የለን፡ ከምኡ'ውን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዝነበረ ዓመጽ የለን፡ ሰባት ግን ሕሉፍ ተመኩሮታትን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጎማ፡ ቡካቩን ካማንዮላን ዘጋጠመ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ዓቢይ ጥንቃቔ ይገብሩ ኣለዉ - ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብንጹር ብምጥቃስ፡ እዚ እውን ርእሰ ብሔር ኮንጎን ሩዋንዳን ኣብ ዋሽንግተን ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ዝኽተምሉ እዋን ዝተፈጸመ እዩ። ሕጂ ድማ ይብሉ ብጹዕነቶም፡ "ብመሰረት ሕቶ "ሽምግልና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ" ከምኡ'ውን ናይ ገለ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከም በዓል ቤልጅየም፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣብ ዶሃ ዝተፈረመን ኣብ ዋሽንግተን ዝተረጋገጸን ስምምዓት፡ ብሓደ ወገን ናይ ኤም - 23 ኣብዚ ውሽጢ ጉጅለ ዕጡቓት ቀንዲ ብጽሒት ዘለዎ ‘ኪዳን ሩባ ኮንጎ ዓመጽቲ ጉጅለታት ካብ ኡቪራ ክወጽእ ምዃኑ ዝሃቦ ሓበሬታ ፈሊጥና ኣሎና " እወታዊ ነገር እዩ። ግን ብዙሕ ገና መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ኣለዉ። እዚ ውሳነ እዚ " ንኡቪራ ጥራይ ድዩ ወይስ ንመላእ እቲ ከባቢ እውን ዝምልከት እዩ፡” ምኽንያቱ "ኣብ መንጎ እዚ ንደቡብ ገጾም፣ ናብ ግዝኣት ፊዚ፣ ናብ ካለሚየ፣ ኣብ ካታንጋ ገጾም ይምርሹ ኣለዉ። ከምኡ'ውን ካልእ ሕቶ: "ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦትን ሕጂ ብሓይሊ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ከንብሩ ዝኽእሉ እንተነይሮም፣ ስለምንታይ ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ዘይገበሩ፣ ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ኣይምተመዛበለን ኣልቦ ቤትን ንብረትን ኣደዳ ሞትን መቍሰልትን እውን ኣይምኮነን!’ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ ህዝቢ ኡቪራ "ንብዙሓት ኣብዚ ዘለዉ ሰባት እዚ ውሳነ ኣካል ናይ ሓደ ስልቲ እዩ፣ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምህዳእ ዝዓለመ እዩ"፣ ኣብ ክውንነት ግን "ውጥን ባልካናውነት” እዩ ዝመስል ኢሎም።
ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ መጀመርታ 2025 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ኣሃዛት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብውሑዱ 4.6 ሚልዮን ሰባት ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኪቩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም እዮም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት "ህጹጽ ውጥን ኣዳሊና ኣሎና" እንክብሉ ገሊጾም። "ንገለ ኣብ ፈረንሳ፡ ጣልያን ንዝርከቡ መሻርኽትና፡ ንመንግስትና እውን ከይተረፈ ኣቕሪብናዮን መልሲ ንጽበ ኣሎና፡ ክሳብ ሽዑ ግን ሰባት፡ ብፍላይ ብዙሓት ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣረጋውያንን ሕሙማትን፡ ብጥሜት፡ ጽምኢ፡ ድኻም፡ ቁርን ሕማምን ይሳቐዩ ኣለዉ፡ እንተዘይኮይኑ ሞት እውን ከጋጥሞም እዩ’ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ እታ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ህዝቢ ከም ዝጸንሐትን ምስ ህዝቢ ከምዘላን ንበይኖም ከም ዘይሓደገቶምን ሓቢሮም፡ ከምኡ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 14 ታሕሳስ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ግጭት ዳግማይ ምጅማሩ "ዓሚቕ ስክፍታ" ከምዝፈጠረሎም ብምግላጽ "እቶም ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናት ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣኽቢሮም፡ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ደው ከብሉን ሃናጺ ዘተ ክደልዩን” ተማሕጺኖም ጸሎቶምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾምልና እዮም። ነዚ ስክፍታ ቅዱስ ኣቦና ድማ ብዝተፈላለያ መራኸቢ ማዕከናት ኣቢላ ብምቕራብ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘተ እንኮ መንገዲ ሰላም "ንጸጋታት እታ ሃገር ናይ ምሻጥ" ሓደጋ ካብ ወርቂ ናብ ኮልታን "መጺኦም ሓራ ከነውጽኣኩም ዝብሉ ከም ሓቂ ግን ዕላማኦም መሬትና ሃብትና ፍልዩን ብርቂ ማዕድናትና ዘመተን ጊልያነትን፥ ዝብሉ ሓደጋታት ይንክዮን ቀስ ብቐስ ከይህሉ ዝገብር እዩ” እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።