እብራይስጥን ዓረበይናን ተጠቀምቲ ካቶሊካውያን መንእሰያት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 18 ጥቅምቲ ካብ መላእ እስራኤል፡ ካብ ኢየሩሳሌም፡ ተልኣቪቭ፡ ሃይፋ፡ ናዝሬትን ገሊላን ዝመጹ ዳርጋ ክልተ ሚእቲ መንእሰያት ኣብቲ ናይ ቋንቋ እብራይስጥ ተጠቀምቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ቅዱስ ያዕቆብ ምስ ጉጅለ ኣገልግሎት መንእሰያት ገሊላ ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ መዓልቲ መንእሰያት ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ካብ ሓዋርያዊ መስተናብር ቅዱስ ያዕቆብ ዝወጸ ሓበሬታ ተወኪሱ የመላኽት።
ተጠቀምቲ ቋንቋ እብራይስጥን ዓረበይናን መንእሰያት ተሳተፍቲ፡ በቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ሓባራዊ ፍቕሪ ተጠርኒፎም፡ ናይ ሓደ መዓልቲ መደብ ጸሎት፣ መዝሙር፣ ዓውደ መጽናዕትን ርክብን ከም ዘካየዱን እቲ ጽንብል መዓልቲ መንእሰያት ብጸሎትን ሰላምታን ናይ ቋንቋ እብራይስጥ ተጠቀምቲ ካቶሊካውያን ሓዋርያዊ መስተናብር ተራዳኢ ፓትሪያርክ ኣባ ፒዮትር ዘላዝኮን ኣብ ጋሊለያ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ራመዝ ጥዋል ከም እተኸፈተን፡ መንእሰያት ብኽፉት ልቢ፡ ብእምነትን ብሓጐስን፡ ከም ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ናይ ምዕባይ ድሌትን ተጠርኒፎም ነታ መዓልቲ መንእሰያት ክነብርዋ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
መልእኽቲ ትብዓትን እምነትን
ናይቲ ዕለት ፍሉይ ተርእዮ ድማ ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒርባቲስታ ፒዛባላ፡ ተራዳኢ ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌም ጳጳስ ራፊክ ናህራን ኣብታ መዓልቲ መንሰያት ተረኺቦም ምስጢረ ንስሓ ኣብ ምስራዕ ምጽንባሮም ኮይኑ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣመንቲ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ብውዑይን ክውንነትን እንከብርሁ፡ “ክርስትያናዊ እምነት ሃይማኖት ጥራይ ኣይኰነን” "መነባብሮ፡ ኣገባብ ህይወት እዩ። እንታይ ንገብር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ንገብሮ፡ ኣብ ልብና ዘሎና ብኸመይ ንገልጾ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቶም መንእሰያት ከምዚ ዓይነት ኣኼባ “ኩሉ ተጻይ ኣብ ዝኾነሉን ተጻራሪ ኣብ ዝዛረበሉን እዋን” ብምውዳቦም ተባዓት እንክብሉ ንኢዶም፡ እቲ በዓል ንምክያድ ኣብ ዓሚቕ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተወሰነ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ወሲኾም “ሕጂ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ሰላምን ዕርቅን ይዛረብ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግን ድሮ ሓድሽ ነገር ክጅምር ከም ዝኽእል ኣሚንኩም ነይርኩም። ስለ ትብዓትኩም ዘለኒ ሞሳ ክገልጽ እፈቱ - ቢሎም - ነቶም መንእሰያት ድምጺ ጥርጣረ ወይ ምፍልላይ ከይሰምዑ ኣተባቢዖም፣ “ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” ናይ ዝጽልይ ኢየሱስ ድምጺ ክሰምዑ ከም ዘተባብዑ ኣፍሊጡ።