ድለ

ጳጳሳትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንመራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ናይ ሓባር ቤትና የተባብዑ ጳጳሳትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንመራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ናይ ሓባር ቤትና የተባብዑ 

ጳጳሳትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ንመራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ናይ ሓባር ቤትና የተባብዑ

ብኽልተ - ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ USCCB ዝመርሑ ጳጳሳትን ኣቦ መንበር ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ረድኤትን ዝተኸተመ መግለጺ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ መበል 30 ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 2025 ዓ.ም ናይ ሓባር ገዛና ክሕልዉ ተላብዮም፡ “ንፍጥረት ኣምላኽ ምምጋብ ዘይምኽኣል፡ ከም ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራ ቤት ንሓላፍነትና ዕሽሽ ምባል ምዃኑ” የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ, ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ንመበል 30 ዓመታዊ ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት -  COP30 ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕትን ወከልትን ናብታ ዝዓበየ ክፋል ዱር ዓለም ዘለዋ ብራዚል - ገጾም የምርሑ።

ብመንጽር እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ንስርዓተ ሕግታት ከባቢያዊ ኣየር ዝምልከት ሽማግለ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ (USCCB) ዝመርሑ ናይቲ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር፡ ኣቦ መንበርን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣገልግሎት ረድኤት ካቶሊክ (CRS) ብሓባር “ንፍጥረትን ህዝብን ኣምላኽ ምሕላው ህጹጽን ተባዕን ስጉምቲ ክውሰድ” ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ንምምላስን ንምሕዳስን ግዜ

እቲ መግለጺ ብሊቀ ጳጳሳት ቦሪስ ጉድዚያክ ኣቦ መንበር ውሽጣዊ ፍትሕን ሰብኣዊ ምዕባለን ሽማግለ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ኣህጉራዊ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳስ ኤሊያስ ዛይዳን ከምኡ’ውን ሾን ካላሃን፡ ኣቦ መንበርን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣገልግሎት ረድኤት ካቶሊክ (CRS) ዝተኸተመ ኮይኑ፣ ዓለም ንመበል 30 ዓመታዊ ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ኣብ እዋን ኢዮቤል ዓመት ተስፋ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ እቲ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተሳተፍቲ “ኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታት፡ ስድራቤታት፡ ደቀባት፡ ብዘይፍቓዶም ንዝስደዱ ኣመንትን ኣብ መላእ ዓለም ክሰምዑ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘቃልሕ እዩ።

እቶም ጳጳሳትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ቅዱስ ዓመት “ህያብ ሕይወት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስን ፍጥረት ንምሕዳስን ቅዱስ ኣጋጣሚ ምዃኑ” ኣስሚሮም፡ ማሕበረሰባት ብሰንኪ ምጥፋእ ብዝሓ ህይወት፡ ዕንወት ከባብን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ንዓቢይ ሓደጋ ይቃልዑ ኣለዉ።

እቲ መግለጺ “ንፍጥረት ኣምላኽ ምምጋብ ዘይምኽኣል፡ ከም ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራ ቤት መጠን ዘለና ሓላፍነት ዕሽሽ ምባል ምዃኑ” ኣጠንቂቖም፡ ንሓረስቶትን ገፈፍቲ ዓሳን ኣባይቲ ስድራን መዓልታዊ ዘጋጥሞም ሓደጋታት፡ ዕንወት መሬት ደቀባትን ብዓለም ደረጃ ንመጻኢ ወለዶ ዘስዕቦ ሓደጋን የጉልሕ።

ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ምትሕግጋዝ ኣማራጺ ኣይኮነን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ Laudato si’ - ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ከባቢያዊ ኣየር ናይ ሓባር ረብሓን - ናይ ኩሉን ንኹሉ ዝዓለመን ኣጉሊሖም- ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ምትሕግጋዝ፡ እቲ ጳጳሳዊ ሰነድ ከም ዝገለጾ፡ ኣማራጺ ከም ዘይኮነ የነጽር። ስለዚ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዝኸተሙ  ጳጳስ ጉድዚያክን ጳጳስ ዛይዳንን ካላሃንን ንመራሕቲ ዓለም ብህጹጽን ብትብዓትን ስጉምቲ ክወስዱ ንሓያል ኣተገባብራ ስምምዕ ፓሪስ ክተግሁ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ኩላትና ከም እንጽሎን፡ ኩላትና’ውን ነዚ ዓለማዊ ብድሆ ንምፍታሕ ሓላፍነት ክንወስድ ኣሎና” እንክብሉ የስተብህሉ።

መበል 30 ዓመታዊ ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ኩለን ሃገራት፣ በርገሳውያን ማሕበራትን ምትሕብባራትን ኣብ ጻዕርታት ምትዕጽጻፍ ወፍሪ ዝገብር፣ ብድፍረት ምንካይ ልቀት በካሊ ኣየርን ተወፋይነትን ንዝተቓልዑ ማሕበረሰባት ቀጥታዊ ተበጻሕነት ዘለዎ ናይ ክሳራን ዕንወትን ምወላ ዘረጋግጽ፣ ፍትሓዊ ሰራሕተይናን ማሕበረሰብን ማእከል ዝገበረ ምስግጋር ናብ ዘላቕነት ከረጋግጹ፣ ከምኡ’ውን ኣብ እዋኑ፣ ግሉጽ ከባቢያዊ ኣየር ጉዳይ ዝምልከት ቍጠባዊ ዕዳ ምሕዋይን ከተግባሩን ሰብኣዊ ክብሪ ንምድጋፍን ዳግማይ ቃል ክኣትዉ ከተባብዕ ይግባእ - ቢሎም - ኩሎም ብሓባር፡ እዞም ተግባራት እዚኦም፡ “ናብ ኵለንተናዊ ውሁድ ምህዳርን ‘ኣብዚ መስርሕ ንድኻታትን ንዝተገለሉን ቀዳምነት ንምሃብን’ ክሰርሑ የኽእሎም እዩ” እክብሉ እቶም ነቲ መግለጺ ዝኸተሙ ጳጳስ ጉድዚያክ፣ ጳጳስ ዛይዳንን ካላሃንን መጻኢ ናይ ሓባር ገዛና ንምሕላው ክንተሓባበሩ ቃል ኣትዮም፡ ንደገፍን ምትሕግጋዝን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Nov 2025, 16:53