ካርዲናል ፒዛባላ : ንቓዛ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና! ካርዲናል ፒዛባላ : ንቓዛ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና! 

ካርዲናል ፒዛባላ : ንቓዛ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና!

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒዛባላ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ዘካየድዎ ምብጻሕ ስዒቡ - ድሕሪ ተኹሲ ደው ምባል ንፈለማ እዋን ናብ ንቡር ህይወት ንምምላስ ዘለዎም ሓያል ድሌት ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ድሕሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ ቓዛ ድሕሪ ምብጽሑ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብኡ ድማ ደገፎም - ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናይ መላእ ቤተክርስትያን - ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዝተኻየደ ኲናት ዝደኸመ ህዝቢ ቓዛ ድጋፍ ከቕርቡ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ እውን ድሕሪ ምቁራጽ ተኹሲ ንፈለማ እዋን ናብቲ ርእሰ - ምምሕዳር ዘለዎ መሬት ፍልስጥኤም ዘካየድዎ ምብጻሕ እዩ።

ዘሎ ገምጋም ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ፡ 80 ሚእታዊት ትሕተ ቅርጺ ዓንዩ፤ እቲ ደው ኢሉ ዝተረፈ ንኽፈርስ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎን ወይ ድማ ብተግባር ክትነብረሉ ዘይክእል ዘይውሑስ እዩ። እቲ ከቢድ ዕንወት ገለ ህንጻታት ግን ንውሑዳት ስድራቤታት ናብ ገዝኦም ከይምለሱ ኣይዓገቶምን። ገና ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ኣብ ቀጽሪ እቲ ብኣባ ጋብሪኤለ ሮማነሊ ዝምራሕ ቁምስና ቅድስቲ ስድራ ቤት ተዓቝይቦም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ነበርቲ ግን ኣብ ግዜያዊ ዝተተኽሉ መዕቆቢ ዳሳት ይርከቡ። “እዋኑ እዋን ቁርን ዝናምን እዩ - ስለዚ ብዛዕባ እቶም ቈልዑን ኣረጋውያንን ህሙማንን እሓስብ” ኢሎም።

ምስቲ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ጸገማት ህዝቢ፡ “ናብ  ንቡር ህይወት ክምለስ ዘለዎ ድሌት ተዓዚበ - ቢሎም መብዛሕቲኡ ህዝቢ ኣብ ግዚያዊ ድንኳናት ተዓቝቢን ንመጻኢ ይሓስብ፡ “ኩነታት ጥሜት ድሕሬና እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ መግቢ ክገዝኡ ዓቕሚ ዘለዎም ተቓማጦ ግን ውሑዳት እዮም። ስራሕን ኣታውን ስለዘይብሎም፡ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምጽጋዕ ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ የብሎምን፡ እዚ ድማ ሳላ ኣህጉራዊ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ይበጽሕ ኣሎ።

ኣዕናዊ ቁጠባዊ ኩነታት

ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ደው ከም ዝበለ ዝሓበሩ ፓትርያርክ ፒዛባላ፡ ብዛዕባ “ኣዕናዊ ኩነታት” ብዓቢይ ሓዘን እናሓሰቡ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ናይ ምሕዋይ ድሌትን ክርስትያን ድማ በዓል ልደት ናይ ምብዓልን ዘሎ ድሌት ከም እተዓዘቡን፡ በዓል ልደት በዓል ቈልዑ ስለ ዝዀነ፡ ኣቓልቦ ካርዲናል ናብቶም ሕጻናት ብምግባር፡ “ብርግጽ ብዛዕባ እቶም ቈልዑን ንመጻኢኦምን ንሓስብ። ብዝሒ ኣብ ጎደናታት ዝነበሩ ህጻናት ብሓቂ ንኣእምሮይ ዝተንከፈኒ ጉዳይ እዩ። እዞም ህጻናት እዚኣቶም ኣብ ገዝኦምን ቤት ትምህርቲ ክከታተሉ ዝግብኦም እዩ። ሓደ ካብቲ ቀዳምነታት ናይ ኢየሩሳሌም ላቲናዊ ፓትርያርክ፡ ትምህርቲ ዳግማይ ምጅማር ዝብል ምዃኑ ወሲኾም ምስ ሓበሩ፡ "ሓጎስ ዝመልአ ህይወት ኒሕ ናይቶም ህጻናት . . . ንማሕበረሰባትና ዘድሕን ከም ዝኸውን ርግጸይና እየ እምነት ድማ ኣሎኒ” ይብሉ።

ተስፋ ልደት ክርስቶስ ምምስካር

"ዳግመ ህንጸት መዓስ ክጅምር ከም ዝኽእል'ውን ንነብስና ንሓትት። እቲ ኲናት ደው ኢሉ'ሎ፡ እቲ ግጭት ግን ክሳብ ሕጂ ኣሎ" እንክብሉ ጓሂ ብዝተመልአ መንፈስ ኣረጋጊጾም፡ ጸገማት ኣብ ኩሉ ቦታታት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ኣብ መንጎ ዓድታት ፍልስጤምን ሰፈራታት እስራኤልን ዘሎ ወጥሪን እውን ኣመልኪቶም፡ “ኣብዚ ኵነታት እዚ፡ ብዛዕባ ተስፋ ምዝራብ ኣጸጋሚ ይመስል፡ ኣብዚ እዋን ልደት ግን ብዛዕባ ተስፋ ክንዛረብ ግዴታና እዩ። ክርስቶስ ባዕሉ ብዝተሓላለኸ ክውንነት ናብ ታሪኽ ከም ዝኣተወን፡ ሎሚ ሕጂ ውን ብሓጎስ ክንቅበሎን ንህንጸት ኣባይትን ተስፋን ክንሰርሕ የተባብዓና” ኢሎም።

ዳግማይ ንምህናጽ ዝከኣል ኩሉ ምግባር

ድሕሪ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዕንወት፡ ብዝተኻእለ መጠን ንቕድሚት ኣናሰጎምና ኣርሒቕና ክንጥምት ይግባእ እንክብሉ ተላብዮም፡ “ነቲ ዘጋጠመ ሸለል ክንብሎ፡ ጽባሕ ሰላም ከም ዝመጽእ’ውን ክንኣምን ኣይንኽእልን ኢና፡ እንተኾነ ግን ካብ ናይ ተቓውሞ ኩነታት ናብ ሃናጺ ኩነታት ክንሰጋገር ኣሎና።”

ንመንፈሳውን ንዋታውን ድሌታት ህዝቢ ቓዛ ንምምላስ “ዝከኣለኒ ኩሉ ክገብር ድሉው እዩ” ኣብዚ ሕጂ እዋን መድሃኒታት የሎን፡ መሰረተ ልምዓት ብኸቢድ ተሃስዩ እዩ፡ ናውቲ ሕክምና ምምጻእ ከድሊ እዩ።“ነዚ ኩነታት ምላሽ ንምሃብ ንጡፋት ክንከውንን ንህዝቢ ክነሰንይን ኣለና። . . . “ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ኣሎና - ምስ በሉ - ከም ቤተክርስትያን መጠን "ንቓዛ ምርግጋእ ንምምላስ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ዝከኣለና ድማ . . . ድምጺ ኩሎም ድኻታትን ኩሎም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩን ክንከውን ኢና" እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

23 Dec 2025, 17:26