ድለ

ጳጳስ ዶላን፡ እምነትን ስነ ፍልጠትን ክልቲኡ ንጥዕና ኣእምሮ ንምሕዋይ ኣድላዪ እዩ ጳጳስ ዶላን፡ እምነትን ስነ ፍልጠትን ክልቲኡ ንጥዕና ኣእምሮ ንምሕዋይ ኣድላዪ እዩ 

ጳጳስ ዶላን፡ እምነትን ስነ ፍልጠትን ክልቲኡ ንጥዕና ኣእምሮ ንምሕዋይ ኣድላዪ እዩ

እቲ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ንቤተክርስትያን ዓቢ ናይ ጉስነት ብድሆ ኣብ ዘቕርበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካዊ ጳጳስ ጆን ዶላን ካብ ፎኒክስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ክንዲ ልዕሊ ዓቐን ምቕላል ወይ ቅልጡፍ መፍትሒ ምሃብ፡ ንሰባት ሓቀይና ደገፍ ክግበር ይጽውዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ጆን ዶላን ብሕማም ኣእምሮ ዝነብሩ ወይ ድማ ብነብሰ ቅትለት ዝፈትውዎ ዝሰኣኑ ኣብ ብርቱዕ ሓዘን ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ዘጋጥመን ስቓይ ኣቓልቦ ገይሮም፡ "ኣባይቲ ስድራ ብነብሰ ቅትለት ዝፈትውዎ ሰባት ምስ ዝስእኑ ነዚ ኩነት ኣዚ ክጻዋሩ ወይ ድማ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተኣሳሰር ጉዳያት ክቃለሱ ከለዉ ብሓቂ ቅርበት ካልኦት የድልዮም ምክንያቱ ብዙሕ ግዜ በይናውነት እዩ ዘጋጥሞም . . .  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለየ ሕምማ ኣእምሮ ኩነታት ረዳኢ ዘይብሎም ኮይኑ ይስምዖም፡ ዋላ እኳ ፍቕሪ እንተሃለዎም፡ ከመይ ጌሮም ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ጽንኩር ኩነት ምላሽ ከም ዝህቡ ኣይፈልጡን እዮም።

እዚ ተቓላዕነት እዚ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ቀሊል መልሲ ናይ ምሃብ ፈተና ከስዕብ ከም ዝኽእል ጳጳስ ዶላን ኣስተብሂሎም፡ "ሓደ ሓደ ግዜ እቲ መልሲ ቅልጡፍ መፍትሒ ንምርካብ ምፍታን ዝምልከት እዩ።

ኰይኑ ግና፡ ንጹሕ ሃይማኖታዊ ኣገባብ ይኹን ብጥብቂ ሕክምናዊ ኣገባብ እኹል ኣይኰነን። "ንሓደ ሰብ ናብ ቤተክርስትያን ተመለስ ጥራይ ምባል ግድን ኣይገብሮን እዩ። ከምኡ'ውን ንሓደ ሰብ ናብ ሓኪም ስነ - ኣእምሮ ምብጻሕ ጽቡቕ ቦታ'ዩ፡ ግን እዚ'ውን እኹል ኣይኮነን" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ሰባት "ወርቃዊ ምኽሪ" ካብ ምሃብ ምጥንቃቕ የድሊ።

እምነትን ስነ ፍልጠትን

ብመሰረት ጳጳስ ዶላን ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ንኵለንተናዊ ሰብነት ክዛረብ ኣለዎ። "ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ኩሉ ክትገብሮ ትደሊ። ኩሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ" ክልቲኡ ጉስነትን ሞያዊ ደገፍን ከምዘድሊ የመልክቱ።

"ናብ ናይ ቤተክርስትያን ቦታ ምዕዳን፡ ብተመሳሳሊ ድማ ናብ ኣማኸርቲ ወይ ሓካይም ስነ-ኣእምሮ ወይ ክኢላታት ስነ - ኣእምሮ ክኸዱ ድማ ምትብባዕ” የድሊ፡ ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ፍልጠትን ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ ብጽኑዕ ነጺጎም፡ "ክንወዳደር ኣይንደልን ኢና። እምነትን ስነ ፍልጠትን ብሓባር ኣብ ሓደ መንገዲ ክኸዱ ኢና ንደሊ" ስለዚ ሕክምና ስነ - ኣእምሮን ስነ - ልቦናን ንእምነት ሓደጋ ከምዘይኮነ ኣስሚሮም፡ “እግዚኣብሄር እቲ ድንቂ ዝኾነ ህያብ ስነ ፍልጠት ሂቡና . . . ስነ - ኣእምሮን ስነ - ልቦናን፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዮም ኢልና ንኣምን” እንክብሉ የመላኽቱ።

ኣብ ወሰናስን ምርኻብ

ትርጉም ናይቲ “ኣብ ፍቕረይ ጽናሕ” ዝብል ናይ መንበረ ጵጵስና ጭርሖኦም እንክግለጹ ድማ፡ ነቲ ናብ ወሰን ኣካላት ደም ዝልእኽ ምሳሌ ልቢ ጠቒሶም፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጥዕና ኣእምሮ እውን ከምኡ እዩ "ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ናብ ወሰናስን ደጋዊ ክፍሊ ዝድርኽ . . . ናብ ሰፊሕ ኣካል ክርስቶስን ናብ ዓለምን ዝበጽሕ እዩ" ስለዚ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ምባል ዘለዎ ኣገዳስነት ዝምልከት እዩ።

ሕመረት ናይዚ ኣገልግሎት ንሓደ ሰብ "ምጽጋን" ዘይኮነስ ህላወ ምቕራብ እዩ። "ንሕና ኣይንምርምር መድሃኒ ኣይንእዝዝን ኣይንሕክምን” እታይ ደኣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ናይ ጉስነት መደብ ወይ ውጥን እውን ኣይኮነን። “ልዕሊ ኩሉ ካብ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዝመጽእ ናይ ፍቕሪ ተግባር እዩ” እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ሰለስተ ኣገደስቲ መዳያት ስጉምቲ

ጳጳስ ዶላን ኣብ ሰበኻኦም ፎኒክስ ንኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ዝቐርጹ ሰለስተ ጭቡጥ ቀዳምነታት ኣለልዮም።

እቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ንካህናት፡ ኣብ ቀዳማይ ረድኤት ጥዕና ኣእምሮ ምስልጣን እዩ። እዚ ድማ ካህናትን ዲያቆናትን ምልክታት ቅልውላው ኣለልዮም ብዝዓበየ ምስትውዓል ክምልሱ ይሕግዞም።

እቲ ካልኣይ መዳይ ድማ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሓዊሱ ብፍላይ ኣብ ተቓላዕቲ ቦታታት ሓዋርይዊ ጉስነት ምቕራብን ህላወን እዩ። እቲ ሃገረ ስብከት ኣብኡ ናይ ምስናይን ደግፍን መደባት የማዕብል ኣሎ። ኣገዳስነት ዝምድናታት ዋላ ኣብ ተነጽሎ ሃልው ዘለዎ ኣገዳስነት የጒልሑ።

እቲ ሳልሳይ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስርዓታዊ ስጉምቲ ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ማሪኮፓ ካውንቲ ኣሪዞና፡ ቁጽሪ ኣብ ቤት ሕክምና ኣትዮም ህክምና ዝእለዩ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ዘጋጥሞም ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ እዩ ዘርእይ። "ካብ 350 ናብ 600 ክብ ከም ዝበለ እዩ ዝንገር። እዚ ድማ ብዙህ ክስራሕ ከም ዘለዎ ዘመላኽት እዩ፡ ክቡር ዕዮን ኣገልግሎትን ምዃኑ ድማ የተሓሳስቡ።

ቅርጽን ተስፋን

ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ክሳብ ሕንጸት ክህነት እውን ይዝርጋሕ። "ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንርሕቐሉ ነገር ዘይኰነስ እንቕበሎ ነገር ምዃኑ ምእንቲ ክስትውዓል ኣብ ናይ ሰበኻና ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣገልግሎት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንጥቀም ኢና - ቢሎም - እቲ ዕላማ፡ ኣብ ንቕሓት ፍቑራት ደቂ ኣምላኽ ምዃን ዝሰረተ ዝዓሞቐ ርእሰ - ፍልጠትን ዕብየትን ምዃኑ ኣብሪሆም ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

31 Dec 2025, 16:38