CUBA-WEATHER-HURRICANE-MELISSA-AFTERMATH CUBA-WEATHER-HURRICANE-MELISSA-AFTERMATH  (AFP or licensors)

ጻውዒት ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ነቶም ብህቦብላ ንፋስ ዝተጠቕዑ ወገናት

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ፒ. ብሮግሊዮ ነቶም በቲ ምድብ 5 ህቦብላ እተጸልዉ ሰባት ንምድጋፍ ጸሎትን ስጕምትታትን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም። ንዅሎም ሰብ ጽቡቕ ድሌት ዝኾኑ ሰባት "ንጻዕርታት እተን ድሮ ኣብ ባይታ ዝርከባ ከም ካሪታስ ሃይቲ፡ ካሪታስ ኩባ፡ ካሪታስ ኣንቲልስ ዝኣመሰላ ውድባትን ከምኡውን ኣገልግሎት ረድኤት ካቶሊክ ብምድግጋፍ ብሓድነት ደው ክብላ" ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ህቦብላ ንፋስ መሊሳ ንሃገራት ካሪብያ ብምጥፋእ ንጃማይካን ኩባን ውን ሃሲስካ ኣጥቂዑ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዘመናዊና ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ እዩ ብምባል ድማ ይጥቀስ፣ ኣብ ሰዓት 298 ኪሎ ሜተር (185 ማይል ኣብ ሰዓት) ዝሕምበብ ንፋስ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ብምንባሩ፣ እዚ ድማ ካብ ህቦብላ ካትሪና ዝሓየለ ከም ምዃኑ ኢዩ ዝነገረሉ ዘሎ። 34 ሰባት ሞይቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም ይርከቡ ኣለው።

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮግሊዮ ኣስዒቦም፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ምእንቲ እቶም በቲ ምድብ 5 ህቦብላ እተጸልዉ ሰባት ክጽልዩን ክድግፍዎም ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ጀማይካ ዝወረደ ዕንወት ህቦብላ ንፋስ
ኣብ ጀማይካ ዝወረደ ዕንወት ህቦብላ ንፋስ   (AFP or licensors)

ብፁዕነቶም እቶም ኣብ ዞባታት ካሪብያን ዝርከባ ስድራቤታት "ብምኽንያት እቲ ዝሰዓበ ምዕልቕላቕ ማይን ምህማም ምድርን፣ ካብቲ ቦታታት ናብ ቦታ ከም ዝተመዛበሉ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ እቲ ዞታ ዝወደ ጕድኣት ከቢድ ሓደጋ የጋጥሞም ኣሎ" ብምባል ገለጹ። "ኣብ ከም ጃማይካ ኩባ ከምኡውን ሃይቲ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ደሴታት ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ህቦብላ ንዜጋጥም ሳዕቤን ብዝያዳ እተቓልዑ እዮም" ክብሉ ውን ኣመልከቱ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቤተክርስትያን ብጸሎትን ብተግባራት ግብረ ሰናይን ትሓስቦም ከም ዘላ ኣዘኻኸሩ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ብሮግሊዮ ንዅሎም ካቶሊካውያን ምእመናንን ሰብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾኑ ሰባትን ንድሕንነትን ዕቝባን ኵሎም ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጕድኣት ዝወረደሉ ሃገራት ዘለዉ ሰባት ኣብ ምጽላይ ክሓብሩ ተማሕጺኖም።

ኣብ መደምደምታ ድማ "ንጻዕርታት እተን ድሮ ኣብ ባይታ ዝርከባ ከም ካሪታስ ሃይቲ፡ ካሪታስ ኩባ፡ ከምኡውን ካሪታስ ኣንቲልስ ዝኣመሰላ ውድባት ከምኡውን ነቶም እተሸገሩ ኣድላዪን ቀጥታውን ኣገልግሎት ዘቕርባ ዘለዋ ካቶሊካዊት ትካላት ረድኤት ብምድጋፍ ብሓድነት ደው ክብሉ" ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

31 Oct 2025, 14:43