ቤተልሄም ድሕሪ ክልተ ዓመት ቀዳማይ በዓል ልደት ተኽብር ቤተልሄም ድሕሪ ክልተ ዓመት ቀዳማይ በዓል ልደት ተኽብር  (© archivio di padre Jerzy Kraj)

ቤተልሄም ድሕሪ ክልተ ዓመት ቀዳማይ በዓል ልደት ተኽብር

ኣብዚ ዓመት እዚ 15 ሜትሮ ዝንውሓቱ ኦም ልደት ቤተ ልሄም ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ልደቱ ፊት ኣብ ዝርከብ ቅርዓት መብልዕ ማል ድሕሪ ክልተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጥኤማውያን ብጾት እታ ከተማን ብምትሕብባር ኣብ - በዓለ ልደት ኣብ ቤት - ልሄም ኣብዛ ዓመት እዚ ከም ዝበረሀ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ተኣፋፍ ዕርቂ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ተንዳታት ወቕቲ ክረምቲ ይገጥሙ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ህጹጽ መሰረታዊ ሓገዝ ኣዚዩ ኣብ ዘድልየሎም እዋን ኣብዚ እታ ኣብ ቓዛ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራቤት - ኣብቲ ከባቢ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቁምስና - ምቅርራብን ምትሕግጋዝን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ከም እተመሓላልፎ - ነቲ ኣብ ቤተ ልሄም ብምኽንያት በዓለ ልደት ባህላዊ ዑደት ንጽምብል በዓለ ልደት ብወግዒ ዝኸፈቱ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዑደት ዘካየዱ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተክ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ፓትሪያርክ - ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ኣደባባይ መብልዕ ማል ምስ በጽሑ፡ ናይታ ኣብ ቓዛ እትርከብ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ድማ ዳግማይ ንምህናጽ ብዘለዎ ሓያል ድሌት ከም ዝነብርን ኣስተብሂሎም። ብብርሃን ዝተለለየ በዓል ልደት ከም ዝኸውን ድማ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ቤተልሄም ዳግማይ ምጅማር ጽምብል በዓለ ልደት ብሓያሎ ደረጃታት ትርጉም ኣለዎ። ብሓደ ወገን፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝድገፍ ነቲ ተኹሲ ደው ዘብል ተበግሶ ሰላም፡ ንፍልስጤማውያን ብውጥናት ዳግመ ህንጸት ንቕድሚት ክስጉሙ ዕድል ክህቦም ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ድማ 85 ሚእታዊት ኣባይቲ ስድራ እቲ ከባቢ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብቲ ኣብ እዋን ኲናት ተቛሩጹ ኣብ ዝነበረ ኣብ ቍጠባ በጻሕትን መስህብን ስለዝምርኮሱ፡ ነበርቲ ቤተልሄም በብቑሩብ ናብ ስራሕ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትጽቢት ዳግማይ የበራብር ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ወነንቲ መዕረፊ ኣጋይሽን ሰራሕተይናታትን፡ ሃይማኖታዊ መግለጺ መዘከርታ ዝሸጡ ወነንቲ ድኳናት፡ መራሕቲ ታክሲ፡ ወነንቲ ቤት መግብን መራሕቲ ዑደት በጻሕትን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መነባብሮኦም ብዓቢኡን ብዝኸፈአ ደረጃ ከንቆልቍል ርእዮም እዮም። ቤተልሄም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ከተማታት ኮይና ጸኒሓ እያ፣ ድልዱል ኢንዱስትራዊ መሰረት፣ ርኡይ ንግዳዊ ንጥፈታት፣ ሕርሻዊ ዓቕሚ ወይ ዓቢ ሓይሊ ስራሕ መንግስታዊ ጽላት ዘይብላ ከተማ እያ።

እዚ ጸገማት እዚ ንሰፊሕ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዞባ ዝጸሉ ብድሆታት ዝገደደ ኮይኑ፡ እስራኤል ንመብዛሕትኦም ወቕታዊ ፍልስጤማውያን ሰራሕተይናታት ናብ ግዝኣታን ሰፈራታታን ናይ ምእታው ፍቓድን  ከምኡ’ውን ንሰራሕተይናታት በዓል መዚ ፍልስጤም ብኸፊል ደሞዝ ምኽፋላ ሓዊሱ ምስራዛ ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ሽግራት እዚ እናሃለወ እቲ ህዝቢ ጽንዓትን ተስፋን ካብ ምርኣይ ኣየቋረጸን እንክብሉ ናይ ከተማ ቤተ ልሄም ከንቲባ ማሄር ኒኮላ ካናዋቲ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዣን ሻርል ፑትዞሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመላኺቱ፡ እቲ ዝተሓደሰ ጽምብል ድሕሪ ነዊሕ እዋን ጸበባ ተስፋ ንምምላስ ዝዓለመ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "ድሕሪ ክልተ ዓመት ምግላል ህዝቢ ቤተልሄም ተስፋ የድልዮ ነይሩ - ንዝሓሸ ጽባሕ ዝብል ተስፋ የድልዮ ነይሩ። ንሕና ድማ ልክዕ ነዚ ኢና ንገብር ዘሎና - እቲ ካብ ቤተልሄም ዝለኣኽ ዘሎ መልእኽቲ ንፍልስጤማውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ዓለም ዝምልከት ምዃኑ ኣብሪሁ። "ህዝቢ ፍልስጤም ንሰላም ድሉው ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ'ዩ። ህዝቢ ፍልስጤም ህይወት ይፈቱ"፡ እታ ከተማ በጻሕቲ ንምቕባል ዳግማይ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ “ቤተልሄም ውሕስቲ እያ፡ መቐበል ኣጋይሽ ተኸፊቶም እዮም፡ ንኹሉ ሰብ ክንቅበል ድማ ድሉዋት ኢና። እቲ ጽምብል ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ ኩሎም ፍልስጤማውያን ከም ዝካፈልዎ ኣስሚሩ። "ንክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም ፍልስጤማውያን ጽምብል ኮይኑ ይስምዓኒ። ንሕና ሓደ ህዝቢ ኢና - ክርስትያን፡ ኣስላምን ሳምራውያንን። ንሓድሕድና ንፋቐር፡ ሰላም ንፈቱ፡ ኣብ ሃገርና ድማ ንፍትሕን ነባሪ ሰላምን ድሉዋት ኢና" ይብሉ።

Photogallery

ቤተልሄም ድሕሪ ክልተ ዓመት ቀዳማይ በዓል ልደት ተኽብር
27 Dec 2025, 16:53