ሊቀ ጳጳሳት ሙተባ፡ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ጻውዒት ዕጥቂ ዝፈተሐን ኣጽዋር ዘፍትሕን ሰላም ብሓጎስ ይቕበሉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብታ ብዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ዘይምርግጋእን ኣብ ከቢድ ጸገም እትርከብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ኣጽዋር ዝፈተሐን ዕጥቂ ዘፍትሕን” ሰላም ንኽግበር ዘቕረብዎ ጻውዒት ፍሉይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መምንበር ናይ ሉቡምባሺ ሊቀ ጳጳሳት ፉልገንስ ሙተባ ንዜና ቫቲካን ገሊጾም፡ “ኣምር ሰላም ንዓና ብዕምቆት እንብህጎ ክውንነት ስለዝኾነ” መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. “ብዓቢ ሓጐስን ምስጋናን ንቕበሎ” ኢሎም።
ኵላዊ ስፍሓት ናይቲ ካብ ዶባት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝሓልፍ ቃላት ቅዱስ ኣቦና ኣስሚሮም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰላም ብቐጻሊ ብምዝራብ “ንኣህጉርና ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ ዓለም ዝምልከት ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ብፍላይ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያን ሓድሽ ኣትኵሮ ብምግባርን ነቲ ስቡሕ ኣንተ ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ ብምቕጻልን ከም ዘተባብዑ ገሊጾም፡ "መጻኢ ዓለም ንኣከባቢ ኣብ ምዕቃብን ኣብ ከባቢና ዘሎ ዅሉ ነገራት ናይ ምዕናው ዝንባለታት ኣብ ምቅላስን እተመርኰሰ እዩ" እንክብሉ የጠንቅቑ።
ዓመት ተስፋ ኢዮቤል ኣብ ሉቡምባሺ
ሕጂ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን - ነታ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻኦም “ብዓሚቝ እምነት” ከም እተነብረ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ካብ ክርስትያን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ካቶሊካዊ ምንቅስቓሳትን ካልኦትን ብዘቕረብዎ ሓያል ተወፋይነት ዝልለ እዩ . . . ኣብ ሰበኻ ሉቡምባሺ፡ ማሕበረሰብ ነቲ ናይ ኢዮቤል ጉዕዞ ብዓብይ ተወፋይነት ብዓሚቝ መንፈሳውነት ከም ዝነብርዎን፡ እምነቶም ከም ዘደልደሉን ቅንኣት ተልእኾ ወንጌል ከም ብሓድሽ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከም ዘበራበሩን የረጋግጹ።
ሓድሽ ዓመት ተስፋ
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጻውዒት መሰረት ገይሮም፡ ሊቀ ጳጳሳት ሙተባ ዝመጽእ ዓመት ብክውንነትን እምነትን ዝልለ ክኸውን ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም፡ “ዘሕዝን ኩነታትን ናይ ሓቂ ሰላም ዘይምህላውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተስፋ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣድላይነት እዩ። “ዝያዳ ሰላምን ተስፋን” ክህሉ ናብ ጐይታ እናጸለዩ፡ “እምነት ምእመናን ዳግማይ ንምብራህ እዚ ተስፋ እዚ የድልየና ኣሎ - ቢሎም - ምስ እዚ ብምታሕሓዝ ኣገዳስነት ሲኖዳውነት ከም መንገዲ ሓድነት ካብኡ ንላዕሊ እውን ሕብረትን ምዃኑ ኣስሚሮም። “ሲኖዳውነት ኪኖ ቋንቋዊ፡ ግብራውነትን ካልእን መሰናኽላት፡ ሓቢርና ናብራና ከነደልድል ከም ዘኽእለና” ዘለዎም ርግጸይናነት የጒልሑ።
በዓል ልደት፡ ምስጢረ ስጋዌ፡ ክብሪ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ህጹጽ ጻውዒት ሰላም እዩ!
ሊቀ ጳጳሳት ሙተባ ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ ንልደት ኢየሱስ ምጽንባል ዝኽሪ ጥራይ ዘይኮነስ ህያው ተመክሮ እምነት ምዃኑ ኣስሚሮም - ንክርስቶስ ምቕባልን ምምላኽን ኣብ ልብና ክውለድ ምፍቃድን መሰረታዊ እዩ . . . ምስጢር ስጋዌ ነቲ ደረት ኣልቦ ፍቅሪ እግዚኣብሔርን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዘይገሃስ ሰብኣዊ ክብሪ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ሰለስተ ብቐዳምነት፡ በዓል ልደት ንክብሪ ወዲ ሰብ የጉልሕ፡ እቲ ሰብኣውነት ክብሪ ሰብ ካብ ዝኾነ ንዋታዊ ሃብቲ ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ። በዚ መንጽር ሊቀ ጳጳሳት ሙተባ ነቲ ዘይፍትሓዊ ምዝመዛ ጸጋታት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ምስ ሓድሽ መልክዕ ቁጠባዊ መግዛእቲ ዝመሳሰል ምዃኑ ብምግላጽ ኮኒኖም፡ ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ኮንጎ ክኽበር፡ ሰላም ክህሉን ውሁድ ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ክህሉን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካልኣይ፡ እቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ሕጻን፡ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ሓዊሱ፡ ክብሪ ህጻናት ክኽበርን ክሕሎን ዝጽውዕ ምልክት እዩ። እዚ ድማ ነቲ ዘጋጥሞም ዓመጽን ጭውያታትን ግዱድ ምልመላን ብጽኑዕ ኮኒኖም፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኢየሱስ “መስፍን ሰላም” እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ሃገሮም ዘዕነው ዘሎ ኲናት፡ ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ክብልን ዘተን ዕርቅን ይቕሬታን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰላም ምንጻግ ንመደብ እግዚኣብሔር ምንጻግ እዩ ዝብል መጠንቀቕታ ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።