ድለ

ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝካየድ ሊጡርጊያ ዘልደት ከሰንይ  እዩ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝካየድ ሊጡርጊያ ዘልደት ከሰንይ እዩ 

ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝካየድ ሊጡርጊያ ዘልደት ከሰንይ እዩ

በዓል ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ወቕቲ ልደት ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ደቡብ ኢጣልያ ዝመጸ ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዝመርሕዎ ሊጡርጊያ ከሰንይ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክዛዘም እዩ። ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍጸም ነፍሲ ወከፍ ሊጡርጊያዊ ጽምብል ዘመነ ልደት ካብ ዕንጨይቲ ዝተቐርጸ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ዝስነይ ከም ዝኸውንን፡ እዚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ካብ ደቡባዊ ኢጣሊያ ዞባ ሳሌርኖ ካብ ዝርከብ ሰበኻ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ኣብ ሳን ማርኮ ካስተላባተ ዝመጸ እዩ። ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ዕለት 22 ታሕሳስ ናብ ሃገረ ቫቲካን ከም ዝኣተወን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ንስሓ ክቕመጥ እዩ። እቲ ቅዱስ ምስሊ ድሕሪ ዕለት 6 ጥሪ፡ በዓለ ኣስተርእዮ ናብ ዝመጻሉ ሰበኻ ክምለስ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ

ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ንህጻን ኢየሱስ ዝሓቖፈት፡ ኣብ የማናይ ኢዳ ድማ ኣብ መሬት ኣጽኒዓ ዝተተኽለ ወርቃዊ መልህቕ ሒዛ ዘርእይ ኮይኑ፣ እዚ ቅዱስ ምስሊ እዚ ኣብ ዞባ ሳሌርኖ ኣብ ባቲፓልያ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ኣደ ተስፋ ዝተቐመጠ ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ንመኽፈቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናብ ቫቲካን ከም ዝመጸን ድሕሪ እቲ ናይ መኽፈቲ ጽምብል ናብ መንበሩ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ኣደ ተስፋ ከም እተመልሰ እውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡ እቲ ቅዱስ ምስሊ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ብምኽንያት ኣብ 1954 ዝኣወጅዎ ዓመተ ማርያም ዝተቐርጸ ከም ዝኾነ ይሕብር።

23 Dec 2025, 17:14