ድለ

ኣብ ኮልካታ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘበገስዎ መደብ ግብኡ ስርዓተ ቀብሪ ንኹሉ! ኣብ ኮልካታ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘበገስዎ መደብ ግብኡ ስርዓተ ቀብሪ ንኹሉ!  (AFP or licensors)

ኣብ ኮልካታ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘበገስዎ መደብ ግብኡ ስርዓተ ቀብሪ ንኹሉ!

ኣብ ህንዲ ከተማ ካልኩታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስትያን፡ ንኹሉ ሰብ - ቁጠባዊ ድሕረ ባይታኡ ብዘየገድስ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ዝፍለይ - ግቡእ ስርዓተ ቀብሪ ንኽፍጸመሉ ዝውፈ ሓድሽ ተበግሶ ይጅምሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንፈስ ዝኽሪ መዓልቲ ኩለን ነፍሳት ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ህንዲ ማሕበረሰብ ክርስትያን ካልኩታ ካብ ሓንቲ መዓልቲ ንላዕሊ ቀጺሉ ከም ዝወዓለን እዚ ተበግሶ እዚ ድማ ብናይቲ ከባቢ ቋንቋ “Shamman Samadhi - ግቡእ ስርዓተ ቀብሪ ዝብል ቃል ዝተመረሐ ከም ዝነበረን እዚ ብመሰረት ናይ ካልኩታ ቤት ምኽሪ ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ስርዓተ ቐብሪ ዝተነቓቐሐ ውጥን፣ “ናይ ርህራሄን ሓቛፍነትን ምልክት” ክኸውን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንወከልቲ ዝተፈላለዩ ክርስትያናዊ ሃይማኖታት ዘራኸበ እውን ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኩሎም ግቡእ ስርዓተ ቀብሪ ይግብኦም

ናይ ካልኩታ ሽማግለ ጉዳይ ክስቲያናዊ ቀብሪ፡ ዕላማ ናይቲ “Shamman Samadhi - ግቡእ ስርዓተ ቀብሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኩሉ ሰብ መንን እንታዋይን ከምኡ እውን ቁጠባዊ ድሕረ ባይታኡን ኩነታቱን ብዘየገድስ ክቡርን ብነጻን ግቡ ስርዓተ ቀብሪ ክወሃቦ ዝጠልብ እዩ ከም ዝበለ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲክን ኣተሓሒዙ፡ ንናይ ቀብሪ ወጻኢታት ክሽፍኑ ዘይክእሉ ኣባይቲ ስድራ ልዑል ግምት ዝሃበ እውን ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ጎደናታን ድዩ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብሩ ግዳም ሓደርን ኣላዪ ዘይብሎም ኣዝማድ ወይ ስድራ ዘይብሎም ሰባት ከይንጸሉ ዝገብርን ከም ኩሉ ግቡእ ስርዓተ ቐብሪ ክፍጸመሎም ዝብል እውን ምዃኑ ሓቢሩ።

ናይ ማሕበረሰብ ተልእኾ

እቲ ብቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኩታ ዝተመስረተ ማሕበር ደናግል ልኡካን ፍቕሪ እውን ኣብዚ ተበግሶ ይሳተፍ ከም ዘሎን - እዚ እውን ሓደ ናይቲ ማሕበር ዕላማ ብምዃኑ እዚ ኣገልግሎት እዚ እቲ ማሕበር ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ እውን ዘሳልጦ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

እቲ ተበግሶ “Shamman Samadhi - ግቡእ ስርዓተ ቀብሪ  ክቡር፡ ሰላማዊ፡ ኣኽብሮት ዘለዎ ማንም ከይንጸል ዝብል፡ ሓቛፍነት ማለት እውን ብምዃኑ ናይ ርህራሄ ተልእኾኦም ዘዕብይ እዩ።

መንግስቲ ከተማ ኮልኩታ ነቲ ውጥን ብሓጎስ ከምዝተቐበሎን ካብ ስልዕቲ ንልምዓት ከባቢኡ ብኣበርክቶ ከምዝገብርን ኣረጋጊጹ፡ ነዚ ተበግሶ ዝተወፈየ ናይ ዓበይትን ሕጻናትን ፍልዩ ስፍራ ዘለዎ ናይ መቓብር ስፍራ ክልግስ እውን ምዃኑ ከም ዘፍልፈጠ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

04 Nov 2025, 16:55