ዜና ካብ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስቲያን - ዕለት 30 ጥቅምቲ, 2025
ማር ኣዋ ሳልሳይ ኣብ ቻይና
ካብ ዕእልት 16 ክሳዕ ዕለት 20 ጥቅምቲ ተቕላሊ-ፓትርያርክ ናይ ምብራቓዊት ቤተ-ክርስትያን ኣሶር ማር ኣዋ ሳልሳይ ታሪኻዊ ምብጻሕ ናብ ከተማ ሆንግ ኮንግ ኣካይዶም። ኣብ መጀመርታ 7ይ ዘመን ቤተ-ክርስትያን ምብራቕ፣ ኣብ ሃገረ ቻይና ኸም ዝነበረት ዜረጋግጽ መበል 400 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ ዢያን ዚርከብ ጂንግጃኦ ስቴል እተረኽበሉ መበል 400 ዓመት ብቤተ ክርስትያን ኣንግሊካን ሆንግ ኮንግን ማካኦን ኣብ መደብ ዝጸንሐ ጕዕዞ ኢዩ ዝነብረ። ብፁዕ ወቅዱስ ማር ኣዋ ብተወከልቲ ልኡኻት ጳጳሳት ተሰንዮም፣ ምስ ሊቃውንትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዘካየድዎ ታሪኽ ምብራቓዊ ክርስትና ቻይና ኣብ እተወፈየ መድረኽ እውን ተሳቲፉም።
ጥምቀት ሓደ ህጻን ኣብ ቃዛ
ብዕልት 26 ጥቅምቲ ሓደ ማርኮ ናደር ሃብሺ ዝተሰምየ ህጻን፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ቃዛ ምስጢረ ጥምቀት ተቐቢሉ። ክቡር ኣባ ጋብሪኤል ሮማኔሊ ነዚ ዜና እዚ ኣብ ናይ ኢንስታግራም ድሕረ ግጽ ገሊጾምዎ ይርከቡ። እዚ ዜና እዚ ኣብቲ ኸባቢ ተዅሲ ደው ከም ዝብል ካብ ዚእወጅ ንነጀው ኣብ ቍምስናኦም እተፈጸመ ናይ መጀመርታ ምስጢረ ጥምቀት ምዃኑ ኢዮም ዘመላኽቱ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ኣብ ማእከል እቲ ኲናት ዝነብር ዝነበረ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ክርስትያን ቃዛ ምልክት ተስፋ እዩ ክብሉ ይገልጹ።
ኣብ ጊዮምሪ ንመንእሰያት ኣዋልድ ዝኸውን ሓድሽ መንበሪ
ካቶሊካውያን ኣሓት ደናግል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ጊምሪ ኣርመንያ ንመንእሰያት ኣዋልድ ዝኸውን ሓድሽ መንበሪ ገዛ ከፊተን። እዚ ህንጻ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ እተፈላለየ ዞባታት እታ ሃገር ዝመጹ ተመሃሮ ክቕበል ኢዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ የሬቫን እተኸፍተ ካልአይ ቤተ ናይዚ ማሕበር እዚ ክኸውን ኢዩ። እተን እንኾነ ግን እንኮ ማሕበር ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣርመንያ ከም ምዃነን መጠን ንመንእሰያት ትምህርታውን መንፈሳውን ደገፍ ናይ ምሃብ ተልእኾአን ክቕጽላ ዘኽእለ ድማ ክኸውን ኢዩ።