ድለ

ፓኪስታናውያን ክርስትያን ኣብ ማእከል ስጉምትታት ጸጥታ መንፈስ ልደት ይነብሩ ፓኪስታናውያን ክርስትያን ኣብ ማእከል ስጉምትታት ጸጥታ መንፈስ ልደት ይነብሩ  (ANSA)

ፓኪስታናውያን ክርስትያን ኣብ ማእከል ስጉምትታት ጸጥታ መንፈስ ልደት ይነብሩ

ዓለም ንበዓል ልደት ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምስ በርገሳዊ ሰበስልጣን ብምትሕብባር ኣብ ጥቓ ኣብያተ ክርስትያናት ዝለዓለ ጸጥታ ንምርግጋጽ ፍሉይ ስጉምትታት ንምትግባር ይሰርሑ ኣለዉ።

ስሞኦን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ብዛዕባ ድራር ልደትን ህያባትን ካብ ምሕሳብ ብተወሳኺ ካልእ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ጉዳይ ድሕነት እዩ። ቅድሚ ወቕቲ በዓላት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት እታ ሃገር፡ በርገሳዊ ሰበስልጣን ኣብ ጥቓ ኣብያተ ክርስትያናት ክርስትና ዝለዓለ ጸጥታ ንምርግጋጽ ፍሉይ ስጉምትታት ኣተግቢሮም ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፊደስ ማዕከን ዜና ቫቲካን እዚ ናይ ድሕነት ጥንቃቐታት ኣብ ሓያሎ ዞባታት ተቐባልነት ዝረኸበን "ምስ ማሕበረሰባት ክርስትያንን መራሕቲ ቤተክርስትያንን ብምውህሃድን ብምምኽኻርን" ዝተወሰነ እዩ።

ምክልኻል ሰባት ፍጹም ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ።

ኣብ ላሆር ዝርከቡ ናይ ሰበኻ ካህን ሓላፊ ርክብ ናይ ፓኪስታን ጳጳሳት ጉባኤን ኣባ ቃይሳር ፌሮዝ፡ እዞም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ውሳኔታት "ድሕሪ'ቲ ኣብ ፓኪስታን ዘጋጠመ መጥቃዕትን ምስቲ ምስ ኣፍጋኒስታን ዝተኣሳሰረ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ምዕባለታትን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ፓኪስታን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ሰፊሕ ስግኣት ብምህላዉ ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ ማለት እቲ ናይ መንግስቲ ውጥን ሓለዋ ከምቲ እቶም ካህን ዝገለጽዎ ብፍላይ ኣብ ግዜ ልደት ንኣብያተ ክርስቲያም ዘጠቓልል እዩ። ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍደገአን ናይ ጸጥታ ፍተሻ ክካየድ እዩ። ወከልቲ ክርስትያንን ሰበስልጣን ሓይሊ ጸጥታን ነዚ ስጉምትታት ንምዝታይ ኣኼባታት ኣክይዶም ከም ዝነበሩ እውን ይሕብሩ።

በዓል ልደት ክቕጽል እዩ።

ኣብ ማእከል እዚ ናይ ድሕነት ጥንቃቐታትን ሓድሽ ስጉምትታትን፡ ይብሉ ኣባ ፈሮዝ ንፊደስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ "መንፈስ ልደት ንምንባርን ንኹሎም ፓኪስታናውያን፡ ንነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት፡ ከም ዕድል ሕውነትን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ንምቕራብን" ውፉያት ምዃኖም ዘረጋግጽ እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ እቲ ካህን ሰበኻ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ላሆር ድሮ ክልተ ህዝባዊ ፍጻመታት ከም እተኻየደ ገሊጾም: እቲ ሓደ ብመንግስቲ እተዳለወ እቲ ካልኣይ ድማ ብማሕበረሰብ ካቶሊክ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ "ኣብ ክልቲኡ መግለጽታት በዓል ልደት ጽምብል መልእኽቲ ሰላም እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉ የመላኽቱ።

እቲ ብሓይሊ ጸጥታ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ "ሰባት ተኣኪቦም ናይ ሰላምን ሓጎስን መልእኽቲ ዘካፍሉሉ ኣጋጣሚ ናይ ሓድነትን ስኒትን ሃይማኖታት" መግለጺ እዩ፡ እቲ ፍጻመ፡ ንክርስትያን ፓኪስታን ነቲ ሓቀይና መንፈስ ልደት ማለት ፍቕሪ፡ ተስፋን ሓድነትን ከረጋግጹ ክእለት ከም ዝሃቦም ኣረጋጊጾም፡ ኣብዚ ብግርጭትን ዓመጽን ዝተዓብለለ እዋን፡ ክርስትያን "ንርእሶም ከም ልኡኻት ሰላም ኮይኖም ይቐርቡ - ቢሎም - ኣብ በዓል ልደት ድማ ኢየሱስ ናይ ዕርቅን ሰላምን መንፈስ ከም ዝህብ” የዘኻኽሩ።

ብግዲኡ፡ ማሕበረሰብ ክርስትያን ነዚ መንፈስ እዚ "ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምናን ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን፡ ነቶም ኣብ መንግስቲ ዘለዉን ነቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ወጥሪ ዘለዎም ጎረባብቲ ህዝብታት ህንዲን ኣፍጋኒስታንን፡ ሰላማዊ ዝምድናታት ክምለስ ተስፋ ብምግባር" የቕርቦ።

ዕለት 21 ታሕሳስ ኣብ ካራቺ፡ ማሕበረሰብ ክርስትያን እቲ ከባቢ ምስ በርገሳውን ሃይማኖታውን ሰበስልጣን ብሓባር ንሰላም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ እዮም። ኣብ ዙርያ ፓኪስታን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብዝተፈላለዩ ቁምስናታት፡ ማሕበራት፡ ሰበኻታት ማእከላት መጽናዕትን ዝተዳለወ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባታት ክካየድ እዩ። ዕላምኡ: ነቲ ብቐንዱ ኣብ ማሕበራዊ ርክባትና ክግለጽ ዘለዎ ንሰላምን ሓድነትን ተወፋይነት ዳግማይ ምርግጋጽ” ዝብል ምዃኑ የረጋግጹ።

20 Dec 2025, 17:32