ድለ

ኣብ ኡጋንዳ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሰላማዊ ምርጫ ክካየድ ይጽውዑ ኣብ ኡጋንዳ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሰላማዊ ምርጫ ክካየድ ይጽውዑ 

ኣብ ኡጋንዳ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሰላማዊ ምርጫ ክካየድ ይጽውዑ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኡጋንዳ ሃገሮም ናብቲ ንዕለት 15 ጥሪ 2026 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ እትቐርበሉ ዘላ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓመታዊ መልእኽቲ ልደት፡ ሽማግለ ምርጫ መስርሕ ምርጫ ብጽኑዕ ክቆጻጸርን፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ዓመጽ ክቑጠቡ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ናይ ኡጋንዳ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣብ ኡጋንዳ ናይ ኪዪንዳ ሚትያና ሰበኻ ጳጳስ ጆሴፍ ኣንቶኒ ዝዚዋ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ካብቲ ጳጳሳት ኡጋንዳ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2025 ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ ፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ፍትሓዊ፡ ስነ - ምግባራዊ፡ ሰላማዊ ምርጫ ክካየድ ትጽቢት ዝገልጽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብሰፊሕ ዘንጸባርቕ እዩ።

ምግዳድ ዓመጽ ጎስጓስ ምርጫ

“ናብ መዓልቲ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ እንቐርበሉ ዘሎና እዋን፡ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ኡጋንዳዊ ብዘስፍሕ መንገዲ ተራኦም ክጻወቱ ጻውዒትና ነቕርብ - ቢሎም - ብፍላይ ሽማግለ ምርጫ “ንመስርሕ ምርጫ ውጽኢታዊ ምቍጽጻር ከገብርን” ከምኡ’ውን ትካላት ጸጥታ “ኣብቲ ናይ ምሕላው ሕግን ስርዓትን ተራኦም ክጸንዑን ካብ መረጽቲ ዝጎድኡን ዝቐትሉን ዓመጸይና ተግባራት ክቑጠቡን” ጸዊዒት ኣቕሪቦም፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ነቲ ተኣፋፊ ዲሞክራሲ ኡጋንዳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ብስጉምትታት ጸጥታን ወይ ኣብያተ ፍርዲ ዘሕትት ምዃኑ ኣጠንቂቖም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረጹኒ ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ ዓሚቕ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ እቲ ጎስጓሳት “ኣብ መጀመርታ ኣብ ተዛማዲ ሰላማዊ ምንባሩ” እኳ እንተ ኣስተብሃሉ፡ “ብዓቢኡ ብሰንኪ ተሳትፎ ናይቶም ሰራዊት ሓዊሱ ትካላት ጸጥታ” በብመዓልቱ ዓመጽ ዝተመልአ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ትዕዝብቶም ከም ዘካፈሉ የመላኽት።

ሕግታት ምርጫ ምኽባር

ነዚ ምዕባለታት እዚ ምስቲ ብምኽንያት በዓለ ልደት፡ ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ዕርቂ፡ ከምኡ’ውን “ኣማኑኤል – ኣምላኽ ምሳና” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምንጽጻር፡ ጳጳሳት ብዛዕባ ርህራሄን ሰላም ምፍጣርን ዝምልከት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ብምቅላሕ፡ ኣብ ሞንጎ ከም ዘይማዕርነትን ብልሽውናን ዝኣመሰሉ ሰፊሕ ብድሆታት ንስሓን ናብ ግብረ ገባዊ ክብርታት ምምላስን ከም ዘድሊ ተማሕጺኖም፡ ንፖለቲካዊ ተወዳደርቲ እውን፣ ግጭትን ዓመጽን ከብ ዘጓሃህር ተግባርት ምቝጣብን ሕግታት ምርጫ ኽኽተሉን ዘለዎም ሕጋውን ግብረ ገባውን ግዴታታት ኣዘኻኺሮም። መረጽቲ ብግቡእ ዝተሰነየ ውሳነታት ክወስዱ፣ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ክነጽጉን ኣብ መዓልቲ ምርጫ ብብዝሒ ክሳተፉን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በብዓመቱ መልእኽቲ ልደት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት መንፈሳዊ ኣስተንትኖን ግብረ ገባዊ መምርሕን ዘቕርቡ ምዃኖም ዝፍለፍጥ ኮይኑ። ናይ ሎሚ ዓመት ምስቲ ቅድሚ እቲ ምርጫ ዝግበር ጽዑቕ ጎስጓስ ዝጋጠም ኮይኑ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ዮዌሪ ሙሰቨኒ  ቦቢ ዋይን ሓዊሱ ኣንጻር ሕጹያት ተመረጽቲ ብምቕራብ ዳግማይ ክምረጽ ህጹይ ኮይኑ ከም ዝቐርብን፡ ንኡጋንዳውያን ርሑስ በዓል ልደትን ብሩኽ ዓመት 2026ን ተመንዮን ንበዓል ልደት ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝእወጅዎ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ከም ዕድል ተሓድሶ ጌሮም ከም ዘቕረብዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Dec 2025, 16:55