ኣባ ፌራሪ፡ 'ቤተክርስቲያን ንድኻታት እያ እተፍቅር እዚ ፍቕሪ እዚ ድማ ፖለቲካዊ ዋጋ ኣለዎ”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ 21 ክሳብ 26 ጥቅምቲ ኣባላት ዓለምለኸ ኣኼባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት (Encuentro Mundial de Movimientos Populares, EMMP) ንሓምሻይ ዓለም ለኸ ኣኼባ ሮማ ከምዝኣተዉን - ዕለት 23 ጥቅምቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክራኸቡ ከም ዝኾኑን - ድሕሪኡ ድማ ንግደት ኢዮቤል ተስፋ ከካይዱ እዮም። ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ነቲ ብዙሓት ክውንነታቶም ዝውክሉ ተስፋ ብጭቡጥ ንምውዳብ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዝኣትዉሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣተሓባባሪ ዓለም ለኸ ኣኼባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣባ ማቲያ ፌራሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይዚ ህሞት እዚ የብርሁ። ብተወሳኺ ቤተ ክርስቲያን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዛ ከም እትኸይድን ስርሖም ብኸመይ ኣብ ፍቕሪ ድኻታት ዘተኮረ በቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ ሓዋርያዊ ምዕዳድ Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ኣቢሉ ሓድሽ ትርጉም ከም ዝሕዝን የዘኻኽሩ።
ዕለት 15 ጥቅምቲ ብዛዕባ ዝመጽእ ሓምሻይ ዓለማዊ ኣኼባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ዝሃብክምዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እዚ “ፍጻመ ዘይኮነስ፡ ኣብ መስርሕ ዝውሰድ ስጉምቲ“ እዩ ኢልኩም ነርኩም። እዚ እንታይ እዩ ?
ፍራንቸስኮ ከም ዝመሃሩና ክሳብ ክንድዚ ንፍጻመታት ኣቓልቦ ክንህብ ዘይኮነስ መስርሕ ምፍጣር እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ብዙሓት ከተማታትን ሃገራትን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ንህዝባዊ ምንቅስቓሳት ከተሰንይ ከም ዝጀመረትን፡ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ፡ ኣርጀንቲና፡ ሽዑ ካርዲናል ዝነበሩ ደሓር ር.ሊ.ጳ. ማሪዮ በርጎግልዮ፡ ካብጓሓፍ ቀረቓቕትን ካርቶንን ዝኣክቡን ዝተገለሉ ሰራሕተኛታትን ብቐረባ ብሰብኣውን መንፈሳውን መዳይ የሰንዩ ነይሮም። ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ምስ ተሓረዩ እዚ መንገዲ እዚ ካልእ ኣገዳሲ ስጉምቲ ክወስደሉ ዝኽእል ግቡእ ህሞት ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ይዛረብ ምህላዉ ብዙሓት ኣስተውዒሎም። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መስርሕ እዚ ብሓባር ንቕድሚት ክትስጉም ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብዓለምለኻዊ ደረጃ ክትራኸብ ከም ዝደረኻን፡ እዚ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዝገበርናዮ ጉዕዞ እዩ።
ዓለምለኻዊ ኣኼባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብዘለዎምን ከም ኣርእስቲ ታሪኽን ኣፍልጦ ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣኼባታት ዝሃብዎ መደረታት ትርጉም ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ኣብኡ ዓሚቝ ትርጉም ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ተሳትፎኦምን ምስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ርክብን እንታይን ከመይን ምዃኑን ክኸውን ከም ዘለዎም ተስተብህል።
ሕጂ ካልእ ምዕራፍ ክንጅምር ኣለና፡ ንሱ ድማ ተስፋ ምውዳብ እዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ንብዙሓት ሰባት ተስፋ ዝውክሉ ኮይኖም፡ ክውደቡ እውን ኣለዎም። ስለዚ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ምእንቲ ብጸጋ ኣምላኽ፣ ነዚ ዕማም እዚ ንምፍጻም ክፍትኑ ብናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ተሰንዮም መሊሶም ክእከቡ እዮም።
ንህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብቤተ ክርስቲያን ምስናይ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት ምዃኑን እዚ እንታይ ከም ዝመስልን ክትገልጹ ትኽእሉ ዶ?
ፍራንቸስኮ ዝሓተቱና እዚ እዩ ምኽንያቱ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን እዩ። ንዖኦም ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ብድሆታቶም፡ ኣብ መንገዲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ኣብ ባሕሪ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ከበድቲ ተምክሮታት ክገጥሞም ኣብ ዝግደደሉ እዋን መዓልታዊ ምስ ቤተ ክርስቲያን ክጓዓዙ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
ቤተ ክርስቲያን ከም ኣደ ብስም ኢየሱስ ተሰንዮም። ሕጂ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ምስተን ኣብ መዓልታዊ ብድሆታት ምስኦም ዝጓዓዛ ናይ ከባቢኦም ኣብያተ ክርስቲያናት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምርኻብ መሊሶም ምምጽኦም እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ብሓቂ ኣገዳሲ ይመስለኒ ምኽንያቱ እዚኣ ቤተ ክርስቲያን ኣዚኣ እታ ኢየሱስ ዝደልያ ቤተ ክርስቲያን እያ።
ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ እትገብርዎ ርክብ እንታይ ትጽቢት ኣሎኩም?
ንርሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነመስግን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን እውን፣ እግዚኣብሔር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብቤተ ክርስቲያኑን ኣቢሉ ንድኻታት ሓለፈ ክንብል ይደልየና። ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነዚ በቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣነ ኣፍቀርኵከ ኣቢሎም ኣዚዩ ግሩም ብዝኾነ መገዲ ይምህሩና። ፍሉይ ትጽቢት ዝበሃል የብልናን፣ እንታይ ደኣ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ምዃና ጥራይ እዩ።
ኣብ ጉዳይና እዚ ማለት ንህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብኢዳ ሒዛ መዓልታዊ ምስኦም እትመላለስ ቤተክርስትያን ምዃን ማለት እዩ፣ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝበኽዮ ሰባት ኣብ ሓዘንን ስቓይን ዝርከቡ ኣለዉ፣ ኣብ ኩሉ ቦታ በደላት ኣሎ፣ ኣብ ኩሉ ቦታ ዓመጽ ኣሎ፣ ኣብ ኩሉ ቦታታት ሰባት ኣብ ዘድልዮም ቦታታት ክርከቡ ይግደዱ። ህዝባዊ ምንቅስቓሳት እቶም ንነብሶም ዝውደቡ ድኻታት እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብቲ ዘከውክል ቦታ ከምዘላ ብጭቡጥ ርኢና ኢና። ነዚ ኢና ድማ ብሓባር ክንከይድ እንኮለና ብሓቂ ኣብ ዓለም ተስፋ ክንፈጥር እንኽእል።
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 በታ ኣነ ኣፍቀርኵከ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ዘቕርብዎ ዕድመ እቶም ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ከመይ ጌሮም ናብ ተግባር ይትርጒምዎ?
ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብድኻታትን ምስ ድኻታት ዝቐርቡ ሰባትን ዝቖሙ እዮም። ኣነ ከም ዝመስለኒ ኣነ ኣፍቀርኵከ ሓዋራዊ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣዚዩ ዘደንቕ እዩ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ብዙሕ ክፍልታት ኣለዎ፣ ብፍሉይ ዘመስገንናዮ ግና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ታሪክ ፍቕሪ ድኻታትን ዝምልከት ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ንህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘሰንያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝገርም ነገር ዘይኮነስ ኣካል ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እዩ እዮም ዝብሉ።
“ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ጥራይ እውን ኣይኮነን ዝዛረብ። ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ከም እተፍቅር ይገልጽ። እዚ ዝተፈለየ እዩ ምኽንያቱ ንሓደ ሰብ እንተ ኣገልጊልካ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ስነ - ሓሳብካ፡ ወይ ድማ ምናልባት ንፉዕ ሰብ ስለ ዝኾንካን ክትሕግዝ ስለ እትደልን ጥራይ ኢኻ ትገብሮ። እዚ ንቡር እዩ፡ እዚ ግና ነቲ ቤተ ክርስቲያን እትገብሮ ኣይውክልን። ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት እያ እተፍቅር እዚ ፍቕሪ እዚ ድማ ፖለቲካዊ ዋጋ ኣለዎ። ነዚ ፍቕሪ እዚ ብምርኣይ ጥራይ ኢኻ ምስጢር ክርስቶስን ምስጢር ቤተ-ክርስትያንን ስለምንታይ ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ከም ዚዓዪን ክትርዳእ እትኽእል” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።