ድለ

ቻይናን ቤተ ክርስቲያንን፡ ድልድል ምህናጽ

ኣብ ህንጻ ዋና ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 17 ታሕሳስ ምሸት “ቻይናዊ ሕልመይ፡ ምስ ክርስትና ዘተን ርክባትን” ብዝብል ኣርእስቲ ብቻይናዊ ደራሲ ቺያረቶ ያን ዝተደርሰት ሓዳስ መጽሓፍ ንንባብ ከም ዝበቐዐት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቻይናዊ ሕልመይ ኣብ መንጎ ክርስትናን ቻይናን ድልድል ክኸውንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ መዓልቲ ናብ ሃገረይ ክበጽሑ ክኽእሉን፣ ቻይና ድማ ብርሃን ወንጌል ክትቅበሎ ተስፋ እገብር” ነዚ ዝበለ ቻይናዊ ኣባል ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ቺያረቶ ያን ዕለት 17 ታሕሳስ ሮማ ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ዝኾነ ፓላዞ ፒዮ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን፡ Il mio sogno cinese: Dialoghi e incontri con il cristianesimo (ቻይናዊ ህልመይ፡ ምስ ክርስትና ዘተን ርክባትን”) ብዝብ ኣርእስቲ ስደረሳ መጽሓፍ ንንባብ ድሕሪ ዘቕረብሉ ዓውደ ድርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዩ።

ኣድማሳዊ ድሌት ሓቅን ሰናይን ጽባቐን

እዚ ሕልሚ እዚ፡ ንባህሊ ቻይና፡ ክርስትና ባዕዳዊ ባእታ ዘይኮነስ፡ ናይ ምይይጥ መሻርኽት ክኸውን ይኽእል እዩ ኣብ ዝብል እምነት እተመስረተ ምዃኑ ገሊጹ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓቅን ሰናይን ጽባቐን ፍቕርን ናይ ምርካብ ሓፈሻዊ ባህጊ ኣሎ፣ ባህልታትን ልምድታትን ዝሰግር ዓሚቝ ሃረርታ ኣብ ክርስትና ድማ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘሎ ብሕታዊ ርክብ ይግለጽ እዩ። "እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወሰዶ ተበግሶ መለኮታዊ ራእይ እዩ። ካልኦት ባህልታት፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃይማኖታት እውን ደቂ ሰባት ንኣምላኽ ንምድላይ ዝገብርዎ ‘ጻዕሪ’ እዮም። ስለዚ እየ ድማ እዘን ክልተ 'ኣንፈታት' ከም ዝራኸባ እየ ዝኣምን - ዝጋጮ ኣይኰነን።”

ሓሙሽተ መንገዲ ንቕድሚት።

በዚ መንፈስ እዚ እቲ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ኣብ ሓሙሽተ ባህልን ክርስትናን ቻይና ኣብ ሓደ ከእትዉ ኣብ ዝኽእሉ መዳያት ምርምር ከተኩር ከም ዝመረጸን፡ ማለት ኣብ ፍልስፍና፡ ስነ-ህይወት፡ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ባህላዊ ዘተን ኣብ ዝብሉ። "እዚኦም ኩሎም ኣዝዮም እዋናዊ ጉዳያት እዮም፡ ንኹሉ ሰብኣውነት ድማ ናይ ሓባር ብድሆ እዮም። እዚ ኣብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝደረስወን ኣብ ከም “ስቡሕ ኣንተ” ከምኡ እውን ኣሓው ኩልነ ዓዋዲያን መልእኽቲ ከም እንርእዮ፡ እንተኾነ ግን ኣብ እዋናዊ ክትዕ ቻይናውያን እውን ንርእዮ ጉዳይ እዩ።" እዚ ምውህሃድ እዚ ኣብ ባህሊ ቻይና እውን እተመስረተ ምዃኑ እንከመላኽት፡ ኮንፉቾ 'ብዛዕባ እዛ ህይወት እዚኣ እኹል ፍልጠት ስለ ዘይብልና ነቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ኣይምርምርን እየ' ይብል - ላኦስ እውን፦ 'እቶም ዚፈልጡ ኣይዛረቡን። እቶም ዚዛረቡ ግና ኣይፈልጡን እዮም። እዚ ሓሳባት እዚ ነቲ ልዕለ - ባህርያት ከም ምንጻግ ዘይኰነስ ትሕትና እዩ ዜመልክት፣ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ከኣ ምስጢር እዩ፣ ደቅሰብ ከኣ ኣይውንንዎን እዮም፣ የግዳስ ናብኡ ኺቐርቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ብመሰረቱ ደረት ቋንቋን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ኣፍልጦ ዝህብን ምስ ክርስትና ዘራኸብን ግልጽነት ዝመልኦ ኣረኣእያ ኢዩ።"

ኣብ ምዕራባውያን ስነ መጎት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ግርጭት ክሕሰብ እንከሎ፡ ያን ከም ናይ ሄገል ዝኣመሰለ ፍልስፍናዊ ኣቀራርባ  ወይ ውጥን ብምኽታል "ኣብ ታኦይዝም መልክዕ ስኒት ይሕዝ: ዪንን (ጸሊም) -  ያንግን (ዳዕዳ)፡ ዪንን ያንግን ኣብ ፍልስፍና ቻይና (ብፍላይ ታኦኢስት) መሰረታውያን ክልተ ተጻረርቲ ግን ከኣ ንሓድሕዱ ዚደጋገፉ ሓይልታት እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣብ ‘ኣድማስ - universe’ ዘሎ ዅሉ ነገራት ድርብ እዩ ፣ በቲ ኣብ ጸሊም (ዪን) ጻዕዳ (ያንግ) እተኸፋፈለ ክበብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ኣንጻር ሕብሪ ዘለዎ ንኣሽቱ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ኸኣ ዋላ ሓደ ፍጹም ከም ዘይኰነን ከም ብርሃንን ጽላሎትን ብቐጻሊ ንሓድሕዶም ከም ዚቕየሩ ዚሕብር እዩ፣ ለይትን መዓልትን እንስትን ተባዕታይን ሚዛናውን ስኒትን ንምፍጣር ንህይወትን ጥዕናን ኣድላዪ እዩ። ኣይቃወሙን እዮም፡ ንሓድሕዶም ተደላየይትን ተማላእትን" እያቶም ይብል።

ኣብ ውሽጢ እዚ ስነ - መጐት’ዚ፡ ናይታ መጽሓፍ ደራሲ ያን፡ ንክርስትና ዝምጥን “ስነ መጎት ፍቕሪ” ፡ ብፍላይ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ኣብ መስቀልን ዝግለጽ፡ ንርእሱ ባዶ ዝገብር፡ ቦታ ዝፈጥር፡ ፍቓድ ኣቦ ንምፍጻም ባዶነት ዝሓቖፈ - ፍጹም ፍድቕሪ ይርኢ።

"ኣብ ፍልስፍናዊ ቋንቋ ቻይና እውን" ይብል ያን ኣስዒቡ - "ኣብ መንጎ ምዃንን ዘይምዃንን ዘሎ ርክብ ኣዕናዊ ዘይኮነስ ፈራይነት - ዝፈጥር እዩ: ካብዚ ዝምድና እዚ እዩ ስኒት - ስምምዕ ዝውለድ። ኣብዚ ድማ እዩ ዘተ ክሳብ ምዝራብ ዝዓሞቐ ዝኸውን።

መመረቕታ መጽሓፍ

ዘተ ኣብ ሕመረት ናይቲ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ መምህር እዋናዊ ታሪኽ  ኣጎስቲኖ ጆቫኖይሊ፤ ኢየሱሳዊ ካህን ኣቦ መንበር ቫቲካናዊ ትካል ጆሴፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ኣባ. ፈደሪኮ ሎምባርዲ፡ ከምኡ’ውን ኢየሱስዊ ካህን ኣባ ኣንቶንዮ ስፓዳሮ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መደረ ከም ዘስምዑን ነቲ መድረኽ ዓውደ ምረቓ ዝመርሑ ፊድስ እተሰምየ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣመሓዳሪ ጂኒ ቫለንተ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Dec 2025, 17:41