ኣብ ኡጋንዳ ዝጠፍኡ ካህን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ቤት ማሕቡስ ይርከቡ ኣብ ኡጋንዳ ዝጠፍኡ ካህን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ቤት ማሕቡስ ይርከቡ 

ኣብ ኡጋንዳ ዝጠፍኡ ካህን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ቤት ማሕቡስ ይርከቡ

ቅድም ክብል ማሕበር ካቶሊካውያን ጠበቓታት ኡጋንዳ ዘረጋገጾ ካብ ሰበኻ ማሳካ ዝመጸ ካቶሊክ ካህን ኣባ ደውሰዲት ሴካቢራ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ ኣትሒዞም ኣበይ ከም ዝኣተዉ ዘይፍለጥ ኮይኑ ከም ዝጸነሐን ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ግን ሰበ - ስልጣን እቶም ካህን ብተሓታትነት ንጥፈታት ዓመጽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከቡ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዘይሕገ መንግስታዊ ኣገባብን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይምኽባርን ዝካየድ ማእሰርቲ። ማሕበር ካቶሊካውያን ጠበቓታት ኡጋንዳ (UCLS) ንማእሰርቲ ኣባ ደውስደዲት ስካቢራ ካብ ሃገረ ስብከት ማሳካ ዝመጹ ካቶሊካዊ ካህን ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ ደሃዮም ከም ዘጥፍኡ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረን። ድሕሪ ክልተ ሰሙን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኡጋንዳ ዕለት 14 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባ ሰካቢራ ኣብ “ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ዓመጽ ዝመልኦ ንጥፈታት” ተሳቲፎም ብዝብል ክሲ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተኣስሩ ኣሚኑ።

ምጥሓስ ልዕልና ሕጊ

ኣገባብ ማእሰርቲ እቶም ካህን፡ ዕጡቓት ውልቀሰባት ምልክት ብዘይብላ መኪና ጽዒኖም ከም ዝወሰድዎም ክሕበር እንከሎ ነዚ ተግባር እዚ ማሕበር ካቶሊካውያን ጠበቓታት ኡጋንዳ ኮኒኑ፡ "ምልክት ዘይብለን መካይን፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ መኮንናት፡ ምስጢራዊ መዳጎኒ ማእከላት ምጥቃምን፡ ከምኡውን ኣብ ቤት ማሕቡስ ምእታው ምድንጓይ ምልክታት ናይቲ ንልዕልና ሕጊ ዝጻረር ዘይሕገ መንግስታዊ ዝኾነ ልሙድ ኣናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ስርሒት ጸጥታ ኢዩ - ቢሉ - "ንዓሰርተ መዓልቲ እቶም ካህን ዝነበረሉ ቦታ ተሓቢኡ ከም ዝጸነሐን ደሓር እውን ስድራቤቱን ጳጳሱን ጠበቓታቱን ናብቲ ዝርከቡሉ ቦታ ከይኣትው ከም እተኸልከሉን እዚ ድማ ብቅዋም ኡጋንዳን ኣህጉራዊ ሕግን ብንጹር እተኸልከለ ጭውያ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ” እንክብል ተቓውሞኡ ከም ዘስመዐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግቡእ ቅዋማዊ ሓለዋታት

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ማሕበር ካቶሊካውያን ጠበቓታት ኡጋንዳ “ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ዓመጽ ዝመልኦ ንጥፈታት ዝምልከት ዝቐርብ ክስታት ንሕገ መንግስታዊ ውሕስነት ኣየቋርጾን እዩ፡ ክኸውን ዝኽእል ናይ ጸጥታ ስግኣት ከኣ ጭውያ ምስጢር ወይ ግቡእ መስርሕ ምኽሓድ መመኽነይታ ክህብ ኣይክእልን ኢዩ - እንክብል ኣስሚሩ -  ብመሰረት ቅዋም ኡጋንዳ 1995 ሓደ እተኣስረ ሰብ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ወይ ብዋሕስ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ዝተነብሮ ምዃኑ እውን ከም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

18 Dec 2025, 17:44